מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ኣቃውማ ጾታዊ ኣካላት ናይ ወዲ ተባዕታይ

  1. ፍሕኛ
  2. .ናይ መፈላልዮ ኣዕጽምቲ
  3. መትሎ
  4. .ኢምብሮይደሪ
  5. .ሞልዲንግ/ናይ ፈሳሲ
  6. .ዕልቦ
  7. ናይ ሽንቲ ትቦ
  8. ሲግሞይድ
  9. ኣንፈ መዓንጣ
  10. ስፐርም
  11. ቫስ ደፈረንስ
  12. ፕሮስተት
  13. ኮፐር ግላንድስ
  14. መሃንቱስ/መዓኮር
  15. ሻምብቖ ናይ ዘርኢ
  16. ናይ ፍረነብሲ ዓቀን
  17. ፍረነብሲ
  18. ከረጢት ፍረ ነብሲ

ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ምግዛእ ኣገዳሲ እዩ(ካብ ሳይክሎፐድያ ዝተወስደ እዩ

ሓፈሻዊ-ናይ ወዲ ተባዕታይ መትሎ

ደቂ ሰባት ምስ መጥበውቲ እዮም ዝምደቡ፡ኣብ ግዜ ዘጥብዉሉን ድሕሪ ምጥባውን ድሕሪ እቲ ኦባሪ ናይ ሰበይቲ ክሳብ ናይ ምውላድ ደረጃ፡ንወዲ ተባዕታይ ክልተ ፍረነብሲታት ነቲ ዘርኢ ዘመንጭዉ  ኣሎዎ ።እቶም ፍረነብስታት ኣብቲ ከረጢት ኣብ ግዳማዊ ኣካላትና  እዮም ዝርከቡ።ካብ ነፍስ ወከፍ ፍረነብሲ ነቲ ናይ ዘርኢ ዋህዮ ንደገ ዘውጽእ መስመር ኣሎዎ፡እዚ ገመድ እዚ ከኣ ናይ ዘርኢ ገመድ ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ካብቲ ፍረነብሲ ምስ ቀጸልካ ገለ ሕበጥ ዝመስሉ ከበብቲ ክፍሊ ኣካላት ኣሎዉ ንሶም ከኣ ነቲ ዘርኢ ዘመንጭዉ እዮም፡እቶም ከበብቲ ነገራት ከኣ ናይ ዘርኢ ከረጢት ተባሂሎም ይጽውዑ፡እዞም ክልተ ትቦታት (ሓደ ናይ ዘርኢ ትቦ እቲ ካልኣይ ከኣ ናይ ሽንቲ ትቦታት )እዞም ክልተ ትቦታት ኣብቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ  መትሎ፡ኣብ  ከረጢት ወይ መፍሰሲ ትቦ እዮም ዝራኸቡ

መትሎ

መትሎ  ናይ ወዲ ተባዕታይ ክፍሊ ኣካላት እዩ፡መብዛሕትና ግን በቲ ልሙድ ኣጸዋውዓ “መሸኒ” ንብሎ ኢና ፡መትሎና ጾታዊ ርክብ ንምግባርን ምምሻንን ንጥቀመሉ።ሺንቲ ካብቲ ፍሕኛ ናይ ሽንቲ ተበጊሱ በቲ ናይ ሽንቲ ትቦ ብምሕላፍ ብመትሎ ገይሩ ንደገ ይወጽእ።ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ መትሎ ብደም ይመልእ እሞ ንኽቐንዕ ውን ይቃለስ (ንኽወትር)ናብ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ከኣ ናይ ዘርኢ ዋህዮታት የውጽእ፡እዚ ከኣ ብፈሳሲ ዘርኢ መልክዕ ማላት እዩ።

ግዝፊ መትሎ ወዲ ተባዕታይ ካብ ወዲ ናብ ወዲ ይፈላለ እዩ፡ንእሽቶ ወይ ዓቢ ምኻኑ ወይ ካልእ ውን እንተኾነ ልሙድ እዩ፡ንጾታዊ  ርክብ ዘሸግር ኣይኮነን፡እቲ መትሎ ዳርጋ ካብ ግዜ ምውላድ ክሳብ ናይ ጉብዝና (12 ዕድመ )ዳርጋ ዕብየት ኣየርእን እዩ።

ፍረነብሲ

ፍረነብሲ ገለ ክብብ ዝበለ ጾታዊ ክፍሊ ኣካላትና ኮይኑ ናይ ዘርኢ ዋህዮታት ንምምንጫው ከኣ ይጠቕመና ፡እዞም ፍረነብስና ካብ ደረጃ ንእስነትና ጀሚሮም ብቐጻሊ ነቲ ዘርኢ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዘመንጭዉልና  እዮም።

ኣብ ወዲ ሰብ ክልተ ፍረነብስታት ኣሎዉ፡ኣብቲ ከረጢት ናይ ፍረነብሲ ከኣ ተንጠልጢሎም ይርከቡ፡ቀንዲ ቦታኡ ከኣ ኣብ መንጎ መሰጣሕ ዝበሃል ክፍሊ ኣካላትናን ኣብ ትሕቲ መትሎን እዮም ዝርከቡ።እቲ ከረጢት ናይ ፍረነብሲ ካብ ኣካላትና ወጻኢ ንክፍልታት ናይ ዘርኢ ዋህዮታት ዘድሊ ሙቐት የመንጩ፡ኣብ ፍረነብሲ ሙቀት ኣብ ዝልዕለሉ ግዜ (ንኣብነት ፡ጸቢብ ኩስቱመ ኣብ እትለብሰሉ ግዜ)እቲ ዓይነት ናይ ዘርኢ ዘመንጩ  ዋህዮ ይህሰ።ኣብ ከባቢ ትሑት ሙቐት እንተደኣሎ ግን፡እቲ  ከረጢት ፍረነብሲ ነቲ ፍረነብስና ናብ ናይ ምዉቕ ኣካላትና እኹል ሙቐት ንምርካብ ከቐራርቦ ይጅምር(ስለዚ እቶም ፈረ ነብስና ብዝሑል ማይ ይጭበጡ)ስራሕ ናይዞም ክልተ ፍረነብሲ ሓደ እዩ፡እቲ ሓደ ነቲ ካልኣይ ግን ኣይጸልዎን እዩ።ዋላ እካ ኣስማቶም ፍረነብሲ እንተኾነ “ፈራጭጭ” ተባሂሎም ውን ይጽወዑ እዮም።

ቃንዛ ፈራጭጭ እንታይ  እዩ?

ኣዘራርባ”ቃንዛ ፈራጭጭ”ቃንዛ ኣብ ከባቢ ፍረነብሲ እዩ ዘስምዕ፡እዚ ከኣ ኣብ ግዜ ጾታዊ ደስታ ወይ ከኣ ኣብ ግዜ ነዊሕ ጾታዊ ርክብ ኮይኑ እቲ ዘርኢ ወይ ብዕግበት ወይ ከኣ ብምፍሳስ ዘይውዳእ እንተኾይኑ ዘጋጥም ቃንዛ እዩ።ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብ 2009 ዝተገብረ መጽናዕቲ ዳርጋ ዘዕግብ ሓበሬታ ኣይኮነን፡ኩሉ ዓይነት ስምዒት ኣይኮነን ነዚ ሳዕቤናት እዚ ዘኸትል

ድሕሪ ጾታዊ ስምዒት፡እንተዘይ ወዲእካ ወይ እንተዘየፍሲስካ፡ደምን ቅብእን ኣብቲ ናይ መትሎ ዋህዮታት የኸትል እዩ፡ኣብ ፍረነብስን ኣብ ከባቢ ከርጢት ናይ ሽንቲን ከኣ ኣየር ኣብ ደም  ይጎድል እቲ ናይ ደም መስመር ከኣ ይዕጾ(ብናይ ቀጻሊ ስምዒት  ምቕናዕ መትሎ ብቓንዛ  ፍረነብሲ ዝሳቀዩ ደቂ ተባዕትዮ ምቕናዕ መትሎ ብዘይ ምፍሳስ  ልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት)ከምኡ ውን  ንነዊሕ ግዜ ብብርቱዕ ቃንዘ ፍረነብሲ ዝሳቐዩ እንተደኣ ኮይኖም  ናይ ጥዕና  ምርመራ  ክገብሩ ይግባእ።

ቃንዛ ናይ ፍረነብሲ ብኸመይ ንከናኸኖ?

እቲ ዝሓሸ መድሃኒት ናይ ቃንዛ ፍረነብሲ  ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ወይ ሴጋ ስፐርም ምፍሳስ እዩ። ምፍሳስ ስፐርም እምበኣር ነቲ ካብ መትሎ ክፈስስ ዝግበኦ ሓድሽ ፈሳሲ ተመሊሱ ናብ ኣካላትና ካብ ምምላስ ይከላኸለሉ።

ገለ ግዜ ግን እቲ ቃንዛን ስምዒትን ናይ ፍረነብሲ ብዘይ ምፍሳስ ውን ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት የቓርጽ እዩ፡ኣብ ገለ እዋናት ከኣ እቲ ናይ ቃንዛ ምቑራጽ ግዜ ካብኡ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ፕሮስተት

እዚ ንእሽቶ ክብብ ዝበለ ቅርጺ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ዳርጋ ሲሶ ናይ መትሎ  ፈሳሲ የመንጩ እዚ ከኣ ጻዕዳ ፈሳሲ እዩ፡እዚ ሓፊስ ፈሳሲ ኮይኑ ዝተወሰነ ጮና ከኣ ኣሎዎ፡እዚ ፈሳሲ እዚ ከኣ ኢኒዝም ዝበሃል ኮይኑ ነቲ ዘርኢ ወይ ፈሳሲ ወዲ ተባዕታይ ንኸይረግእ ይከላኸል

ናይ ዘርኢ ፍሕኛ

እዚ ናይ ዘርኢ ፍሕኛ ዝበሃል ክብብ ዝበለ ቅርጺ ዘሎዎ ኮይኑ ምስ ናይ ዘርኢ ሻምብቖ ዝተተሓሓዘ እዩ፡ገለ ክፋል ናይ ዘርኢ ዋህዮታት የመንጩ።ኣብ ወዲ ሰብ ክልተ ፍሕኛ ናይ ዘርኢ ይርከባ ፡ብኽልቲኡ መዳያት ማለት እዩ።

ናይ ሽንቲ ፍሕኛ

ፍሕኛ ናይ ሽንቲ ከም ከረጢት ናይ ሽንቲ ኮይና ኣብ ጎሎ ተዶኪና እትርከብ  ካብ ኮላሊት ዝመጸ ሽንቲ ከኣ ይኽዝን፡ሽንቲ  ካብ ኮላሊት ተበጊሱ ናብ ፍሕኛ ሽንቲ ይበጽሕ፡ካብ ፍሕኛ ናይ ሽንቲ ዝተሰደ ሽንቲ ኣብ ትቦታት ሽንቲ ይዕገት፡ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ሽንቲ ሻምብቆ/ትቦ ካብ 15 ክሳብ 25 ሰንቲመተር ይበጽሕ ፡ብመንገዲ ናይ ፕሮስተት ብመትሎ ክሳብ ሻንብቆ  ናይ ሽንቲ ናብ ቆቢዕ ናይ መትሎ ይበጽሕ።

መዓኮር

መዓኮር (ጢዝ ፡ብላትኒት፡መሃንቱስ )ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።እዚ ናይ መፈላለዩ ወይ ኣንፈት ናይ ረክቱም እዩ፡ኣብ መንጎ ክልተ መፈላለዪን ደረትን ከኣ ይርከብ፡ ምዕጻዉ ምኽፋቱ ኣብ መንጎ ክልተ ጭዋዳታት ኮይኑ፡ኣብኡ ከአ ቀልቀል ናይ ምድላው ስርዓት የካይድ፡እቲ መዓኮር ብናይ ተሪር ዝኾነ ዓይነት ቀልቀል ብቐሊሉ ክጉዳእ ይኽእል እዩ፡ኣብ ቆርበት ናይ መዓኮር ብዙሕ ረሃጽን ቁስልን የጋጥም እዩ።

መዓኮር ናይ ወዲ ሰብ ከም ናይ ጾታዊ ኣካላት ውን ይሕሰብ እዩ፡ መትሎ ናብ መዓኮር ከም ምእታው ፡(ናብ መዓኮር ብምእታው)ብኸምዚ መትሎ ናብ መዓኮር ብምእታው ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ዕግበት ይረኽቡ ከምኡ ውን ደቂ ኣንስትዮ።

ረክቱም

እዚ እቲ ገለ ክፋል ናይ ጫፍ ደረት መዓኮር እዩ፡ እዚ ገለ ትቦ ኮይኑ ዳርጋ 17 ሰንቲመተር ንውሓት ኣሎዎ።እዚ ናብ መዓኮር ብሓደ ረቂቕ መላግቦ ዝተላገበ እዩ፡እዚ ናይ መወዳእታ ናይ ቀልቀል መሕቀቒ እዩ፡ካብ ምኽዛን ናይ ቀልቀል ክሳብ ናይ ምውጻእ ቀልቀል ስርዓታት የካይድ ማለት እዩ።

 

 

שתפו עם חברים

ביום חמישי 28.3.24 המרפאה תהיה סגורה. נשוב לפעילות ביום ראשון 31.3.24

עמכםן הסליחה

On 28.3.24 the clinic will be closed.

We will return to activity on Sunday 31.3.24. 

Sorry for the inconvenience