מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ሓፈሻዊ – ጾታዊ ሕማማት

ጾታዊ ርክብ ካብቲ ሓደ ካብ ህወትና ዘይፍለ ኣገዳሲ ነገር እዩ፡ከምኡ ውን ገለ ክፋል ናይ ኣካላውን ስነሓሳባውን ጥዕናና ዘይፍለዩ እዮም።ኣብ ሂወትና ብዙሕ ናይ ጾታዊ ርክብ ተመክሮታት ይገጥመና እዩ።ገለ ግዜ ግን ንሕማማት ንቃላዕ ኢና ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ እስራኤል ቁጽሪ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት  እንዳለዓለ  ይኸይድ ኣሎ፡ብፍላይ ከኣ ከም በዓል ጅግል፡ፍንጣጣ፡ከላመድያ ዝኣመሰሉ ሕማማት ።በዚ መሰረት ኣብ እስራኤል ዝተፈላለያ ናይ ጾታዊ ሕማማት ጥዕና ማእከላት ቆይመን ኣሎዋ፡ እዚ ከኣ ነቲ ዝመሓላለፍ ሕማማት ንምጉዳልን ካብ ምምሕልላፍን ምልባዕን ንምክልኻልን ብተወሳኺ ነቶም ዝተለኽፉ መድሓኒት ብምልጋስን ብምምካርን ይሰርሓን ይነጥፋን ኣሎዋ።

ጾታዊ ርክብ(ብመዓኮር  ብኣፍ፡ ብብልዕቲ)ረኽሲ ብምግባር  ንኽመሓላለፍ ጠንቕታት እዮም፡ስለዚ ብዛዕባ እቶም ዝመሓላለፉ ሕማማት ቅድመ ኩነት ፍልጠት ክህልወና ኣገዳሲ እዩ ፡ከምኡ ውን ነቶም ዝመሓላለፉ ሕማማት ብኸመይ ንከላኸሎም ምፍላጥ  ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።ብተወሳኺ ብጾታዊ ርክብ ዝመሕላለፉ ሕማማት  ምጥቃዕ ነቲ ናይ ኤች ኣይ ቪ  ዝበሃል ቫይረስ  ናይ ምጥቃዕ  ሓደጋ  የዕብዮን ንሕማም ኤድስ ከኣ ጠንቂ ይኸውን ማለት እዩ።መድሃኒት ናይዞም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓደ ካብቶም  ምምሕልላፍ ኤች ኣይ ቪ  ዘጉድል ኣዝዩ ኣገዳሲ  መድሃኒት  እዩ።

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣብ ሰለስተ ይኽፈሉ፡

ብጽግዕተኛ ዝኾኑ ከም በዓል ክራብስ ዝበሃሉ ባልዓት ዝሓላለፉ፡ኣብ ኩሉ ዓይነት ፋርማሲታት ዝሽየጥ መድሃኒት ብምውሳድ ብቕልጡፍ ክፍወሱ ይኽእሉ እዮም።

ብባክተርያ ዝመሓላለፉ ጾታዊ ሕማማት ከም በዓል ጅግልን ከላመድያን፡ከኣ ናይ ዝተፈላለዩ ኣንቲብዮቲካ/ናይ ረኽሲ መድሃኒት ብምውሳድ ብቕልቱፍ ክንፍውሶ ንኽእል።

ብቫይረስ ዝመሓላለፉ ጾታዊ ሕማማት ከም በዓል ኤች ኣይቪን፡ ሄርፐስ ፡ኤች ፒ ቪን ናይ ጸላም ከብዲ ሕማምን ከኣ ነቲ ምልክታትን እቲ ሕማም ንነዊሕ ምእንቲ ከይጸንሕን ዝከላኸል መድሃኒት ይውሰድ እዩ፡ገለ ግዜ   ነቶም ሕማም ሄርፐስን ኤች ፒ ቪን ኣካላትና ባዕሉ ይፍውሶም እዩ።

እዞም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እምበኣር ብምልክታቶም ውን ክንከፍሎም ንኽእል ኢና

1.ብፈሳሲ ካብ መትሎን ብልዕትን ዝፍለጡ ሕማማት

2.ቁስልን ሕበጥን ኣብ ጾታዊ ኣካላት ብምኽታል ዝልለዩ ሕማማት

3.ብምቕያሕን መሕከኽትን ኣብ ጾታዊ ኣካላት ብምኽታል ዝልለዩ ሕማማት

4.ኣብ ጾታዊ ኣካላት ምልክታት ዘየኸትሉ ሕማማት

“ብጾታዊ ሕማማት ከምዝተጠቓዕኩም ብኸመይ ትፈልጡ?”ኣብዚ ክሊክ ግበሩ

שתפו עם חברים