מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ኩሉ ሰብ ክጥቓዕ ይኽእል ድዩ ወይስ ኣብ ሓደጋ ዘሎዉ ፍሉያት ሰባት ኣሎዉ

 ዝተፈላለዩ ጾታዊ ሕማማትን ኤች ኣይቪ ኤድስን ብዝተፈላለየ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ይመሓላለፉ -ብፍላይ ብብልዕቲ ብመዓኮር ከምኡ ውን ብኣፍ ዝግበሩ ርክባት ይመሓላለፍ፡ኩልና ነቲ ሕማም ክንቃላዕ ንኽእል ኢና ።

ንኸይ ሓልፈና እንገብሮም ጥንቃቔታት ።

  • ካብ ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ኣሎዉ ዶ ?እወ።
  • ካብቶም ኣብ ሓደጋ ዘሎዉ ምኻንኪ ስለምታይ ምርግጋጽ ኣድልዩ?ንጥዕናኺ ምእንቲ ክትጥንቀቒ
  • በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኺ ዝዓበየ ምኻኑ ብኸመይ ትፈልጢ?ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሲ።

1.ኮንዶም ብግቡእ ኣይትጥቀምን ዶ ትኾኒ/በፍጽም ኣይጥቀምን?

2.ኮንዶም ኣብ ምጥቃም  መጻምድኺ እንተኣበየኪ ንስኺ’ኸ  ከምናቱ  ዶ ሸለል ትብሊ ትኾኒ?

3.ጾታዊ ርክብ ምስ ብጹሓት መጻምድታት ዶ ትፍጽሚ ትኾኒ?ንኣብነት ኣብዘን ውሽጢ ሰለስተ ወርሓት ምስ ካብ 10 ዝበርሑ መጻምድታት ዶ ጾታዊ ርክብ ፈጺምኪ?

4.ብድፍኢት ናይ ኣልኮልን ሓሽሽን ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ትሓስቢ ዶ ትኾኒ?

5.ብዝተፈላለየ ምኽንያታት  ብዘይድልየትኪ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ ኮንኪ ዶ ትፈልጢ

6.ኣብ ትሕቲ ሰብ ከሎኺ  ኣብ ዘይ ዕላማኺ ንዕላማኦም ክብሉ  ብገንዘብ ወይ ብዘይገንዘብ ንጾታዊ ርክብ ግዳይ ኮንኪ ትፈልጢ ዶ?

ካብዘን ሕቶታት ብውሑዱ ሓንቲ”እወ”እንተኾይኑ መልስኺ ነቲ ሕማም ንምቅላዕ ኣብ ሓደጋ ኣሎኺ ማለት እዩ።ስለምንታይ?

1,ስለምንታይ ግቡእ ኣጠቓቕማ ኮንዶም የድሊ?ኮንዶም ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይግባእ እዩ ምኽንያቱ ካብ ዘይተደልየ ጥንስን ካብ ጾታዊ ሕማማትን ኤች ኣይ ቪን ስለዝከላኸል።ብኻልእ ዓይነት መከላኸሊ ከም (ከኒና )ምጥቃም ካብ ጥንሲ ክከላኸል ይኽእል እዩ ካብ ጾታዊ ሕማማት ግን ኣይከላኸልን።ምናልባሽ ክሳብ ሕጂ ኮንዶም ካብ ምጥቃም ዝረሓቕኪ ምናልባሽ ውን ብኸመይ ከም እትጥቀምሉ ዘይፈለጥኪ ሰብ እንተደኣ ኣሎኺ ንኽትመሃሪ ናብዚ ዕድምቲ ኢኺ(እዚ ገጽ ናይ ኮንዶምና እዩ)እቲ ሓቀኛ ኣጠቓቕማ ከኣ ይሕብር።ኮንዶም ኣብ ኩሉ ፋርማሲታት ብምርካቡ ዓቢ ጥቕምን ብቐሊሉ ዝርከብ ቀረብን እዩ፡ስለዚ ዝኾነ ሰብ ከይፈለጠ ኩሉ ግዜ ኣብ ቦርሳኺ ከተቐምጥዮ ትኽእሊ ኢኺ፡ምናልባሽ ከማኺ ኣይተሓበሮምን ይኸውን?ወይ ከኣ ከማኺ ፡ሓላፍነት ዝስመዖም ኣይኮኑን?ንጥዕናኺ ተቖጻጸሪ ኩሉ ግዜ ከኣ ብውሑዱ ሓንቲ ኮንዶም ኣብ ቦርሳኺ ሓዚ።ኮንዶም ዘይከላኸሎም ጾታዊ ሕማማት ውን ከም በዓል(ኮንዲሎማን ሄርፐስን )ከም ዘሎዉ ዝፍለጥ እዩ፡ካብ ቆርበት ምስ ቆርበት ብምትንኻፍ ስለዝመሓላለፉ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኮንዶም እቲ ዝበለጸ መካላኸሊ ጾታዊ ሕማማትን ኤድስን እዩ።

2.ስለምንታይ ዋላ መጻምድኺ እንተኣበየ  ኮንዶም ምጥቃም ሸለል ትብሊ?ጾታዊ ርክብ ብስምምዕ ናይ ክልተ መጻምድታት ክግበሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡እዚ ማለት ከኣ ንስኺ ኮንዶም ምጥቃም እንተመሪጽኺ ንሕቶኺ ክቕበሎ ኣሎዎ።ገለ ግዜ ንዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ኣይፋሉን ንምባል ሓይሊን ተኽእሎን ዘይብልና ይመስለና እዩ፡እዚ ካብ ሕፍርን ሓሳብን ናይቲ መጻምድና ከይነዓንቅፎን ንዕኡ ከኣ ከይንኸስሮን ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል።ብዛዕባ ከመይ ጌርኪ ንመጻምድኪ ኮንዶም ክጥቐም ከተእምንዮ ትኽእሊ ኣብዚ ኣንብቢ፡ንጥዕናኺ ክትሕልዊ ውን ክሕግዘኪ እዩ።ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ምስ በዓል ሞያ ክትማኸሪ እንተደሊኺ፡ገለ ተወሳኺ ሓበሬታ ክንሕግዘኪ ኩሉ ግዜ ናብ ሕክምናና ክትሕብሪ ዕድምቲ ኢኺ።ኣብ ነፍስ ወከፍ ጾታዊ ርክብ ኣብ እትገብርሉ ኮንዶም ምጥቃም ክትጸቕጥሉ ይግባእ፡ምኽንያቱ ዋላ ናይ ሓደ ግዜ ርክብ ንምምሕልላፍ እኽልቲ ስለዝኾነት።

3.ብዙሓት መጻምድታት እንተደኣ ኣሎውኺ እንታይ ክትገብሪ ይምረጽ?ንዝተፈላለዩ ቫይረሳትን ባክተርያታትን ምቅላዕ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንኽትጥቃዕ ዝቐለለ መንገዲ ይኸፍት፡መጻምድታት ናይ ዝበዝሑ መጠን በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕካ መጠን ከኣ ዝለዓለ እዩ፡ስለዚ ምስ ብዙሓት መጻምድታት ጾታዊ ርክብ ትፍጽሚ እንተደኣ ኾንኪ ብጾታዊ ሕማማትን  ኤድስን ናይ ምጥቃዕ ዕድልኪ ዝለዓለ እዩ፡ስለዚ ኩሉ ግዜ ኮንዶም ክትጥቀምን ብውሕዱ ኣብ ፍርቂ ዓመት ኣብ ሓደ ካብተን ናይ ጥዕና ማእከላት ክትምርመሪ ይምረጽ።

4.ኣብ መንጎ ሓሽሽ ወይ ኣልኮልን ጾታዊ ሕማማትን እንታይ ርክብ ኣሎ?ሓሽሽን ኣልኮልን እምበኣር ሓደገኛ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጽም ዝደፋፍኡ እዮም፡ሓሽሽን ኣልኮልን ነቲ ናይ ውሳነ ዓቕምና ይጸልውዎ እሞ ቅድሚ ሕጂ ዘይንገብሮም ዝነበርና ክፉእ ነገር ንኽንገብር ይደፋፍኡና ፡ናብ ሓደጋ ንኽንበጽሕ ውን ይደፋፍኡና ንኣብነት ኮንዶም ከምዘይንጥቀም ይገብሩና እሞ ንጾታዊ ሕማማት ንቃላዕ።ኣልኮል ንኣብነት ነቲ ሰራውር ደም የስፍሖ እዩ፡በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ መድመይትን መቑሰልትን ከጋጥም ይኽእል፡ንኽልቲኦም ወገናት ወዲ ተባዕታይን ጛል ኣንስተይትን ከኣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንኽጥቕዑ ኣብ ሓደጋ የእቱ።ስለዚ ኣልኮልን ሓሽሽን እትጥቀም ጛል ኣንስተይቲ ኣደዳ  ጾታዊ ሕማማት ክትከውን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ፡ኣልኮል ሰቲኺ ወይ ሓሽሽ ተጠቂምኪ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ትደልዩ እንተደኣ ኽንኪ ተጠንቀቒ።

5.ስለምንታ እዮም ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብጾታዊ ሕማም ዝጥቅዑ?ጾታዊ ዓመጽ ዝኾነ ይኹን ጾታዊ ርክብ ምስ ጛል ኣንስተይቲ ፡ተባዕታይ ወይ ቆልዓ ብዘይ ስምምዕ ዝፍጸም ተግባር እዩ።ዋላ ንጾታዊ ርክብ እንተዘይተሰማሞዕካ’ሞ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘወርደካ/ኪ እንተኾይኑ ውን ከምኡ ማለት እዩ።መብዛሕትኡ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዝግበረሉ ግዜ ብኮንዶም ኣይኮነን ዝግበር፡ጾታዊ ዓመጽ ናብ ቅልውላውን ማህሰይትን ዋላ ውን ሂወት ክሳብ ምጥፋእን  ብጾታዊ ሕማማትን ኤድስን ክሳብ ምጥቃዕ የብጽሕ፡ሓንቲ ካብዞም ግዳያት እንትኾንኪ ናብ ሕክምናታት ናይ ምኒስትሪ ጥዕና ንጾታዊ ዓመጽ  ወይ ከኣ ናይ ከባቢኺ ዶክተራት ክትሕብሪ ይግባእ፡ዝገጠመኪ ነገር ኣማኽርዮም ሓገዝ ውን ሕተቲ፡ንበይንኺ እንተዘተሸከምክዮ ይምረጽ ።

                              ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ህጹጽ ዝኾነ ናይ ተለፎን መስመር

ደቂ ኣንስትዮ፡1202 /ደቂ ተባዕትዮ፡1203 /ዓረብ ደቂ ኣንስትዮ 046566813 ዳቲታት/ሃይማኖታውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ 026730002 /ሃይማኖታውያን/ዳቲታት ደቂ ተባዕትዮ፡025328000

6.ስለምታይ እዮም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ዝቕመጡ ሰባት ንጾታዊ ሕማማት ዝቃልዑ?

ኣብ ገዛ ሽግር ዝበዝሖም ሰባት ናብ ሓሽሽ ምሻጥ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ኣመንዝርነት፡መጻምድታት ምብዛሕ፡እዞም ኣብ ከምዚ ዝተሓጽረ ሕብረተሰብ ዝነብሩ ሰባት እምበኣር እቲ ዝግበኦም መድሃኒት ስለዘይረኽቡ እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ እዮም፡እዚ ከኣ ነቲ ዝገጥሞም ጾታዊ ዓመጻት ብዝተፈላለየ ምኽንያታትን ድሑር ባህልን ክዛረቡ/ባ ስለዘይክእላ እዩ፡ከምካልእ ሕብረተሰብ መሰል ከምዘይብሎምን ከምዘይብለን ኮይኑ ውን ይስመዖም፡ኩሉ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ናይ ምክልኻል መሰል ኣሎዎ፡ኣብ ሕክምና ልቪኒስኪ ከኣ ንኹሉ ብማዕርነት ብነጻ ናይ ሕክምና ክንክን ይግበር እዩ።

ዝኾነ ተወሳኺ ሕቶታትን መብርሂታትን ምስ እትደልዩ ናብ ሕክምና ክትሕብርን ዝኾነ ሕክምናዊ ሓገዝ እንተደኣ ኣድልዩ ውን ክትቕበሊ ትኽእሊ ኢኺ።

*ጾታዊ ርክብ ብመዓኮር፡

መትሎ ወይ ካልእ ኣቕሓ ናብ መዓኮር ምእታውን ብኣጻብዕቲ ምድራዝን ወዘተን ዝኣመሰሉ።ጾታዊ ርክብ ብመዓኮር ብጾታዊ ሕማማት ናይ ምጥቓዕ ዓቢ ተራ ኣሎዎ፡ብተወሳኺ፡ሰራውር ናይቲ ደረት መዓኮርን/ረክቱም ወይ ከኣ ነቶም ትሹን ከኣ ይሃሲ።

**ጾታዊ ርክብ ብኣፍ፡

ኣብ ኣፍ መልሓስ ኣስናን ወይ ጎረሮ ምስ ብመትሎ ምርኻብ ወይ ምትንካፍ።ብኣፍ ጾትዊ ርክብ ወይ ከም ኣማራጺ ናይ መዘናግዒ ወይ ከኣ ከም ቀንዲ ጾታዊ ርክብ ክግበር ይኽእል እዩ።ጾታዊ ርክብ ብኣፍ ኣብ መዓኮር ከም ማሽን ወይ ከኣ”ሪሚንግ”ይበሃል

***ጾታዊ ርክብ ብብልዕቲ፡

መትሎ ወይ ካልእ ነገራት ናብ ብልዕቲ ምእታው።ዘይ ውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ናብ ዘይተደልየ ጥንስን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን  ክትጥቃዕ ዘሎ ተኽእሎን ዓቢ እዩ።

שתפו עם חברים

ביום חמישי 28.3.24 המרפאה תהיה סגורה. נשוב לפעילות ביום ראשון 31.3.24

עמכםן הסליחה

On 28.3.24 the clinic will be closed.

We will return to activity on Sunday 31.3.24. 

Sorry for the inconvenience