מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ወርሓዊ ጽግያ

ኣብ ግዜ ጉብዝና ቅድሚ ጽግያ ምምጻኡ ኣካላትና ይጉብዝ ከምዘሎን ለውጢ ይገብር ከምዘሎን ይስመዓና -ኣጥባት ይወጸና ኣብ ሕንትኽትኽትናን ብልዕትናን ጸጉሪ ነውጽእ።እዚ ኩሉ ለውጢ ናይ ሆርሞናት ኣብ ኣካላትና እዩ።ኣብ መንጎ ቁልነትን ጉብዝናን መሰጋገሪ ጽግያ ይበሃል  እዚ ከኣ እዩ “ፐርየድ መጽዩኒ ወይ ማኑስትራሽን መጽዩኒ”ክንብል ዝገብረና።እዚ ከኣ እዩ ናብ ጉብዝና ከምዝበጻሕናን ክንፈሪ ከምእንኽእልን ዘመክተልና  ክንጠንስን ክንወልድን ንኽእል ማለት እዩ።

ዋላ እካ እቲ ናይ መፍረ ግዜ ኣብቲ ዕድመ እቲ ኣካላትና ንመፍረ ድሉው እንተኾነ ኣብ ኣቀዲምና ኣደታት ካብ ምኻን ግን ዝተወሰኑ ዓመታት ከይወለድና ክንጸንሕ ይምረጽ።ናይ ጽግያ ግዜ ኣብ እዋን ጉብዝና ናብ ጥንሲ ክንሕዘሉ ዘሎ ተኽእሎ እዩ ዘመልክት እዚ ማለት ግን ተመራጺ እዩ ማለት ኣይኮነን።ስለዚ ኣብ ግዜ ጽግያ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ እንተደሊኺ ካብ ዘይተደልየ ጥንስን  ካብ ብጾትዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም በዓል ኤድስን ንምክልኻል መከላኸሊ ክትጥቀሚ ንመክር።ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ተወሳኺ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።

“ወርሓዊ ጽግያ”እዚ ውሱን ናይ ምቅይያር ሆርሞን ኣብ ኣካላት ኮይኑ ኣብ ናይ ጉብዝና ዕድመ ዘሎዋን ኣብ ዝጎበዛ ደቂ ኣንስትዮን ይረኤ፡ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ክንጠንስ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።ብዘይ ወርሓዊ ጽግያ ክንጠንስ ኣይንኽእልን።እዚ ናይ ሆርሞን ስራሓት እምበኣር ኣብ ሓንጎልናን ኣብ ናይ መፍረ ኣካላትናን(ኦቫርን  ማሕጸን )።ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያ ኣብ ኣካላትና ገለ ዘጋጥሙ ነገራት ኣሎዉ ማለት መድመይቲ ሓደ ካብኦም እዩ፡ንመብዛሕትና ጽግያ እቲ ኣብ ጉብዝና ኣዝዩ ፍሉይ ስምዒት ዝፈጥረልና ነገር እዩ።

ወርሓዊ ጽግያ-ኣብ ኣካላተይ እንታይ የጋጥመኒ?

ጥንሲ ካብ እንቃቕሖን ዘርእን ዝፍጠር እዩ፡ስለዚ እንቃቕሖ ብኸመይን ካበይን ይመጽእ?ኩልና ምስ ናይ መፍረ ኣካላትና ኢና ተወሊድና ፡ማህጸን፡ክልተ ኦቫሪታት፡ብልዕቲ፡ክሳድ ናይ ማሕጸንን ካልእን።ወርሓዊ ጽግያ ቀዋሚ እዩ፡እቶም ሆርሞናት እምበኣር ነቲ እንቃቕሖ ክዳሎ ብምግባር ብዘርኢ ከምዝፋረ  የዳልዎ ማለት እዩ፡እንተዘይኮነ ግን ጥንሲ የለን ማለት እዩ።

(ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያ በቲ ከቢብ ነገር ሓበሬታ እንተዝወሃብ ዝበለጸን ጽቡቕ መረዳእታ ዝህብ እዩ)

ኣብ ነፍስ ወከፍ ኦባሪ ብዙሓት እንቃቕሖታት ኣሎዉ፡ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ሓንቲ እንቃቕሖ ጥራሕ በሲላ በቲ መስመር ኣቢላ ናብ ማሕጸን ትኸይድ።እቲ ጉዕዞ ናይ እንቓቕሖ ካብ ኦቫርይ ናብ ማሕጸን ኦቩሎሽን ይበሃል፡ ገለ መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ፡እንቕቅሖ ኣብ ኦባሪ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብዘርኢ ናብ መፍረ እንተዘይተቐይሩ ይመውት።ድሕሪ 24 ሰዓታት እቲ እንቕቅሖ ኣብ ማሕጸን  “ንኽዳሎ”ይጅምር እዚ ዝተሸፈነ ኣካል ናይ ማሕጸን እምበኣር ነቲ ኣብ ኦባሪ ዘሎ እንቓቕሖ ናብ ድቒ ምእንቲ ክምዕብል ይምግቦ፡እቲ ንእንቃቕሖ ዝምግብ ናይ ማሕጸን ክፋል እምበኣር ምእንቲ ነቲ እንቃቕሖ ክምግብ ብደም ይመልእ፡እቲ እንቃቕሖ ከኣ ቀስ ብቐስ ናብ ድቒ ይምዕብል ማለት እዩ።እቲ እንቓቕሖ ብዘርኢ እንተዘይ ተፋርዩ ግን “ይወድቕ”ማለት እዩ፡እዚ ከኣ ንዝተወሰኑ መዓልታት ብብልዕቲ ደም ምፍሳስ ይስመዓና ማለት እዩ።እዚ ደም ምፍሳስ ድሕሪ ምውዳኡ ኣብ ኦባሪ ሓድሽ ናይ እንቓቕሖ ምብሳል መስርሕ ይጅምር።ወርሓዊ ጽግያ ን28 መዓልታት ይቕጽል ካብታ ዝጀመረላ መዓልቲ ጀሚርና ከኣ ንቖጽሮ።ኣብ ገለ እዋናት ከኣ 21 መዓልታት ወይ ከኣ 35 መዓልታት ውን የጋጥም እዩ።ንነፍስ ወከፍና ከኣ ዝተፈላለየ ኣካላት ኣሎና ።

יש להכניס בדף איור כזה וגם איור שמתאר את המסע של

መድመይቲ ናይ ናይ ወርሓዊ ጽግያ ካብ 3-7 መዓልታት ክቕጽል ይኽእል።ቃንዛ ከብድን ሕቖን ከም መግለጺ ናይቲ ወርሓዊ ጽግያ እዮም፡ብፍላይ ኣብ ጉብዝና ዝርከባን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ከኣ ዝገነነ ተርእዮ እዩ።ምናልባሽ ካብ ንቡር ንላዕሊ ደም ይፈሰኪ እንተኾይኑ ንዝምልከቶ ሓኪም ክትዛረቢ ኣገዳሲ እዩ።

ቅድሚ ወርሓዊ ጽግያ ምቕባልኪ ቃንዛ ኣብ ኣጥባትኪ፡ድኻም፡ሕርቃን ይስመዓኪ፡ሽውሃት ንሓድሽ ወይ ፍሉይ መግብን ካልእ ምልክታትን እዚ ኩሉ “ምልክት ቅድሚ ጽግያ እዩ”(pms)እዞም ምልክታት እዚኦም ኣብ ግዜ ጽግያ ይጠፍኡ እዮም።

ጽግያ ኣብ ክንደይ ዕድመ ይጅምር?

እቲ ጽግያ ዝጅምረሉ ዕድመ 12 እዩ ፡ግን ካብዚ ኣቀዲሙ ወይ ድሒሩ ውን ክጅምር ይኽእል እዩ።ነቲ ቀዳማይን ካልኣይን ጽግያ ዝጸልዉ ምኽንያታት እምበኣር

ውርሻ-ኣደኺ መዓስ ጽግያ ተቐቢላ?

ኣመጋግባ-ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ነቲ ጽግያ ደንጉዩ ከምዝመጽእ ይገብሮ ዝተመጣጠነን ግቡእ ኣመጋግባን ግን ነቲ ጽግያ ኣቐዲሙ ንኽመጽእ ጽልዋ ይገብረሉ።

ናይ ነፍስኻ ጥዕና ውን ኣብ ምምጻእ ቀዳማይ ጽግያ ድሒሩ ክመጽእ ይገብሮ እዩ

እቲ ንውሓት ግዜ ናይ ጽግያ ካብ ጽግያ ናብ ጽግያ ይፈላለ እዩ፡ገለ ግዜ ከኣ ኣብ ስሩዕ ዘይኮነ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብብዙሕ ዓቐን ይፈስስ።

እቶም ሆርሞናት ድዮም ነዚ ኩሉ ለውጥታት ኣብ ወርሓዊ ጽግያ ዘምጽኡ ዘለዉ?ኩሉ ኣብዚ ፊልም እዚ።

ክሳብ ክንደይ ዓመት ጽግያ ይመጽእ?

ኩልና ምስ ናይ መፍረ እንቃቕሖ ኢና ተወሊድና እዚ ከኣ ምስ ዕብየት ዝቕየር ኣይኮነን፡ንሕና ኣብ ጉብዝና በጺሕና ጽግያ ኣብ እንቕበለሉ ግዜ ግን እቲ ዓቐን እንቃቅሖ እንዳወሓደ ይኸይድ።ኩሉ ኣብ ኦባሪ ዝርከብ እንቅቕሖ ግን ይፈሪ ማለት ኣይኮነን፡ኣብ ኦባሪ ዘሎ እንቕቕሖ መወዳእታ የብሉን፡ገለ ምኢትታት ኣሻሓት “ጥራሕ” ኣሎዉና፡ ካብ ዕድመ 35 ጀሚሩ ናይ እንቃቕሖ ምፍራይ እንዳጎደለ ይኸይድ፡ጽግያ ዝቓረጸሉ እዋን ሞኖፖዝተባሂሉ ይጽዋዕ።ጽግያ ዝውደኣሉ ዕድመ እምበኣር 52 ኮይኑ እንቃቅሖ ዝውደኣሉ ማለት እዩ። ኣብ ዕድመ 45 ዘቃርጽ እንተኾይኑ ቅልጡፍ  ሞኖፖዝ ይጽዋዕ።

እቲ ጽግያ እንተደንጉዩ’ኸ ?

ጥንሲ እንተተፈጢሩ ኣብ ምሉእ ናይ ጥንሲ ኣዋርሓት ጽግያ የቓርጽ።እዚ እቲ ቀዳማይ ምልክት ናይ ጥንሲ ዝሓዝክሉ ክትሓስብሉ እትኽእሊ ኩነታት እዩ “እንተደጉዩኪ”ማለት እዩ።ምክትታል ንኽትገብሪ ምእንቲ ክሕግዘኪ ጽግያኺ መዓስ ግዜ ቀልጢፉ ይመጽእ መዓስ’ከ ደንጉዩ ይመጻኪ መዓስ’ከ ኣብ ግዜኡ ይመጻኪ ክትፈልጢ ኣሎኪ፡ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዘይገበርኪ እንተኾንኪ ክትፍትኒ ጹቡቕ እዩ ስለዚ ኣብ ካላንደር ብጽሑፍ መሰረት ንውሓት ናይ ጽግያኺ ክትፈልጢ ክሕግዘኪ እዩ።ብዛዕባ ጥንሲ ተወሳኺ ከተንብቢ ትደልዪ’ዶ?ኣብዚ ክሊክ ግበሪ(ሓበሪታ ብዛዕባ ጥንሲ)።

ቀዳመይቲ ጽግያይ፡

ኣብቲ ናይ መጀመርታ፡መንእሰይ ጛል ኣንስተይቲ ጽግያ እትቕበለሉ እዋን ብዙሕ ሓሳባትን ድንፍቕፍቕን ዝመልኦ ሓጎስ ውን እንተኾነ ከጋጥም ይኽእል እዩ፡ምኽንያቱ ኣካላታ ይዓብን ይምዕብልን ከምዘሎ ኣንፈት ይህባ ስለዘሎ።እንተኾነ ግን ጽግያ ካልእ ስሚዒታትን ምድንጋራትን ውን ከምጸኣላ ይኽእል እዩ፡ዝምድናኺ ምስ ኣደኽን ዓባይ ሓፍትኽን ምዕቡል እንተኾይኑ ነዚ ነገር እዚ ከተካፍልዮም እንተኺኢልኪ ነዚ ከቓልለልኪ እዩ፡ምናልባሽ እቲ እትደልይዮ መልሲ ኣብ ገዛ ዘይትረኽብዮ እንተኾንኪ ግን ናባና ክትድውሊ ዕድምቲ ኢኺ(ናይ መን ቁጽሪ ተለፎን?ናትና?)ሓደ ግዜ ብምድዋል ኩሉ ዓይነት ሕቶታት ክትሓትን መልሲ ክትረኽብን በይንኺ ከምዘይኮንክን ክትፈልጢ ትኽእሊ ኢኺ።

ጽሬት ምሕላው

ወርሓዊ ጽግያ ዘሕፍር ወይ ከኣ ረሳሕ ነገር ኣይኮነን፡እዚ ብሩኽ ነገር እዩ፡እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከኣ ሓድሽ ናይ ሓላፍነት እትሽከመሉ እዋን እዩ-ጽሬት ምሕላው።ከምዝደለኽዮን ከምዘሓሰብክዮን ነጻ ኮይኑ ክስመዓኪ ይግባእ፡ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ክሕግዙኺ ዝኽእሉ ነገራት ኣሎዉ ፡ካብ ፐዲም ጀሚሩ ክሳብ ሞደስ ወይ ከኣ ታምፖን ወይ ውን ካኦት ዝተፈላለዩ መንገድታት ንጽርየትን ንማሕጸን ምጽራይን ዝጠቕሙና(ስእሊ ናይ መሳርሒ ኤለትሪክ ዘይኮኑ ስእሊ ወስኽ)ምስ ግዜ ንኣካላትኪ ዝሰማማዕ መሳርሒ ክትረኽቢ ኢኺ።

ኣብ መጀመርታ ነዞም ኩሎም ናይ ጽሬት ነገራት ካብ ቦታ ናብ ዝኾነ ቦታ ሒዝክዮም ክትከዲ ከሰክፈኪ ይኽእል እዩ፡ኩሉ ግዜ ግን ዝኾነት ዝተወሰነት ነቲ ንብረት እትሕዝላ ቦርሳ ሓዚ ፡ጾታዊ ርክብ ትፍጽሚ እንተኾንኪ ውን ኮንዶም መትሓዚ ይኾነኪ፡ኣብ እዋን ጽግያ መዓልታዊ ምሕጻብ ንዓኺ ንምብርባር ጽቡቕ እዩ፡ኣብ ጥዕናኺ ግን ዝጸልዎ ነገር የብሉን።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግዜ ጽግያ ዝተፈላለየ “ኩስቱመ” ይገዝኣ እየን ምናልባሽ እቲ ዝፈስስ እንተበዚሑ ግን እቲ ኩስቱሞ ክሕዞ ኣይክእልን።ኣብ እዋን ለይቲ ፐዲም ወይ ታምፖን ክንቅይር ስለ ዘይንበራበር ወይ ምስ ደምና ንትንስእ ወይ ከኣ ኣብ ኣንሶላ ውን ደም ክፈስስ ይኽእል እዩ፡ከምዚ ብብዝሒ የጋጥመኪ እንተኾይኑ ነቲ ዝፈስስ ደም ዝሰቲ ሞደስ ክትጥቀሚ ወይ ከኣ ዝኾነ ሽጎማኖ ኣብ ዓራት ከተንጽፊ ተመራጺ እዩ።

ጽግያ ጥዕናን ንኣካላትኪ ዘድልዮን እዩ-ሓደ ክፋል ናይ ሂወትኪ እትገብርሉ መንገዲ ድለዪ በቲ ሓደ ወገን ናይ ሂወትኪ ክፋል ምኻኑ ምቕባል፡በቲ ካልኣይ ወገን ከኣ ካብኡ ክትሃድሚ ከምዘይትኽእሊ ተረዲእኪ ብዘይ ምሕላል ምቕባሉ ኣገዳሲ እዩ።

 

 

שתפו עם חברים