מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ጾታዊ ርክብ ደቂ ኣንስትዮ።

ማሕበር ደቂ  ኣንስትዮን ኣካላተንን ሕዳር 2015

“ኣብ ገዛ ፡ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምዝራብ ዳርጋ ተሓቢእካ እዩ ነይሩ፡ምሉእ ብምሉእ ከይተኸደንካ ኣብ ጥቓ ኣቦኻ ኣዴኻ ኣሕዋትካን ምንቅስቓስ ዳርጋ  ኣይነበረን፡እዚ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምዝራብ እምበኣር ዳርጋ ምስ ናይ ቀረባ መሓዛኻ ወይ ዕርክኻ እዩ ነይሩ

ጾታዊ ርክብ እቲ ናይ ሂወትና ኣገዳሲ ነገር እዩ፡ካብ እንውለደሉ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ሂወትና ዓቢ ኣገዳስነት ኣሎዎ።ጾታዊ ኣካላት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ምግዳብ ዘድሃበ ኮይኑ፡መጠንቀቕታን እገዳን ዝበዝሖ እዩ፡እዚ ከኣ ኣብ መፈስናን ሂወትናን እንሰምዖ እዩ ምስጢራዊን ተፈታውን ከኣ እዩ።ጾታዊ ኣካላት ናይ ጛል ኣንስተይቲ ንዘመናት ዘይተጋህደትን ዘይተፈተሸትን ክፍለ ዓለም እያ ፡ኣዝዩ ሕቡእን ኣሸጋርን ስለዝኾነ ማለት እዩ።ብሕልኽላኽን ብጥርዝታትን ዝመልአት እያ፡ዘይትንበብ /ዘይትልለ እያ፡ሕብእቲ እያ፡ነታጚት፡ስቕ ዝበለት፡ጫቑ በሃሊትን ህጉስትን እያ።

ጾታዊ ርክብ ውልቃዊትን ምስጢራዊትን እያ፡ናይ ስሚዕታትና ደስታ ከኣ እዩ፡ሓይሊ ነጻ ምኻን፡ግን ሕፍራት ውን ይስመዓና ፡በደል ዝገበርና ይስመዓና ፡ክብደትን ማህሰይትን።ኣብ ኣብ ጾታዊ ኣካላት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገለ ዝበሃል ሓቂ ኣሎ”ውልቃውነት ፖለቲካ እዩ”ካብኡ ወጻኢ ውን ካብ 70ታት ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካን ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ባህልታትን  ዝዝረበሉ ኣሎ።ሕጂ ውን እቲ ዘተ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጛል ኣንስተይቲ፡ብዛዕባ መሸጣ ጋል ኣንስተይቲ ንምርኢት ወይ ንሰክስ፡ብዛዕባ ኣመንዝርነት፡ግዳይ ናይ ጾታዊ ርክብ ምኻን ዓመጽ፡ብሰንኪ ዝወርደን ጾታዊ ዓመጻት ከኣ መከላኸሊ ብምብዛሕ ዝተፈላለየ ናይ ጥንሲ ሽግርን መምከንትን የጋጥመን፡ብዙሕ ዘደናግር ነገር ብዛዕባ ሓይሊን ማዕርነትን እዩ

ስለዚ ንሕና ጾታዊ ርክብ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳስን ንጛል ኣንስተይቲ ከኣ ዝህባ ዕግበትን ስምዒትን ብርኣይ ፡ኩሉ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ከኣ ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘሎዎ ተረዲእና፡ጾታዊ ርክብ “መቐረት ናይ ርክብ እዩ” ሓጎስ ደስታ ምዝንጋዕ ምቹእነት ንኻልኣይካ ወይ ከኣ ንኻልአይትኻ ኣሓጉስካ ንባዕልኻ ውን እትሕጎሰሉ ምቁር ሂወት እዩ።ኣብዚ ናይ ጾታዊ ርክብ ቂንዲ ደሓን ወይ ኣገዳሲ ዝኾነሉ እምበኣር እትገብሮ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ንኽደይ ግዜ ስሚዒታት ናይ መጻምድኻ እንዳረእኻ ሓይርኻን ዕጋበትካን እንዳመዘንካ  ዝግበር ጾታዊ ርክብ ኣገዳሲ ምኻኑ እዩ። ኩልና ዝተፈላለየ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ኢና እንፍጾም፡እዚ ስሚዕትና እንገብረሉ ንውሓት ግዜ፡ስሚዒትና እንውደኣሉ ግዜን ይፈላለ እዩ።

ምዕባለ ናይ ጾታዊ ርክብ ካብ ሂወትና ዘይፍለ ክፍሊ ኣካላትና እዩ፡ጾታዊ ብቕዓትና ወይ ከኣ ምዕባሊታት ናይ ጾታዊ ድሊታት ብኣካላውን ስሚዒታውን ስነኣምሮኣውን ድልውነት ክህልወና ይግባእ።ነቲ ናይ ጾታዊ ርክብ ድልየታት ዝበጽሑ  ነዚ ዝስዕብ ምልክታት ኣሎዎም ፡ንደቂ ተባዕትዮ  መትሎኦም ክቐንዕ ይጅምር ንደቂ ኣንስትዮ ከኣ ብልዕተን ይረስሕ ማለት እዩ ፡ምፍሳስ ናይ ቆልዑ ሓደ ካብቲ ናይ ጉብዝና ዕድመ ዝበሃል እዩ፡ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣካላት ቀልጢፉ ይጉብዝ ድልውነተን ውን ከምኡ፡ኣካላተን ውን ነቲ ናይ ጾታዊ ድልየት ባህሪ ከላልዮ ይጅምር፡እቲ ዝዓበየ ሽግር ናይ ወለድን ናይ ዶቆምን እምበኣር ካብዚ እዩ ዝጅምር፡ሓላፍነት ምውሳድ ይጅመር እቲ ኣካላት ባዕሉ ብባህሪ ናይ ጾታዊ ርክብ ድሌታት ይምዕብል እሞ ምግባሩ ከኣ ዘይተርፍ እዩ።

ጾታዊ ርክብ ባህላውን ስርዓቱ ዝሓለወን ክቡር ተግባር እዩ፡ብ ዶክተራት ብናይ ስነኣእምሮ፡ብፊሎዞፊ ብማሕበራውን ዝምዘን ተግባር እዩ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኣብ ኣብዘመና 2015 እቲ ብዛዕባ ጾታዊ እካላት ወይ ርክብ ክትዛረበሉን ሓገዝ ንምርካብን ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ(ከም ኣብነት ከም ጾታዊ ዓመጽን፡ዘይተደልየ ጥንስን)ካብ ብዛዕባ ዕግበትን ደስታን ወይ ብዛዕባ ሴጋን ጾታዊ ስምዒት ናይ ደቂ ኣንስትዮን ምዝራብ ማለት እዩ።

ገለጸብጻባት ከምዝሕብሩዎ ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ጾታዊ ስምዒት  ኣይትበትበጽሕን፡ካብዚ ብዙሕ ዝስራሕ ዕዮ ኣሎና ፡ጾታዊ ርክብ ኣዝዩ ሕንቁቕን ጥንቁቕን ተግባር እዩ፡ባህላውን ሃይማኖታውን እውን መግለጺታት ኣሎዎ፡እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሃይማኖታዊ ይኹን ባህላዊ ጋል ኣንስተይቲ ብዛዕባ ኣካላታ ክትመሃይ መሰል  ከምዘሎዋን ብእኡ ከኣ ክትዓግብን ክትኮርዕን ከምዘሎዋ ንኣምን፡ዝኮነ ዘቀንዝዋን ወይ ማህሰይቲ እንተወረዳን ውን ክትዛረብን ክትሓትትን  ኣሎዋ

ኣብ ማሕበር”ደቂ ኣንስትዮን ኣካላተንን”ብዛዕባ ጥዑይ ኣካላት ምዝርራብ ክህሉ ንመክር፡እዚ ከኣ ብዛዕባ ኣካላትናን ከም ሕቡእ ዝፍለጥ ጾታዊ ካላትናን  ንኽንፈልጥ ክሕግዘና እዩ፡ንሕና ከም ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክንሓስብ ከለና እንታይ ንዝክር ወይ ንሓስብ ንኸውን?ብዛዕባ ናትና ዕግበት ወይ ሓለፋታት ዶ፡ወይስ ብዛዕባ ተሰሚዑን ተባሂሉን ዘይፈልጥ ኢና እንሓስብ፡ኣረኣእያ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዶ ንሓስብ ንኸውን ?እዚ ነጋራት እዚ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ክንፈልጥ ክንጅምር ከሎና እንሓስቦ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ፡እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መጻኢ ሂወትና ዝገጥመና መስናኽላት ንኽንላለዮን ንልንፈልጦን ክገብረና ይኽእል እዩ።ዋላ ኣብ እንሰርሖም ስራሓት፡ምስ ጎራዙ(ካብ ዕድመ 11)ምስ መንእሰያት ኣዋልድ ዋላ ዓበይቲ ኣንስትን ኣረገውትን ከኣ እቲ ጾታዊ ኣካላትና ሕቡእ ግን ግሁድ ምኻኑ ትመሃር፡ጥዑይ ጾታዊ ርክብ ንምክያድ ደቂ ኣንስትዮ ኣንስተይቲ ጥዕይትን ውሕስትን ክትከውን ኣሎዋ፡ክትገልጽ ይኹን ብዛዕባ ጾታዊ ኣካላተን ነጻ ኮይነን ናይ ምግላጽ ባህሪ፡ብዛዕባ ጾታዊ ኣካላተን ዝመሃራን ዝመራመራን መሰል ከም ዘሎወን ክርደኣን ክፈልጣን ይግባእ።

 

שתפו עם חברים