מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብምልክታት ኣብ ጾታዊ ኣካላት ግን ዘይብሎም

ኤድስ-ናይ ተጻዋርነት ዓቕሚ ዘዳኽም ምልክታት

እዚ ሕማም እዚ ብHIV(Human immune deficiency virus)ዝመጽእ እዩ-እዚ ሕማም እዚ ከኣ ነቲ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክሳብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ክሳብ (ናይ ኤድስ ደረጃ) የዳኽምዎ።እዚ ሕማም እዚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብጾታዊ ርክብ  ይመሓላለፍ ፡ብምትንኻፍ ደም ናይ ዝሓመመ ካልእ ሰብ፡ካብ ኣደ ናብ ሕጻን ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ሕርሲ ካብ ኣደ ናብቲ ሕጻን ከምኡ ውን ኣብ ግዜ ምጥባው ናብ ሕጻን ክመሓላለፍ ይኽእል።

እዚ ኤች ኣይቪ ቫይረስ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መወዳእታ 70ታት እዩ ተጋሂዱ ኣብ 20 ክፍለዘመን ማለት እዩ፡ካብቲ እዋን እቲ ንደሓር ሕማም ኤድስ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም መጽናዕትታት ዝግበረሎም ሕማማት እዩ፡ክሳብ ሕጂ ውን መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም ኮይኑ ኣሎ፡ግን ኣብ 90ታት ከኣ ሓደ “ኮክተይል” ዝተባህለ መድሃኒት ተረኺቡ ኣሎ(ሰለስተ ብሓንሳብ ዝውሰድ መድሃኒት ዘጠቓለለ እዩ)፡እዚ መድሃኒት እዚ ዕድመ ናይቶም ሕሙማት ንምንዋሕ ይሕግዝ፡እቲ መድሃኒት ምስተወስደ ከኣ ገለ ካብ ኣካላት ናይ ወዲ ሰብ እቶም ናይ ተጻዋርነት ዓቕምና  ክትንስኡ ይጅምሩ(ብፍላይ ከኣ እቲ መድሃኒት ምስቲ ቫይረስ ኣብ ዝጋጨወሉ ቦታታት)፡ኤድስ ሕዱር ሕማም እዪ እቲ መድሃኒት ከኣ ብቀጥታ ንኸይትመውት  ነቲ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብብርቱዕ ንኸይዳኸም ይከላኸል።ዋላ እካ ነቲ መድሃኒት ፈጺሙ ዘጥፍእ መድሃኒት እንተዘይሃለወ፡እቲ ቫይረስ ንኸይመሓላለፍ ዝከለኸል መድሃኒት ግን ኣሎ።

ምልክታት ናይ ኤድስ ክንዝክሮ ዝግበእና ነገር እንተደኣ ኣሎ ዋላ እካ ምልክታት ናይ ኤድስ ንኹሉ ማዕረ እንተዘይኮነ ፍሉይ ዝኾነ ምልክታት ናይ ኤች ኣይ ቪ ወይ ውሱን ዝኾነ መግለጺ የብሉን።ምልክታት ናይ ሕማም ኤድስ ድሕሪ ምሕላፉ ንመብዛሕትኡ ሰብ ንነዊሕ ዓመታት እቶም ምልክታት ይረኣዩ እዮም።እዚ ቫይረስ ዘሎዎ ሰብ ዘይውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ንኻልኦት ከመሓላልፍ ይኽእል እዩ፡ዋላ እካ እቶም ምልክታት ናይቲ ሕማም እንተዘይማዕበሉ ማለት እዩ።እቶም ምልክታት ናይዚ ሕማም እዚ ብብርቱዕ ዝኾነ መንገዲ ናይ ከም ረኽሲ ኣብ ሳንቡእ ፡ ምቕናስ ሚዛን ፡ዘይሓዊ ቁስሊ ኣብ ኣፍን መንሽሮን የኸትል።

ብኸመይ ነለልዮ? ኮምቦ ዝበሃል መርመራ ነቲ ቫይረስ ባዕሉ ንምልላይ ዝግበር መርመራ እዩ፡ከምኡ ውን ኣብቲ ቫይረስ ዝርከብ ብሮቲን ብምልላይ(ኣንቲገን ፒ24)ኤሊዛ ዝበሃል መርመራ ብምግባር፡እዚ ከኣ ሾውዓተ ሰሙን ድሕሪ በቲ ቫይረስ ምጥቃዕካ ዝግበር መርመራ እዩ፡መርመራ ኮምቦ ኣዝዩ ልሙድ እዩ።ኣብ ናይ እንሹራንስ ናይ ጥዕና ማእከልን ኣብ ነቲ ምርመራ ዝተወሰና ናይጥዕና ማእከላትን ከኣ ብዘይ ክፍሊት ይግበር እቲ መርመራ ኣብ ጥዕና ማእከላት ብዘይ ክፍሊት ይግበር እዩ ከም ኣብ በዓል ሕክምና ልቪኒስኪ እቲ ምርመራ ብማዕረ ንኹሉ እዩ ዝግበር።

ዝመሓላለፈሉ መንገዲ፡ፍኑው ዝኾነ ጸታዊ ርክብ ብዘይ መከላኸሊ ምስ አች ኣይ ቪ ዝሓመመ ሰብ ዋላ ቅድሚ እቲ ምልክታት ናይቲ ሕማም ምርኣዩ ፡ዝተለኽፈ ደም ብምትንካፍ፡ካልእ ዝተጠቕመሎም ስሪንጋታት ብምጥቃም ፡ካልእ ዝተጠቕሙሎም መራፍኣት ብምጥቃም ብዘይ መኸኑ መራፍእ ብምውጋእን ደም ብምሃብን ምውሳድን)ካብ ዝሓመመት ኣደ ናብቲ ዝውለድ ሕጻን ኣብ ግዜ ሕርስን ብምጥባውን ከኣ ይመሓላለፍ።

ንብዓት ጥፍጣፍ ረሃጽ ንፋጥ ሽንቲ ቀልቀል ኣየመሓላልፉን።ብሰላምታ፡ብምትሕቑቓፍ ምስዕዓም፡ብሓንሳብ ምብላዕን ምስታይን ኣብ ሓንቲ ሽንቲ ቤት ምጥቃም፡ናይ ሓባር ዝኾነ ሽጎማኖ ብምጥቃምን ኣይመሓላለፍን ።እቲ ሕማም ብመግቢ ኣይመሓላለፍን ብእንስሳታት ከም በዓል ጣንጡ ውን ኣይመሓላለፍን።

ብኸመይ ንፍውሶ፡እዚ እማም እዚ መድሃኒት የብሉን፡እዞም ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተማህዙ መድሃኒታት እምበኣር ነቲ ሕማም ፈጺሞም ዘጥፍኡ ኣይኮኑን፡እንታይ ደኣ ነቲ ዕድመ ናይቶም ሕሙማት ከናውሑን ከመሓይሹን ጥራሕ እዮም ዝኽእሉ።

መከላኸሊ፡ግቡእ ኣጠቓቕማ ኮንዶም ምዝውታር ጽቡቕ ይከላኸል እዩ።

ምእንቲ ኤች ኣይቪ ዘሎናን ዘይብልናን ንምፍላጥ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ምፍጻምና መርመራ ክንገብር ይግባኣና ፡ ክሳብ እቲ ናይ መርመራ ውጽኢት ዝፍለጥ ከኣ ውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ክንጥቀም ይግባእ።

ናይ ትጽቢት ግዜ፡መብዛሕቲኡ ግዜ ነቲ ቫይረስ ድሕሪ ምቅላዕካ ሰለስተ ሰሙናት እዩ ዝረአ ነቲ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋጽ ግን 12 ሰሙን ምጽባይ ይግባእ።

ሄፓቲትስ ቢ(ሕማም ጸላም ከብዲ)

እዚ ሕማም እዚ እምበኣር ብሓደ ቫይረስ ኣብ ጸላም ከብዲ ረኽሲ ይፈጥር፡ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ጸላም ከብዲ ሕማማት ኣሎዉ፡A B C D E

እዚ ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም እዚ ካብ -B ሄፓቲቲስ B HBV ዝበሃል ቫይረስ ዝመሓላለፍ እዩ፡እዚ ሕማም እምበኣር ብፈሳሲ ናይ ዝተለኽፈ ወይ ረኽሲ ካብ ዘሎዎም ነገራት ይመሓላለፍ፡ብፍላይ ከኣ ብዝተለኽፈ ደምን ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብን።እቲ ሕማም ከኣ ኣብ ጸላም ከብዲ እዩ መብዛሕቲኦም ናይዚ ሕማም እዚ ሕሙማት (85%) ምሉእ ብምሉእ ይሓውዩ እዮም፡ነቲ ሕማም ዝከላኸልሉ ናይ ተጻዋነት ዓቕሚ ውን የጥርዩ እዮም፡ውሑዳት ካብቶም ሕሙማት ግን ዳርጋ ንብዙሕ ዓመታት በቲ ናይ ጸላም ከብዲ ረኽሲ ንነዊሕ ክሳቐዩ ይኽእሉ።

ምልክታት ናይቲ ሕማም፡ ኣዝዩ ሓደገኛ  ናይ ጸላም ከብዲ ረኽሲ ፡ሽውሃት ናይ ምዕጻው፡  ስግልግል ምባል፡ምሕካኽ የኸትል ፡እዚ ምልክታት እዚ ከኣ ድሕሪ በዚ ሕማም እዚ ምጥቃዕካ ካብ 6 ሰሙናት ክሳብ 6 ወርሓት ይረአ።ካብ ወለዶ ናይ ምምሕልላፍ ባህሪ ኣብዚ ሕማም እዚ ዝተለምደ ምልክታት እዩ።

ብኸመይ ንምርምሮ፡መርመራ ናይ ደም ብምግባር ክፍለጥ ይኽእል

ዝመሓላለፈሉ መንገዲ፡ኩሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ብብልዕቲ(ናብ ብልዕቲ ብምእታው)ብኣፍን ብመዓኮርን ዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ምስ ሕማም ናይ ጸላም ከብዲ  ዘሎዎ መጻምዲ።ካብ ኣደ ናብ ውላዳ ኣብ ግዜ ሕርሲ ውን ይመሓላለፍ እዩ።ብተወሳኺ ከኣ ደም ብምትንካፍ ብዝተጠቕሙሉ መርፍእ ምጥቃም ምኡውን ብዝተጠቕሙሉ መርፍእ ብምጥቃም ይመሓላለፍ።

ብኸመይ ንከናኸኖ?ነዚ ብርቱዕ ደረጃ ሕማም መድሓኒት የብሉን።ብዙሕ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ይሓዊ እዩ።እቲ ሕማም ኣብ ዝብእሰሉ ግዜ ከነዕርፍ ኣሎና ፡ዳየት ክንገብር ኣሎና  ኣልኮል ካብ ምስታይ ከኣ ክንጥንቀቅ ይግበኣና።

ዘኸትሎም ሽግራት፡ እቲ ዝሽከሞ ቫይረስ ኣዝዩ ሓደገኛ ኮይኑ ናይ ጻላም ከብዲ ረኽሲ(ማህሰይቲ) የኸትል፡ዕንወትን መንሽሮን ኣብ ጸላም ከብዲ ውን የኸትል እዩ።

መከላኸሊ፡ትኽክለኛ ኣጠቓቕማ ኮንዶምን ምዝውታር ጽቡቕ ውሕስነት ኣሎዎ፡ነዚ ናይ ሄፓቲትስ ቢ ዝበሃል ሕማም ክታበት ብምውሳድ ካብ ምምሕልላፍ ናይቲ ሕማም ምክልኻል ይከኣል እዩ።

እቲ ሕማም ኣብ ግዜ ጥንሲ እንተኾይኑ ብቐጥታ ብናይ ደቂ ኣንስትዮ ሓኪም  ወይ ከኣ ሓፈሻዊ ሓኪም ኣይምርመርን እዩ።

ክታበት ናይ ሕማም ጸላም ከብዲ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ብምኽፋል እዩ ዝወሃብ፡እቲ ክታበት ከኣ 90% ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣሎዎ

ናይ ትጽቢት ግዜ -6 ወርሒ

ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም ካብ E-1A

ካብ ብናይ ቀልቀል ተረፍ ብምትንካፍ  ናብ ኣፍ ይመሓላለፍ

ሄፓቲቲስ ካብ ዓይነት ሪሚንግ ከምኡ ውን ካብ ዓይነት A,E

እቲ ሕማም ከኣ ብዝተበከለ መግቢ ይመሓላለፍ ፡ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከኣ ብብዝሒ ይርከብ።

ናይ ትጽቢት ግዜ- ሕማም ጸላም ከብዲ A,E ኣብ መንጎ ክልተ ሰሙናት ክሳብ 6 ሰሙን ።

ሕማም ጸላም ከብዲ ካብ ዓይነት B,C,D

ብደምን ብፈሳሲ ካብ ኣካላትናን ይመሓላለፍ፡ብተወሳኺ ከኣ ብፈሳሲ ናይ ዘርኢ።እዞም ሕማማት እዚኦም ብፍላይ ካብ ዓይነት ቢ እንተኾይኑ ብጾታዊ ርክብ ይመሓላለፍ እዩ።

ሕማም ጸላም ከብዲ ካብ ዓይነት ሲ እንተኾይኑ ብመዓኮር ብዝግበር ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ይመሓላለፍ እዩ።

ሕማም ጸላም ከብዲ ካብ ዓይነት B,C,D ክሳብ 6 ወርሒ

ጸላም ከብዲ ዝሓመሙ ሰባት ብኸቢድ ናይ ጸላም ከብዲ ረኽሲ እዮም ዝሳቐዩ፡ዳርጋ ካብ 5%-10% ካብቶም ዝተጠቕዑ ሕማም ኣየጥርዩን ናይቲ ሕማም ተጠቃዕቲ ዝኾኑን ብእኡ ዝሳቐዩን ከኣ ኣሎዉ።

ንሕማም ጸላም ከብዲ ካብ ዓይነት A፡B ናቱ ክታበት  ኣብ ሕክምና ልቪኒስኪ ውን ይርከብ እዩ(ክፍሊት ኣሎዎ)

 

 

 

שתפו עם חברים