מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ኣልኮልን ሓሽሽን-ኣወዳት

ናይዚ ኣርእስቲ ምኽሪሓሶት ናይ ኣልኮል

ኣድላይነት ናይ ኣልኮል ዳርጋ ገለ ክፋል  መዘናገዒና ተቐይሩ  ኣሎ፡እዚ ጽቡቕ ተግባር ድዩ ወይስ ሕማቕ ?ንኽትፈርድ ከቢድ እዩ።ኣልኮል ብዓቐን ምስታይ ገለ ኣብ ኣካላትና ተዓጽዩ ዝነበረ ክፈትሕ ይኽእን እዩ፡ቁሩብ ጭንቂ የጉድል፡ንኹሎም ህዋሳትና ከኣ ጽቡቕ ስምዒት ይውስኸሎም።

ኣብ መንጎ ዝጠቕመናን ዝጎድኣናን ናይ ኣልኮል ምስታይ ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ንእሽቶ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ናብ ደረጃ  ስኽራን ኣብ እንበጽሓሉ ግዜ ነቶም ህዋሳትናን ስምዒትናን ነጥፈኦም ዘይገዛእ ርእስና ከኣ ንኸውን፡ጽቡቕን ሕማቕን ከኣ ክንፈላሊ ኣይንኽእልን፡ኣብዚ ደረጃ እዚ ከኣ እዩ ኣልኮል መዘናግዒ ምኻኑን ጥዕና ምኻኑን ተሪፉ ከም ኣብ ከባቢኻ ዝተጻወደ መሳርሒ ኣጽዋር ዝዓይነቱ ኩነታት ዝቕየር።ኣልኮል ናይ ፍርዲ ወይ ምምዝዛን  ዓቕምና ይሃሲ እዩ ፡በዚ መሰረት ከኣ ቕድሚ ኣልኮል ምስታይና ዘይንገብሮም ዝነበርና  ናብ ዓመጽ ክንበጽሕን  ሓይሊ ክንጥቀምን ይገብረና ፡ከም ዝፍለጥ “ስኽራን ውድድር ኣይኮነን”ስለዚ ኣልኮል ኣብ ሂወትና ከሽካዕልል ኣይነፍቀደሉ።ብተወሳኺ ክንፈልጦን ክንጥንቀቐሉን ዝግበእና ኣልኮል ንሂወትና ሓደገኛ ምኻኡ ክንፈልጥ ይግባእ-ክንዕምጽ ንኽእል፡ከምኡ ውን ብጾታዊ ሕማማት ዝመሓላለፉ ሕማማት ክንተሓዝ ንኽእል፡

እቲ ዘስካሕክሕ ታሪኽ ናይ ጛል 20 ዓመት ናብ ማዕዶን/መዘናገዒ ክትዘናጋዕ ዝኸደት፡” ብመዓሪብ” ዝተብሃለ ናይ ጋዜጣ ጽሑፍ ከምዝሕብሮ ኣብ ቅድሚ እቶም ኩሎም ኣብኡ ዝዘናገዑ ዝነበሩ ሰባት እያ ተዓሚጻ። ብዛዕባ ከቢድን ኣሰቃቕን ዝኮነ ፍጻሜታት ኢና እንዛረብ ዘሎና ገና ውን ብዛዕባ ሓላፍነት ናይቶም ወነንቲ ክለብ/መዘናገዒን ብዛዕባ እቶም ዝዘናገዑን እንመሃሮ ነገር ኣሎ፡እንተኾነ ግን እዚ ፍጻሜ እዚ ጥራሕ እዩ ንደገ ስለዝወጸ እንሰምዖ ዘሎና ምኽንያቱ ፍሉይ ስለዝኾነ ።ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ናይቶም ኣልኮል ዝሰትዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን  መንእሰያት ጾታዊ ዓመጽ ዝገጥሞም ቁጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።እዚ ማለት ግን ምስታይ ወይ ምዝምንጋዕ ይትረፍ ማለት ኣይኮነን፡እንታይ ደኣ ነዚ ኣሰቃቒ ፍጻሜታት ኣብ ግምት ከነእትዎን ክንፈልጦን ክንጥንቀቐሉን ንምዝኽኻር እዩ።እዚ ዝስዕብ ገለ ካብቲ መዘኻኸሪ እዩ።

1.ገደብካ ተቆጻጸር።ኣካላትካ ክትቆጻጻረሉ ብእትኽእለሉ ዓቐን ስተ፡ብዙሕ ምስታይ ነቲ ናይ ውሳኔታት ዓቕምኻ ክሃስዮ ይኽእል እዩ።

2.ኣልኮል ኣብ እትሰትየሉ ግዜ ጾታዊ ርክብ ክትገብር እንተመዲብካ ፡ምናልባሽ ኮንዶም ንምጥቃም ኣካላትካ ዘይክትቆጻጸር ትኽእል ኢኻ ፡ስለዚ ኣካላትካ ንብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም በዓል ኤድስ ተቃልዓ ኣሎኻ ማለት እዩ።”እዚ ናይ በሓቂ ዋጋ ኣሎዎ ዶ”?

3.ምናባሽ ምስ ኣዕሩኽትኻ ትወጽእ እንተኾንካ እሞ ምስ ዝሰተየት ጛል ኣንስተይቲ ናይ ዓመጽ ፈተነታት ይገብሩ እንተኾይኖምን ከልክሎም ኢኻ። እንተዘይኮነ ግን ንስኻ ውን ናይቲ ጉዳይ ተሳታፊ ኢኻ።

4.ክሳብ እቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝካየድ ኣብኡ ኔርካ እንተኾንካ ፡ናይ ግድን ክትነግር ኣሎካ ፡እንተዘይኮነ ናይቲ ጉዳይ ተሳታፊን ተሓባባርን ኢኻ።

ብተወሳኺ ጾታዊ ዓመጽ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ውን ኣሎ ንኣብነት ፡ኣብ ልዕሌኦም ጸብለልትነት ኣይተርኢ፦ኣተሓሳስባኦምን ደርጃኦምን ምርኣይ ውን ኣገዳሲ እዩ፡ከነፈራርሖም ከኣ ኣይግባእን።ስለዚ ደቂ ተባዕትዮ ውን ኣብ ግዜ ስኽራን ናይ ጾታዊ ዓመጽ ግዳያት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

שתפו עם חברים

ביום חמישי 28.3.24 המרפאה תהיה סגורה. נשוב לפעילות ביום ראשון 31.3.24

עמכםן הסליחה

On 28.3.24 the clinic will be closed.

We will return to activity on Sunday 31.3.24. 

Sorry for the inconvenience