מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ቅድሚ ንHIV(PrEP)ምጥቃዕካ መከላኸሊ መድሓኒት

 ቅድሚ  ንHIV(PrEP)ምጥቃዕካ  መከላኸሊ መድሓኒት

መእተዊ

ኣብ ሓምለ 2015 ኣብ ዝተገብረ ጸብጻብ 34 ሚልዮን ደቂ ሰባት ብHIV ተታሒዞም ከምዘሎዉ ተረጋጊጹ።ካብ ኤች ኣይ ቪ ክንከላኸለሎም እንኽእል መንገድታት  ኣሎዉ ፡ትኽክለኛ  ኣጠቓቕማ ኮንዶም ምዝውታር፡ብናይ ሓደ ግዜ መርፍእ ምጥቓምን ካልእን።እዚ ኣጠቓቕማ እዚ ካብ ብኤች ኣይቪ ምምሕልላፍ ገለ ምኢታዊት ኣብ ገለ ሃገራት ምጉዳል ተራእዩ  እዩ፡ኣብ ገለ ቦታታት ግን እዚ ቫይረስ ይላባዕ ኣሎ።ናይ ኤች ኣይቪ ክታበት ንምርካብ ጻዕርታት ዋላ ብዙሕ እንተኾነ ግን ፍረ ዘሎዎ ኣይኮነን ፡እቲ መድሃኒት ውን ደረጃኡ ዝሓለወን ዘተኣማምንን ኣይኮነን፡እንተኾነ ግን ሚንስትሪ ጥዕና ዓለም (WHO)ሓድሽ ዘዳሎዎ ቀረብ ከምዝብሎ ኣብ ናይ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ምምሕልላፍ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት  ግን ዘይተጠቕዑ ቕድሚ በቲ ሕማም ምጥቃዖም ዝወስድዎ መድሃኒት ከም ዘዳለወ ዝፍለጥ እዩ።

PrEP እንታይ እዩ?

ሓድሽ ምሕጽንታ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝመኽሮ ፡ናይ ኤች ኣይ ቪ ምርመራ ዝገበሩ ሰባት መዓልታዊ መድሃኒት ንኽወስዱ ዝብል እዩ፡እዚ ከኣ ካብ ምምሕልላፍ ንምክልኻል እዩ።እዚ ቀረብ እዚ ከኣ ቕድሚ ነቲ ቫይረስ ምቅላዕካ ምክልኻል እዩ ዝብል(pre-exposure prophylaxis ብሓጺሩ  PrEP)ይበሃል።

እዚ ይሰርሕ ዶ?

እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ መድሃኒታት ኣብ ክልተ ዓይነት ሕብረተሰብ  ዝተመርኮሰ እዩ፡እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ምስ ኣወዳት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ እዮም፡እቶም ካልኣይ ጉጅለ ከኣ ክልተ መጻምዲ ኮይኖም እቲ ሓደ  ኤች ኣይ ቪ ነገቲቨ እቲ ካልኣይ ከኣ ፖዘቲቭ ኣብ ዝኾኑ ሰባት እዩ።እቶም ነዚ መድሃኒት እዚ ፈተነታት ዝገበሩ ውጽኢታዊ ምኻኑ እዮም ዝገልጹ።

 ውድብ ጥዕና ዓለም-በዚ ዝስዕብ ኣገባብ እቲ PrEP ክወሃብ ከም ዘሎዎ ይመክር።

1, ኣብ ኤች ኣይ ቪ ብብዝሒ ዝመሓላለፈለን ሃገራት እቲ መድሃኒት  ነቲ ኤች ኣይ ቪ ነገቲቨ  ዝኾነ መጻምዲ ወይ ነታ መጻምዲ እቲ PrEp  ይወሃብ።

2.ኣብተን ኤች ኣይ ቪ  ኣወዳት ምስ ኣወዳት ጾታዊ ርክብ ዝፍጹሙለን ሃገራት ከኣ እቲ መድሃኒት PrEP ነቶም ኣብ ኣወዳት ኣብ ልዕሊ ኣወዳት ጾታዊ ርክብ ንዝገብሩ ይወሃብ።

ማጂክ ፒልልስ ዝበሃል ዘንጸባርቅ ወርቂ ኣይኮነን

 

  • እቲ ናይ ከኒና መድሃኒት ቀሊል ኣይኮነን፡ናይ ገዛእ ርእሱ ሳዕቤናት ኣሎዎ፡ናይ ኣዕጽምቲ ድኻም፡ናይ ምሕቃቕ ጸገም( ስግል ግል ምባል ፡ውጽኣት፡ቃንዛ ናይ ከብዲ)ማህሰይቲ ኣብ ኩሊትን።ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ ነቲ ጥዑይ ሕብረተስብ’ከ እቲ መድሃኒት ይወሃቦ ዶ?
  • እቲ መድሃኒ ንናይ ኩሊት ጸገም ዘሎዎም ሰባት ክወሃብ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ድሕሪ እቲ መድሃኒት ከኣ ኣዝዩ ዓቢ ጸገም ኣብ ኮላሊት ከጋጥምን ዘይሓዊ ሽግር ከኸትልን ይኽእል እዩ።
  • እቲ መድሃኒ ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም ዘሎዎም ሰባት ክወስድዎ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ድሕሪ እቲ መድሃኒት ነቲ ገለ ክፋል ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም የጥቕዕ እሞ ነቲ ሕማም ጸላም ከብዲ ንምፍዋስ ኣዝዩ ዓቢ ሽግር ክፈጥር ይኽእል እዩ።
  • ኣቐዲሙ  በቲ ቫይረስ ንኸይጥቃዕ መድሃኒት ዝወሰደ እሞ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ እንተጸኒሑ እሞ ነዚ መድሃኒት እንተወሲድዎ ሓደገኛ እዩ ፡ደሓር ነቲ ኤች ኣይ ቪ ንኽትፍውስ ከኣ ዝኸበደ ሽግር ክፈጥር ይኽእል እዩ።
  • ተወሳኪ ሓደገኛ ነገር ከኣ፡እቲ ሰብ ከምቲ ዝተኣዘዞ ዶ ነቲ መድሃኒት ይወስዶ ይኸውን ዝብል እዩ እንተዘይ ኮይኑ ግን ዓቢ ሽግር ከምጽእ ይኽእል እዩ፡እዚ ከኣ ብፍላይ ንጥዑያት ሰባት እቲ መድሃኒት ናይ ምሃብ ሽግር ከምዘሎዎ ኮይኑ ማለት እዩ።
  • እቲ መድሃኒት ኮንዶም ናይ ምጥቃም ደረጃ ብምጉዳል ነቲ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ግን የብዝሖ ማለት እዩ፡ገለ ካብቶም ሕማማት ከኣ ውሑድ መድሃኒታት ዘሎዎም እዮም።

ኣብ እስራኤል ከ ከመይ እዩ?

ኣብ እስራኤል እቲ መከላኸሊ መድሃኒት ቕድሚ ብኤች ኣይ ቪ ምልካፋካ ኣይወሃብን፡የለን እውን።በቲ ቫይረስ ድሕሪ ምጥቃዕካ ግን መከላኸሊ መድሃኒት ይወሃብ እዩ(ነዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ፈትሹ)።

https://apps.who.int/iris/bitstream/10665/75188/1/9789241503884_eng.pdf

 

 

שתפו עם חברים

ביום חמישי 28.3.24 המרפאה תהיה סגורה. נשוב לפעילות ביום ראשון 31.3.24

עמכםן הסליחה

On 28.3.24 the clinic will be closed.

We will return to activity on Sunday 31.3.24. 

Sorry for the inconvenience