מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ንዓኻ ዝበለጸ መከላኸሊ ኣየናይ ምኻኡ ብኸመይ ትፈልጥ

ኩልና ደስ ዘብል ጾታዊ ርክብን ጥዕናኡ ዝሓለወን ክህልወና ንደሊ ኢና ።ንስኻ ውን ብርግጽ ትደሊ ትኸውን፡ ሓቒ ድዩ?ምስኡ ብተማሳሳሊ ከኣ ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም በዓል ኤድስ ኣፍልጦ ክህልወና  ይግባእ።ስለምንታይ?ምኽንያቱ ንጥዕናኻ ክትከናኸን ውን ስለዝግባእ።ጾታዊ ርክብ ንኽትገብር ውሑስን ደስ ኢሉካን ክትገብሮ ይግባእ ብድሕሪ ጾታዊ ርክብ ግን ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም በዓል ኤድስ ከይትጥቃዕ ቕድመ ኩነት ክትጥንቐቕ ኣሎካ-  ኣብ ኩሉ ዓይነት  ጾታዊ ርክብ ከኣ ብኮንዶም ክትጥቀም

እዞም 5 ምኽርታት ኣየናይ መከላኸሊ እዩ ዝበለጸ ንዓኻ ንኽትመርጽ ክሕግዙኻ እዮም

1.ካብዚ ተምሃር

“ፍልጠት ሓይሊ እዩ “ከምዝበሃል፡ኣይኮነን? እቲ ኣርእስቲ ባዕልኻ ኣንብቦ ካብኡ ባዕልኻ ኣየናይ መከላኸሊ እዩ ንዓኻ ዝበለጸን ትውስን ማለት እዩ።ኣማራጺታት መከላኸሊ ጥንሲ ውሑድ ከምዘይኮነ ዘክር፡ከኒና ፡ድያፍራግም፡ስፖንጅ፡መርፍእ ፡ናይ ማሕጸን፡ቫጃይናል ሪንግ (ኣብዚ ክሊክ ብምግባር ኣንብቢ)ኮንዶም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ግን ካብ ጥንስን ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ኤድስን  ይከላኸል።

ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተማህዙ መብዛሕትኡ መከላኸሊ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝጥቀማሉ እዩ፡ኮንዶምን ናይ ዘርኢ መምከንትን ጥራሕ እዮም ደቂ ተባዕትዮ ክጥቀሙ ዝኽእሉ።፡እዚ ነገራት እዚ ግን እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ ነገር ንኽትገብርን ሓላፍነት ክወስድን ዝግድብ ኣይኮነን።፡መከላኸሊ ምጥቃም ከኣ ንዓኻን ንመጻምድኻን ውሕስነት ስለዝኾነ።

ንዓና ዝኸውን መተሓሳሰቢ፡ኩሉ ዓይነት መከላኸሊ ከም ዝግባእ ከምብሓድሽ ክኽፈት ኣሎዎ፡ንኣብነት፡እቲ ገጽ ናይ መከላኸሊ

https://www.ladaat.org.il/index.php?dir=site&page=articles&op=item&cs=3004

2.ብዛዕባዚ ተዛረብ

ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክትዛረብ ቁሩብ ዘሕፍር ክኸውን ይኽእል እዩ፡ብፍላይ ከኣ እቲ ዕላል ኣንፈቱ ናበይ ምኻኑ እንተዘይፈሊጥና ።ስለዚ ድልውነት ናትካ ጥራሕ እዩ ዝሕግዝ። መጻምዲ እንተደኣ ኣላትካ፡ብጾታዊ ርክብ ክትዓግብን ደስ ክብለካን ከምእትደሊ ሓብራ፣እዚ ንምግባር ከኣ ውሑስ ክትከውን ኣገዳሲ ምኻኑ ግለጸላ፡ኣየናይ መከላኸሊ ክትጥቀሙ ከምዘሎኩም ውን ምእንቲ ክትመርጹ ኣሳትፋ፡ብዛዕባ መከላኸሊ ዘንበብካዮ ውን ሓብራ፡ከተንብብን ክትፈልጥን ምእንቲ ከኣ ከተንብብ ክትዕድማን ብሓንሳብ ኮንኩም መከላኸሊ ምእንቲ ክትጥቀሙን ክትዕድማ ውን ትኽእል ኢኺ።

እቲ ኣብ መጎኹም ዘሎ ግልጽነትን ድልውነትን ነቲ ፍቕርኹምን ምሕዝነትኩምን ዘደልድል እዩ።ዘተ ናይ ክልቴኹም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ፡ካብቲ ብዛዕባ ካልእ እትዛረብዎ ኣርእስቲ ብዘይ ውሑድ ክትዘራረቡ ኣሎኩም፡ከም ዙረት/ምዝንጋዕ፡ትምህርቲ ስራሕን ካልእን፡ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘሎኩም ዘረባ ውን ከምኡ ኣገዳሲ ምኻኑ ክንርዳእ ይግባእ

ኣብ መንጎኹም ዝኾነ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ዘይ ምስምማዕ እንተተፈጢሩ፡ንኣብነት ንስኻ ኮንዶም ትደሊ እሞ ንሳ ከኣ ኮንዶ ክትጥቀሙ እንተደለየት፡ኣብ ናይ ሓባር ውሳኔ ንምብጻሕ ምስ ካልእ ተወሳኺ ሰብ ክትዛተዩ ተመራጺ እዩ፡ብዘይ ምስምማዕኩም ተጎዳእቲ ክልቴኹም ኢኹም፡ደስ ዘብል ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ናይ ክልቴኹም ስምምዕ ወሳኒ እዩ።ኣብ ከምዚ እዋን ግጭጥ”ማዕጾ ክፉት’ዩ””ደለት ፕቱኻ”ዝተብሃለ ትካል ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ ተሌፎን 035101511.

3.ሓዳስ መጻምዲ ስለዘላትካ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክትዛረብ ትሓፍር ዶ ትኸውን?

ሓድሽ መጻምዲ እንተደኣ ላትካ ፡ዳርጋ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምዝርራብ ኣሸጋሪ እዩ፡ ኮንዶም ብምጥቃም ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ይግባእ፡ብኮንዶም ምጥቃም ጾታዊ ሕማማት ከይመሓላለፈኩም ይከላኸል፡ዋላ እካ ዝኾነ ምልክታት ናይ ሕማም እንተዘየሎ፡ክሓልፈካ ወይ ከተመሓላልፍ ትኽእል ኢኻ።ጾታዊ ሕማማት ልክዕ ከም በዓል (መቑረርትን/ሰዓል እንፍሉወንዛን)ልሙድ እዩ።ስለዚ ዋላ እካ ዝኾነት ጛል ጽርይቲ እትመስልን (መዓልታዊ እትሕጸብን እንተመሰለት)፡ወይ ከኣ ሕያወይቲ/ምዕብልቲ እንተመሰለት(ዝበለጸት ጛል ውን እንተመሰለት)ጾታዊ ሕማማት ክህልዋ ኣይክእልን ማለት ኣይኮነን።ብዛዕባ ኮንዶም ተወሳኺ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ(ጽሑፍ ብዛዕባ ኮንዶምን ዓቀንን)

4.ካልእ ተወሳኺ መጻምዲ ኣሎኪ ዶ?

ካልኦት መጻምዲታት ክትቕይር መደብ እንተሎካ ኮንዶም ክትጥቀም ይግባእ፡ካብ ጾታዊ ሕማማትን ካብ ጥንስን ምእንቲ ክትከላኸሊ፡ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዝበለጸ ዓርኪ ኢኻ፡መጻምድኻ ኮንዶም ሒዘን ክመጻ እዮን ኢልካ ኣይትእመን፡ኩሉ ግዜ ኣብ ጁባኻ ዝተወሰነ ኮንዶም ሓዝ።፡ንገዛእ ርእስኺ ሓላፍነት ወሲድኪ ኣብ ጁባኻ ኩሉ ግዜ ኮንዶም ሓዝ።ተወሳኺ ብዛዕባ ኮንዶም ኣብዚ ኣንብብ(ብዛዕባ ኮንዶምን ዓቐንን)

5.ርክብካ ናይ ብሓቂ ድዩ?

ንነዊሕ ግዜ መጻምዲ ኣሎላትካ ሞ ኮንዶም ክተቃርጽዎ ዶ ትደልዩ ኣሎኹም?ጽቡቅ!ቅድሚ ኮንዶም ምጥቃም ምቁራጽኩም ግን ተመርመሩ በዚ ከኣ ውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ምእንቲ ክህልወኩም፡እቲ ምርመራ ጌርኩም ምስ ወዳእኩም ክሳብ ውጽኢት እትቕበሉ ውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ትገብሩ፡ብድሕሪኡ እቲ ውጽኢት ምስተቐበልኩም እሞ ነጋቲቭ ምስ ኮንኩም(ካብ ጾታዊ ሕማማት ኤች ኣይ ቪ ኤድስ  ነጻ ምስኮንኩም)ነቲ ኮንዶም ከተቓርጽዎ ትኽእሉ በዚ መሰረት ከኣ ውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ትፍጽሙ ማለት እዩ።

ጾታዊ ሕማማት ኣበይ ንምርመሮም?

እዚ ኣብ ኩሉ ናይ እንሹራንስ ጥዕና ማእከላት ወይ ካልኦት ናይ ጥዕና ማእከላት ናይ ጾታዊ ሕማማት ሕክምናታት ናይ ምኒስትሪ ጥዕና፡ብዛዕባ ጾታዊ ሕማማት ጾታዊ ርክብ ዓይነት መከላኸሊ ዝኾነ ሕቶታት እንተሎኩም ውን ምስ ምኒስትሪ ጥዕና ኽትማኸሩ ትኽእሉ ኢኹም።ሰራሕተኛታትን ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ናይ ሕክምና ሊቪኒስኪ ወይ ብውልቒ ከምኡ ውን ከም መጻምዲ ዝኾነ ዓይነት ጾታዊ ሽግራት ከም ጾታዊ ዓመጽ ወይ ብሓይሊ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ እንተኾንኩም እሞ ንጾታዊ ሕማማት ኣብ እትቃልዕሉ ሓደጋ እንተሎኹም ፡ንምሕጋዝኩም ድልዋት እዮም።

ቀዋሚ ዝኾነ መጻምዲ ኣላትካ ዶ? ዝቀያየሩ መጻምድታት ኣሎውኻ ዶ? መልሲ ብዘየገድስ ፡እቲ ቀንዲ ዘገድስ ደስ ዘብል ጾታዊ ርክብ ክህልወኪ እዩ።ሕጂ ኩሉ ዘድሊ ሓበሬታ ስለዘሎኪ ፡እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ መከላኸሊ ንኽትመርጺ ኣዝዩ ዝቐለለ ክኾነልካ እዩ፡ክትሕጎስን ክትዘናጋዕን ኢኻ፡ተሓጎስ!

 

שתפו עם חברים

ביום חמישי 28.3.24 המרפאה תהיה סגורה. נשוב לפעילות ביום ראשון 31.3.24

עמכםן הסליחה

On 28.3.24 the clinic will be closed.

We will return to activity on Sunday 31.3.24. 

Sorry for the inconvenience