מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ንዓኻ ዝበለጸ መከላኸሊ ምኻኑስ ብኸመይ ትፈልጥ

ኩልና ደስ ዘብል ጾታዊ ርክብ ክህልወና ንደሊ ንኸውን ፡ንስኻ ውን ብርግጽ ትደልሊ ትኸውን ፡ሓቂ ድዩ?ጎድኒ ጎድኒ እዚ ከኣ ናይ ጾታዊ ሕማማት ከም በዓል ኤች ኣይ ቪ ኤድስን  ምክልኻል ጥንስን  ኣፍፍልጦ ክህልወና ይግባእ፡ስለምንታይ?ንገዛእ ርእስኻን ንጥዕናኻን ክትሕሉ ስለዝግባእ፡ኣብ ጾታዊ ርክብ ክትዓግብን ደስ ኢሉካ ክትገብርን እንተኾንካ እቲ እትገብሮ ጾታዊ ርክብ ንጥዕናኻ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዘየስግእን ናይ ዘይተደልየ ጥንሲ ስግኣታት ዘይብሉ ክኸውን ኣሎዎ፡ ቕድሚ ኩነት ኣየናይ መከላኸሊ እዩ ንዓኻ ዝበለጸ ክትውስን ይግባእ፡5 ምኽርታት ኣየናይ መከላኸሊ እዩ ዝበለጸ ንዓኻ

1.ካብዚ ተምሃር

ብዛዕባ መከላኸሊ ማዕረ ክንድይ ዝኣክል ፍልጠት ኣሎካ?እቲ ኣርእስቲ ባዕልኻ ኣንብቦ  ካብኡ ባዕልኻ ኣየናይ መከላኸሊ እዩ ንዓኻ ዝበለጸ ትውስን ማለት እዩ።ኣማራጺታት መከላኸሊ ጥንሲ ውሑድ ከምዘይኮነ ዘክር፡ከኒና ፡ድያፍራግም፡ስፖንጅ፡መርፍእ ፡ናይ ማሕጸን፡ቫጃይናል ሪንግ (ኣብዚ ክሊክ ብምግባር ኣንብብ)ኮንዶም ጥራሕ እዩ ካብ ጥንስን ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ኤድስን ዝከላኸል።

መብዛሕትኦም ክሳብ ሕጂ ዝተማህዙ መከላኸሊታት ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝተዳለዉ እዮም ፡ኮንዶምን ፡ምምካን ዘርእን ጥራሕ እዩ ወዲ ተባዕታይ ዝጥቐም እዚ ማለት ግን ወዲ ተባዕታይ ውን ካብ ጾታዊ ሕማም ንክልኻል ጥዕናኡን ጥዕና መጻምዱን ክሕሉ ይግባእ።

2.ብዛዕባዚ ተዛረብ

መጻምዲ እንተደኣ ኣላትካ፡ብጾታዊ ርክብ ክትዓግብን ደስ ክብለካን ከምእትደሊ ሓብራ፣እዚ ንምግባር ከኣ ውሑስ ክትከውን ኣገዳሲ ምኻኑ ግለጸላ፡ኣየናይ መከላኸሊ ክትጥቀሙ ከምዘሎኩም ውን ምእንቲ ክትመርጹ ኣሳትፋ፡ብዛዕባ መከላኸሊ ዘንበብካዮ ውን ሓብራ፡ከንብብን ክፈልጥን ምእንቲ ከንብብ ውን ክትዕድምዮን ብሓንሳብ ኮንኩም መከላኸሊ ምእንቲ ክትጥቀሙን ኣሳትፋ።

እቲ ኣብ መጎኹም ዘሎ ግልጽነትን ድልውነትን ነቲ ፍቕርኹምን ምሕዝነትኩምን ዘድልድል እዩ።ዘተ ናይ ክልተኹም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ፡ካብቲ ብዛዕባ ካልእ እትዛረብዎ ኣርእስቲ ብዘይ ውሕድ ክትዘራረቡ ኣሎኩም፡ከም ዙረት/ምዝንጋዕ፡ትምህርቲ ስራሕን ካልእን፡ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘሎኩም ዘረባ ማዕረ ዝማዕበለ፡ጾታዊ ርክብኩም ከኣ ዝበለጸ ይኸውን።

3.ሓዳስ  መጻምዲ ስለዘላትካ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ  ክትዛረብ  ትሓፍር ዶ ትኸውን?

ሓድሽ መጻምዲ እንተደኣ ኣላትካ ፡ዳርጋ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምዝርራብ ኣሸጋሪ እዩ፡ ኮንዶም ብምጥቃም ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ይግባእ፡ብኮንዶም ምጥቃም ጾታዊ ሕማማት ከይመሓላለፈኩም ይከላኸል፡ዋላ እካ ዝኾነ ምልክታት ናይ ሕማም እንተዘየሎ፡ክሓልፈካ ወይ ከተመሓላልፊልካ ይከኣል እዩ።ጾታዊ ሕማማት ልክዕ ከም በዓል (ሰዓልን  እንፍሉወንዛን)ልሙድ እዩ።ስለዚ ዋላ እካ ዝኾነት ጋል ኣንስተይቲ ጽርይቲ እትመስልን (መዓልታዊ እትሕጸብን እንተመሰለት)፡ወይ ከኣ ሕያወቲ/ምዕብልቲ እንተመሰለት(ዝበለጸት  እንተመሰለት)ጾታዊ ሕማምት ክህልዋ ኣይክእልን ማለት ኣይኮነን።ብዛዕባ ኮንዶም ተወሳኺ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ(ጽሑፍ ብዛዕባ ኮንዶምን ዓቀንን)

4.ካልእ ተወሳኺ መጻምዲ ኣለዋኻ’ዶ?

ካልኦት መጻምዲታት ክትቕይር መደብ እንተሎካ ኮንዶም ክትጥቀም ይግባእ፡ካብ ጾታዊ ሕማማትን ካብ ጥንስን ምእንቲ ክትከላኸል፡ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዝበለጽካ ዓርኪ ኢኻ፡መጻምድኻ ኮንዶም ሒዘን ክመጻ እየን ኢልካ ኣይትእመን፡ኩሉ ግዜ ኣብ ጁባኻ ዝተወሰነ ኮንዶም ሓዝ።ከምቲ ሓንቲ ዘይትፈልጠካ ጛል ክዳን ክትመርጸልካ ዘይትሰማማዕ-ስለምንታይ ኩሉ ግዜ ኮንዶም ሒዛ ክትመጽእ እያ ኢልካ ትኣምን፡ጥዕናኻ ክትሕልወልካ ማለት ድዩ?ንገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት ወሲድካ ኣብ ቦርሳኻ ኮንዶም ሓዝ።ተወሳኺ ብዛዕባ ኮንዶም ኣብዚ ኣንብብ(ብዛዕባ ኮንዶምን ዓቐንን)

5.ርክብካ ናይ ሓቂ ድዩ?

ንነዊሕ ግዜ መጻምዲ ስለዘላትካ ኮንዶም ክተቓርጾ ዶ ትደሊ ኣሎኻ?ጽቡቅ!ቅድሚ ኮንዶም ምጥቃም ምቁራጽኩም ግን ተመርመሩ በዚ ከኣ ውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ምእንቲ ክህልወኩም፡እቲ መርመራ ጌርኩም ምስ ወዳእኩም ክሳብ ውጽኢት እትቕበሉ ውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ትገብሩ፡ብድሕሪኡ እቲ ውጽኢት ምስተቐበልኩም እሞ ነጋቲቭ ምስ ኮንኩም(ካብ ጾታዊ ሕማማት ኤች ኣይ ቪ ኤድስ  ነጻ ምስኮንኩም)ውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ትፍጽሙ ማለት እዩ።

ጾታዊ ሕማማት ኣበይ ንምርመሮም?

እዚ ኣብ ኩሉ ናይ እንሹራንስ ጥዕና ማእከላት ወይ ካልኦት ዝተወሰና ናይ ጥዕና ማእከላት ናይ ጾታዊ ሕማማት ሕክምናታት ናይ ምኒስትሪ ጥዕና፡ብዛዕባ ጾታዊ ሕማማት ጾታዊ ርክብ ዓይነት መከላኸሊ ዝኾነ ሕቶታት እንተሎኩም ውን ምስ ምኒስትሪ ጥዕና ኽታማኸሩ ትኽእሉ ኢኹም።ሰራህተኛታትን ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ናይ ሕክምና ሊቪኒስኪ ወይ ብውልቒ ከምኡ ውን ከም መጻምዲ ዝኾነ ኦኣይነት ጾታዊ ሽግራት ከም ጾታዊ ዓመጽ ወይ ብሓይሊ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ እንተኾንኩም እሞ ንጾታዊ ሕማማት ኣብ እትቃልዕሉ ሓደጋ እንተሎኹም ፡ንምሕጋዝኩም ድልዋት እዮም።

ቀዋሚት ዝኾነት መጻምዲ ኣላትካ ዶ? ዝቀያየሩ መጻምዲታት ኣለዋኻ ዶ?መልሲ ብዘየገድስ ፡እቲ ቀንዲ ዘገድስ ደስ ዘብል ጾታዊ ርክብ ክህልወካ እዩ።ሕጂ ኩሉ ዘድሊ ሓበሬታ ስለዘሎካ ፡እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ መከላኸሊ ንኽትመርጽ ኣዝዩ ዝቐለለ ክኾነልካ እዩ፡ክትሕጎስን ክትዘናጋዕን ኢኻ፡ተዘናጋዕ!

 

 

שתפו עם חברים