מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ብዛዕባ ሊቪኒስኪ ጥዕና ማእከል

ብዛዕባ ሊቪኒስኪ ጥዕና ማእከልאודות מרפאת לוינסקי

ጥዕና ማእከል ሊቪኒስኪ ናይ ኣውራጃ ተልኣቢብ ናይ ማሕበራዊ ጥዕና ማእከል ኮይኑ ብዛዕባ  ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣብ ምርካብን ምፍዋስን ከኣ ይነጥፍ።እዚ ናይ ጥዕና ማእከል ከኣ ብ2002 ዓ/ም ብምኽንያት ብዝሒ ተለከፍቲ ናይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብፍላይ ከኣ ሕማም ጅግል  ኣብ  መወዳእታ ተስዓታት ዝጀመረ ሕማም  ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባታት ተልኣቢብ  ተርእዮታት ንግዲ ደቀንስትዮ እንዳበዝሐ ብምምጻኡ ምኽንያት ብምግባር ዝቖመ ናይ ጥዕና ማእከል እዩ።እዛ ናይ ጥዕና ማእከል ብዘይክፍሊት  ብጥርሑ  ኣገልግሎት ትህብ  ምስ ካልኦት  ኣብ ዓለም ዘሎዋ ናይ ጾታዊ ሕማማት  ጥዕና ማእከላት ብዝመሳሰል ማሕበራውን ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን  ትህብ፡ከምኡ ውን ምስ ናይ ኣመሪካን ጾታዊ ሕማማት ምክልኻል (ሲ ዲ ሲ)ብምስምማዕ  ትነጥፍ።

ኣገልግሎት ኣብ ጥዕና ማእከል

ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ብነጻ ብዘይክፍሊት እዩ፡ንኹሉ ኣገልግሎት ንዘድልዮ ከኣ ኣገልግሎት ይህብ፡ኣብ ዕድመ ኣይምርኮስን፡ጾታ ፡ቦታ፡ዜግነት ወይ ስራሕ ብዘይ ኣፈላላይ ኣገልግሎት ይህብ።እቲ ኣገልግሎት ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል

  • ምርመራ(እዚ ምስ ዶክተር ወይ ኣማኻሪ ብምምኻር ወይ ዘተ ብምግባር ብቆጸራ ይፍጸም)
  • መድሃኒት
  • ብዛዕባ ውሑስ ጾታዊ ርክብን ናይ ጾታዊ ርክብ ሕማማትን መምረሕን ምኽርን ምሃብ
  • ከከም ኣድላይነቱ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት መድሃኒት ምቕባል

እቲ ኣብዚ ናይ ጥዕና ማእከል ዝግበር ምርመራታት ብውሳኔ ናይ ዶክተር/ኣማኻሪ/ት ከም ሚዛን ሞያኦምን ዝጠዓሞምን ከከም ኩነታቱ እቲ ምርመራታት ይውሰንን ይፍጸምን።

ዓይነት ንጥፈታት  ናይቲ ጥዕና ማእከል

እዛ ናይ ጥዕና ማእከ ልቪኒስኪ ንኹሉ ጾታዊ ርክብ ዝገበረ ሰብ ኣገልግሎት ንመሃብ ትዕድም፡ንኹሎም ካብ ጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኤች ኣይ ቪ ንኸይጥቅዑ መርመራ ክገብሩ ንዝደልዩ ኣገልግሎት ንመሃብ ድልውቲ እያ።

ካብቶም ናብዚ ሕክምና ዝመጹ ገለ ኣባላት ደቂ ተብዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ  ዝሙት ዝሰርሑ ፡ሓሽሽ ዝሸጡን ዝሸጣን፡ኣወዳት ምስ ኣወዳት ጾታዊ ርክብ ዝገብሩ፡ኣወዳትን ኣዋልድን ምስ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ሰባት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ፡ካብ ብ ኤች ኣይ ቪ ዝተለኽፋ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ወይ ከኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ዝተለኽፉ ዝጠራጠሩ ሰባት ።

ነዚ ናይ ጥዕና ማእከል ልቪኒስኪ ዝተፈለለዩ  ንንጥፈታት ናይዚ ሕክምና ዘተባብዕ ካልእ ስራሓት ኣሎ።ንሱ ከኣ ዓቢን ሰፊሕን ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ሰራሕተኛታት ዝገብራኦ ስራሓትን ድጋፋትን ነዚ ናይዚ ሕክምና እዚ ንጥፈታት ዘተባብዕ ሓገዝ እዩ።

ናብዚ ሕክምና ኣብ እትመጸሉ ግዜ እንታይ ይጽበየካ ?

 ተጠቀምቲ ወይ ተሓከምቲ ናብዚ ሕክምና ኣብ ዝመጹሉ ግዜ ምስ ገለ ካብ ሰራሕተኛታት ናይዚ ሕክምና ዶክተር ነርስ ፡ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ሰራሕተኛ ወይ ኣማኻሪ/ት  ተራኺቡ ይዘራረብ።እቲ ዓላማ ናይቲ ዝግበር ዘተ ከኣ እቲ  ናብዚ ሕክምና መምጸኢኡ ምኽንያት ምእንቲ ንምርዳእ ፡ምኽንያታት ሽግር ናይቲ ዝሕከም ሰብ ንምፍላጥ ብዛዕባ  ዝገብሮም ጾታዊ ርክባትን ጠንቕታቶምን ( ከምዚ  ዓይነት ሽግር እንተሎዎ/ዋ)እሞ ናብዚ ሕክምና መምጽኢኡ ምኽንያት ውን ንሱ ምኻኑን ካልእ ምኻኑን ንምፍላጥ ምእንቲ   ክከኣል እዩ።ኣብቲ ዝተገብረ ዘተ መሰረት ብምግባር ከኣ ገለ ካብ ሰራሕተኛታት ናይዚ ሕክምና ነቲ ዝሕከም ሰብ መርመራ ንምግባር ይውስን።

እቲ ናብ’ዚ ሕክምና እዚ ዝመጽእ ዝሕከም ሰብ  ናይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ምልክታት እንተደኣ ኣሎዎ ብዶክተር መርመራ ንምግባር ከም ኣማራጺ ይውሰድ ።ኣብ ከምዚ ዓይነት መርመራ ግን ካልእ ተወሳኺ ሰብ ምስቲ ዝምርመር ሰብ ክህሉ ይምረጽ -ካብ ኣባላት ሰራሕተኛ ወይ ከኣ ነቲ ዝሕከም ሰብ ዘሰኒ ሰብ ክህሉ ተመራጺ እዩ።መርመራ ድሕሪ ምግባር ኣብ ቀጻሊ እንታይ ዓይነት ተወሰኽቲ መርመራ ክግበር ከምዘሎዎ ዶክተር ይውስን።

שתפו עם חברים