מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ሓበሬታ ብዛዕባ ክታበት ንምክልኻል ቫይረስ ሃፕፒሎማ

 ቫይረስ HPV  ወይ ኢፒሎማ እንታይ እዩ?

እዚ ቫይረስ ሃፐፒሎማ (HPV)ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ንደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ከኣ ይሃሲ ፡ኣብ መንእሰያት ልሙድ ተርእዮ እዩ ዳርጋ 80% ከኣ ኣብ መንእሰያት ይረአ;ልዕሊ 100 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ቫይረሳት ኣሎዉ፡መብዛሕትኦም ንሕማም ወይ ምልክታት ናይ ሕማም ዘኸትሉ ኣይኮኑን፡30 ካብኦም  ኣብ መትሎ ኣብ ኣፍን ኣብ ጎሮሮን ሕማም ዘኸትሉ እዮም፡

መብዛሕትኦም ደቂ ሰባት ነዚ ዓይነት ቫይረስ እዚ ብቐሊሉ እዮም ዘሸንፍዎ ፡ብሳዕቤናቱ ውን ብዙሕ ኣይሳቐዩን።ውሑዳት ክብኦም ጥራሕ እዮም ክባዘሑ ዝኽእሉ፡

መንሽሮ ኣብ ክሳድ ናይ ማህጸን፡ኣብ ብልዕትን  ኣብ ጎረሮን ወይ ኣብ ከባቢ መዓኮር መቁሰልትን ዕንፍሩርን  ኣብ ደቂ ኣንስትዮ የኸትል የኸትል።ኣብ ኣወዳት መንሽሮ ኣብ መትሎ መቁሰልቲን ጡብ ኣድግን ከኣ ኣብ ከባቢ መዓኮርን ኣብ ጎረሮን የኸትል።

እቶም ንዕንፍሩር መሳሊ ጡብ ኣድጊ ዘኸትሉ ቫይረሳት፡ ነቲ  ኣብ ክሳድ  ማሕጸን ዝወጽእ መንሽሮ  ዘኽትል ኣይኮነን።

እቲ ክታበት ኣብ ዝሰኣነሉ ግዜ ፡መብዛሕትኦም ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ደቂ ሰባት በዚ HPV ኣብ ሂወቶም ምሉእ ብሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ  ብዝተፈላለዩ ዓይነት  ቫይረሳት  ክጥቕዑ ይኽእሉ።

 

በዚ HPV ቫይረስ ብኸመይ ትጥቃዕ?

 

ዝኾነ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ወዲ ተባዕታይ ወይ ጛል ኣንስተይቲ ፡በቲ HPV ቫይረስ   ንኽጥቓዕ ኣብ ሓደጋ ይርከብ ፡መብዛሕትኦም ካብቶም ዝጥቕዑ ከኣ ምልክታት ኣይረኣዮምን።ትርጉም ናይዚ ከኣ ብዘይፍላጥ እቲ ቫይረስ ንኻልኦት ከመሓላልፉሎም ይኽእሉ ማለት እዩ።

እቲ HPV ቫይረስ ካብ መጀመርታ ደረጃ ናይ ጾታዊ ርክብ ክመሓላለፍ ተኽእሎ ኣሎ፡እቲ ሰብ እቲ ቫይረስ ዘሎዎ እንተኾይኑ ብምትንኻፍ ናይ ቆርበት ምስ ቆርቤት ዋላ ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ፡በዚ ምኽንያት እዩ ከኣ ኮንዶ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ቫይረስ ክከላኸል ዘይክእል ።

ብHPV ቫይረስ ከምዝተጠቓዕኩ ብኸመይ እፈልጥ?

HPV ቫይረስ ብዘይ ምልክታት እዩ ዝረአ ፡በዚ መሰረት ከኣ መብዛሕትኦም በዚ ቫይረስ እዚ ዝተጠቕዑ  ከም ዝተጠቕዑ ኣይፈልጡን።

ምስ መንሽሮ ዝተሓዙ ዓይነታት፡መብዛሕትኤን ደቂ ኣንስትዮ ፓፕ ዝበሃል ምርመራ ድሕሪ ምግባር እዩ እቲ ቫይረስ ከምዘሎወን ዝገሃድ፡እዚ ፓፕ ዝበሃል ምርመራ ናይ ማሕጸን ምርመራ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ክሳድ ናይ ማህጸን ዝርከቡ ትሹ ዘይጥዑያት ምኻኖም የግህድ እሞ እዚ ከኣ ናብ መንሽሮ ክምዕብል ይኽእል ማለት እዩ።

ምስ ናይ ጡብ ኣድጊ ዝመስሉ ዝተሓሓዝ ዓይነት፡እቶም ከም ሳዕቤን ናይዚ ቫይረስ እዚ  ኣብ ከባቢ መትሎ ዝረኣዩ ከም በዓል ጡብ ኣድጊ ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ብምሓዝ ወይ ከኣ ብምድህሳስ ክፍለጡ ይኽእሉ እዮም ፡ብሓፈሻ ኣብ ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ ጫፍ መትሎ ወይ ኣብ ማእከል ወይ ከእ ኣብ ከባቢ መዓክር ይረኣዩ እዮም ዝርከቡ።ከሕክኹና ክኸቀይሑ ከቀንዝዉን ዘይምቹእነትን ክስመዓና ይኽእል እዩ።ንመብዛሕትኦም እዚ ጡብ ኣድጊ እንብሎ ባዕሉ እዩ ድሕሪ ኣዋርሓት ወይ ዓመታት ዝጠፍእ፡ኣብ ገለ ኩነታት ግን ብዝልከ መድሃኒት ክሓዊ ይኽእል፡ከምኡ ውን ብምዝሓል፡ወይ ከኣ ብምቅጻል ወይ ብምሕራር ክጠፍእ ይኽእል።ዝኾነ ዓይነት ነዚ ቫይረስ ካብ መሰረቱ ከጥፍእ ዝኽእል መድሃኒት የለን ፡ዘይጠፍእ ስለዝኾነ ፡መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ንጡብ ኣድጊ መሰል ዕንፍሩር ዘኸትሉ ዓይነት ቫዩረሳት መንሽሮ ኣየኸትሉን እዮም።

ነቶም በዚ HPV ቫይረስ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብኸመይ ንከላኸሎም?

ኣብዚ እዋን እዚ ገለ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኸውን ክታበት ኣሎ፡

እቲ ክትባት ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ዝኽፈል ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ፍርቒ ዓመት ይወሃብ፡እቲ ክታበት ከኣ ኩሉ ክሳብ መወዳእታ ክንወስዶ (3 መራፍእ) ይግባእ ፡እዚ ከኣ እቲ ክታበት ውጽኢታዊ ምእንቲ ክኸውን እዩ

እቲ ክታበት ከኣ ናይ ዶክተር መሰነይታ ኣብ ናይ እንሹራንስ ጥዕና ማእከል ክውሰድ ይከኣል እዩ

እቲ ክታበት ካብ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣይከላኸልን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ነፍስ ወከፍ ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ክንጥቀም ይግበኣና ።

                            ሕቶታት ኣሎኩም ዶ?

ናብዚ ናይ ሕክምና ናይ ምኽሪ መስመር ተለፎን 037919704፡ተወሳኺ ሓበረሬታ ንምርካብ ከኣ ብመስመር ኢንተርነት www.safe –sex.co.il

.ብተወሳኺ ናይ ፎሩም ኣድራሻ /https://www.starmed.co.il.forum-84 መልሲ ምርካብ ይከኣል እዩ።

                            ሰራሕተኛታት ናይዚ ሕክምና ንኽሕግዙኹም ድሉዋት እዮም።

 

שתפו עם חברים