מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ቫይረስ ሃፕፒሎማ ዝበሃል እንታይ እዩ

እዚ ሃፕፕሎማ ዝበሃል ቫይረስ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ኣዝዩ ሓደገኛን ግኑንን እዩ ንደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ከኣ የጥቅዕ።ኣብ መንእሰያት ዘሎዎ ጽልዋ ዳርጋ 80% ይበጽሕ።ልዕሊ 100 ዝኾኑ  ዓይነት ቫይረሳት ኣሎዉ ፡መብዛሕቲኦም ግን ሕማም ዘስዕቡ ወይ ምልክታት ዘርእዩ ኣይኮኑን፡30 ካብኦም ከኣ ኣብ ከባቢ መትሎን ኣብ ኣፍን ትንሓግን ሕማም የስዕብ።

መብዛሕትኦም ደቂ ሰባት ነዚ ቫይረስ እዚ ብቀሊሉ እዮም ዝብድህዎ ፡ካብ ሳዕቤናቱ ውን ዝሳቀይዎ ነገር የለን።ገለ ውሑዳት ደቂ ተባዕትዮ ግን ኣብ ከባቢ መዓኮር  ሕማም መንሽሮ ከኸትለሎም ይኽእል እዩ፡ከምኡ ውን ቅድሚ እቲ መንሽሮ ገለ ዘሕክኽ  ገለ ቁስሊ ከም በዓል ጡብ ኣድጊ ኢልና እንጽውዖም ሕበጣት  ኣብ  መትሎ ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ክፍለጥ ዘሎዎ ኣገዳሲ ነገር፡እዚኦም ዝተፈላለዩ ዓይነት ቫይረሳት ከም በዓል ጡብ ኣድጊ ዘኸትሉ ፡ሕማም ንመንሽሮ ዘኸትሉ ኣይኮኑን

ብኸመይ እዮም ኣወዳት ብ HPV/ኤች ፒ ቪ ዝጥቅዑ?

ዝኾነ ውሑስ ዘይኮነ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ወዲ ተባዕታይ በቲ ቫይረስ ኤች ፒ ቪ  ንኽጥቃዕ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ መብዛሕትኦም እቶም  ዝጥቕዑ ከኣ ምልክታት ናይቲ ቫይረስ ዘይክህልዎም ይኽእል እዩ።እዚ ማለት ከእ ብዘይ ፍላጥ ናብ ካልእ ሰብ ከመሓላልፉሉ ይኽእሉ  እዮም።እዚ ኤች ፒ ቪ ዝበሃል ቫይረስ ካብታ ቀዳመይቲ ዝተጠቓዕካላ እዋን ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ።እቲ ሰብ እዚ ቫይረስ እዚ እንተደኣ ኣሎዎ ኮይኑ ዋላ ካብ ቆርበት ናብ ቆርበት   ውን ክሓልፍ ይኽእል እዩ።በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር ኮንዶም ንኹሉ ዓይነት ምምሕላላፍ ናይ ቫይረስ ክከላኸል ዘይክእል።

እዚ ምምሕልላፍ ናይ HPV ልሙድ ድዩ?

እቲ ቫይረስ  ብብዝሒ ኣብ መንእሰያት እዩ ዝረአ ፡ገለ መጽናዕትታት ከኣ 50% ካብቲ  ሕብረተሰብ ጾታዊ ርክብ ካብ ዝፍጽሙ እዮም።

ምርመራ ናይ ኤች ፒ ቪ/HPV ኣብ ኣወዳት ይግበር ዶ?

ንግዜኡ ኣብ ኣወዳት ናይ ኤች ፒ ቪ ዝሓሸ ዝበሃል ምርመራ የለን።ኣብ ከባቢ መትሎ ከም ዕንፍሩር ወይ ጡብ ኣድጊ ዝመስል ቁስሊ ኣብ ዝረኣየሉ ግዜ ወይ ብናይ ቆርቤት ሓኪምን ናይ ጾታን ከድና ክንምርመር ይግበኣና ።

ነዚ ኤች ፒ ቪ ቫይረስ መድሃኒት ኣሎዎ ዶ?

ነቲ ቫይረስ ፈጺሙ ዘጥፈኦ መድሃኒት የለን።ብዙሕ ግዜ እቲ ሕማም ንኽሓዊ ካብ 6 – 12 ኣዋርሓት ይወስድ፡መንሽሮ ወይ ከኣ እዚ ጡብ ኣድጊ ዝመስል ከም ምልክታት ኣብዝረኣየሉ ኩነታት እንተኾይኑ ግን ካብቲ ዝተጠቕሰ ግዜ ንላዕሊ ክኸውን እዩ።ብተወሳኺነቲ ጡብ ኣድጊ ዓይነት  ናይ ኮስሞቲክስ እንብሎም መድሃኒታት ውን ኣሎዉ(መጥባሕቲ ብምግባር ንዕኡ ምእላይ ፡ነቲ ፈጸጋ ዝመስልን ነቲ ጡብ ኣድጊ ዘሕቕቕ መድሃኒት ብምጥቃምን )እዚ ግን ነቲ ቫይረስ የጥፈኦ ማለት ኣይኮነን ፡ብድሕሪኡ ውን እንደገና ክምለስ ይኽእል እዩ።

ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?

እቲ መድሓኒት ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን  ኣብ ክሊ ዕድመ 9-26 ንዝኾኑ ዝተዳለወ እዩ፡ኣብ ፍርቂ ዓመት ኣብ  ሰለስተ ደረጃ ብምኽፋል ከኣ ይወሃብ።እቲ መድሃኒት ክሳብ መወዳእታ ክውሰድ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ(እተን 3 መራፍእ ብሙልአን)እዚ ከኣ ውጽኢታዊ ምእንቲ ክኸውን እዩ።

ኣብ ናይ እንሹራንስ ውን ናይ መሰነይታ ወረቐት ካብ ዶክተር ብምውሳድ ነቲ ክታበት ምውሳድ ይከኣል እዩ።ንዝኾነ ዓይነት ተወሳኺ ሕቶቶታት  ብዛዕባ ጾታዊ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ  ዝምልከት በዚ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ንምርካብ  ቁጽሪ ተለ፡037919704 ምድዋል ይከኣል እዩ።ናይ ስራሕ ሰዓታትን ተወሳኺ ሓቤሬታ ንምርካብን  ናትና  ኢንተርነት  ምፍታሽ ይከኣል እዩ።

                                ሕቶታት ኣሎኩም ዶ?

ናብቲ ሕክምና በዚ ናይ ምኽሪ መስመር ተለፎን ምድዋል ይከእል እዩ፡037919704. ንተወሳኺ ሓበሬታን ናይ ስራሕ ሰዓታትን ንምፍላጥ ኣብ ናትና  ኢንተርነት ምፍታሽ ይከኣል እዩ፡ www,safe-sex.co.il  መልሲ ብጽሑፍ ንምርካብ ከኣ ብእድራሻ           http:www.starmed.co.il/forum-84

                          ሰራሕተኛታት ናይ ሕክምና ልቪንስኪ ንኣገልግሎትኩም ንኽሕግዝ  ሕጉስ  እዩ።

 

שתפו עם חברים