מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ብምልክታት ናይ ቆርበት ዝፍለጡ ሕማማት

ፍንጣጣ

ፍንጣጣ ብትሮፐኖማ ፓሊዱም ዝበሃል ባክተርያ ዝመጽእ ጾታዊ ሕማም እዩ።እዚ ሕማም እዚ ንገለ ምልክታት ይመጾም እዩ ንገለ ከኣ ኣይረኣዮምን ማለት እዩ።እዚ ፍንጣጣ ንኸተላልዮ እቲ ዝተሓተ ክሳብ ክልተ ዓመት እቲ ዝለዓለ ከኣ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ይጸንሕ ማለት እዩ።እቲ ዝቐልጠፈ ፍንጣጣ 30% ይመሓላለፍ ብፍላይ ከኣ ካብ ኣደ ናብ ኦባሪ ከኣ ዝተለምደ እዩ።እዚ ድንጉይ ዝበሃል ፍንጣጣ ከኣ ካብ ኣደ ናብ ኦባሪ ብዝወሓደ ይመሕላለፍ።

ናይ ኣንቲባዮቲክ መድሃኒ ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃ ነቲ ሕማም ከቓልሎን ነቲ ድሒሩ ዝመጽእ ሽግራት ክቕልሎን ይኽእል እዩ።ነቲ ሕማም ፈጺምካ ከተጥፈኦ ግን ጸገም እዩ፡ገሊኦም ዘይሓውዩ እዮም፡ኣብ ናይ መትንታትና፡ኣብ ልብናን ኣብ ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካላትና፡ንነዊሕ ዝጸንሑ እንተ እንተደኣ ኮይኖምማለት እዩ። ፍንጣጣ ንደቂ ተባዕትዮ ደቂ ኣንስትዮን ዘጥቕዕ ሕማም እዩ፡ካብ ኣደ ናብ ሕጻን ብምምሕልላፍ ከኣ ነቲ ቆልዓ ከቢድ ዘይሓዊ ሕዱር ሕማም ክተሓዝ ይኽእል።

ምልክታት ናይቲ ሕማም

ቀዳማይ ደረጃ-  እቲ ቀዳማይ ምልክት ቁስሊ (ዓሚቕ  ቁስሊ ከም ሸሓነ)ኣብ መሸኒ ኣየቐንዙን እዩ፡ኣብ ኣፍ ወይ ኣብ ብልዕቲ ውን ኣየቀንዙን፡ድንጉዩ ግን ገለ ፍሉይ ምልክታት ይረአ ሕበጥ ኣብ መሸኒን ጻዓዱ ምልክታት ኣብ ኣፍን ይረኣዩ፡እቲ ቁስሊ ንኽረአ ከኣ ካብ 10 መዓልታት ክሳብ 3 ወርሓት ይወስደሉ

ካልኣይ ደረጃ-ኣብ መትንታትና ብርቱዕ ሕማማት ከነጥሪ ንኽእል ኢና ናይ ምሕሳብ መትንታትና   ንምቀጽጻር ውን ክሳብ   እንስእን ማለት እዩ ፡ ድኻም ይስመዓና ናይ ሰራውራንን ጭዋዳታትን ቃንዛ ይስመዓና ፡ካልእ ቃንዛታት፡ከኣ ቁስሊ ኣብ ቆርብት የኸትል እዚ ካልኣይ ደረጃ  ምልክታት ናይዚ ሕማም  ንኽረአ ካብ ክልተ ሰሙን ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ይወስድ።

ሳልሳይ ደረጃ- ኣብ መትንታትና ብርቱዕ ሕማማት ከነጥሪ ንኽእል ኢና ናይ ምሕሳብ መትንታትና ንምቀጽጻር ውን ክሳብ ክሳብ  መልመስቲ  ቃንዛታት፡ ምዕዋር፡ናይ ኣተሓሳስባ ዓቕምና ከኣ ይትሕት   ማህሰይቲ ኣብ ልቢ ውን የኸትል እዩ፡  ጉማ ዝበሃል ቁስሊ ከኣ ኣብ ጾታዊ ኣካላትና የኸትል፡እቲ ሕማም ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስበጽሐ ንኽሓዊ  ካብ 5 ክሳብ 35 ዓመታት ይወስደሉ

ብኸመይ ንፈልጦ? ምርመራ ናይ ደም  ብምግባር  ነቲ ባክተርያ ብምልላይ።

 ዝመሓላለፈሉ መንገድታት ፡ብኩሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ፡ ፡ምስ ሕማም ፍንጣጣ  ዝሓመመ መጻምዲ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም፡ኣብ ግዜ ምውላድ ከኣ ካብታ ኣደ ናብቲ ሕጻን ክመሓላለፍ ይኽእል

መካለኸሊ፡እቲ ሕሙምን እቶም ምስኡ ዝነብሩን ነቲ መድሃኒት ብምውሳድ፡ክዳውንቲ ብውዑይ ማይ ምሕጻብን ብዝለዓለ ሙቀት ነቲ ክዳውንቲ ብምድራቕን፡እዚ ናይ ክዳውንቲ ምሕጻብ እምበኣር ሰለስተ መዓልታት  ቅድሚ እቲ መድሃኒት ምጅማሩ እዩ።

ቢቪ-ባክተርያል ቫጊኖሲስ

እዚ ባክተርያ  ኣብ ብልዕቲ ጛል ኣንስተይቲ ዝርከብ እዩ፡ኣብ ገለ ሕብረተሰብ ደቂ ኣንስትዮ ካልእ ዓይነት ተወሳኺ ባክተርያ ኣሎወን፡እዚ ኣብ ባዕላ ኣብታ ጛል ኣንስተይቲ ደኣ እምበር ኣብ መጻምዲ ኣይኮነን ዝረከብ፡ናይ ጾታዊ ርክብ ሳዕቤን ውን ኣይኮነን፡ኣብ ለሲብያንስ ማለት ርክብ ጛል ምስ ጛል ከኣ ግኑን እዩ፡ነዚ መበገሲ ዝኸውን እምበኣር ምትካኽን ፡ምሕጻብ  ውሽጢ ብልዕትን እዩ፡እዚ ሕማም እዚ ናይ ጾታዊ ሕማም እካ እንተዘይ ኮነ ብጾታዊ ሕማማት ክትጥቃዕ ግን ጽልዋ የሕድር እዩ።

ምልክታት ናይዚ ሕማም እዚ

ዘይንቡር ጨና ዘሎዎ ፈሳሲ፡(ከም ዝበስበሰ ዓሳ ሽታ ዘሎዎ)

ብኸመይ ንምርምሮ?እዚ ብሓገዝ ናይ ማይክሮስኮብ ዝግበር ምርመራ ኣብ ብልዕቲ ኮይኑ ካብቶም ፈሰስቲ ነቶም  ኣብኡ ዝርከቡ ባክተርያታት ብምልላልይ ዝግበር ምርመራ እዩ።

ብኸመይ ንከናኸኖ? ወይ ብከኒና ወይ ከኣ ዝልከ ክሬም ናይ ኣንቲብዮቲካ /ጸረ ባልዕ ወይ ናይ ረኽሲ ካብ ፐልግያል(መትሮ ኒዳዞል) ዝተባህለ ዓይነት ጻረ ባልዕ ብምውሳድ ንፍውሶ ማለት እዩ።

ብኸመይ ንከናኸኖ? ብመርፍእ ዝወሃብ መድሃኒት ማለት ፐኒሲሊን።እዚ መድሃኒት ኣብ ሊቪኒስኪ ብጥርሑ እዩ ዝወሃብ።

መከላኸሊ፡ሓቀኛ ኣጠቓቕማ ናይ ኮንዶም ብኩሉ ዓይነት ንጥፈታት-  ጽቡቅ ይከላኸል እዩ።

ፍንጣጣ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ከምዘሎዎ ዝጥርጠር ሰብ እንተደኣ ኣሎ ኾይኑ ኣብ ሕክምና እዩ ዝድቕስ ፈሳሲ ብምውሳድ ዝገብሩዎ ምርመራ ስለዘሎ ማለት እዩ።

ምናልባሽ-ምስ ሓደ ካብዞም ዝተጠቕሱ ደረጃታት ዘይመሳሰል ምልክታት እንተኾይኑ ከኣ ናብ በዓል ሞያ ምምኻር  ይግባእ።

ናይ ትጽቢት ግዜ-3 ወርሒ

ሕማም ናይ ጾታዊ ኣካላት(ሄርፐስ)

ሄርፐስ ብሓደ  ሄርፐስ ሲምፕሊክስ ዝተብሃለ ቫይረስ ዝመሓላለፍ እዩ፡ክልተ ዓይነት ሀርፐስ ኣሎዉ

 ሲምፕሊክስ 1-ኤች ኤስ ቪ ኣብ ከባቢ ፍሕኛ ናይ ዘርኢን ኣብ ኣፍን ቁስሊ ዘውጽእ እዩ እቲ 2ይ ከኣ ሓደ ዓይነት ኮይኑ ኣብ ናይ መትሎ ቁስሊ የውጽእ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ምዕራባውያን ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ሰባት በዚ ኤች ኤስ ቪ ዝበሃል ቫይረስ መትሎኦም ይሓሙ ኣሎዉ።

እቲ ረኽሲ ናይዚ ሕማም እዚ ኣዝዩ ቅልጡፍን ዝላባዕን እዩ እዚ ከኣ (ኣብቲ ዝምዕብለሉ ደርጃ ብፍላይ )እዚ ሕማም እምበኣ ዝላባዕን ደጋጊሙ ዝመጽእን እዩ ካልኣይ ንኽምለስ ውን ተኽእሎ ኣሎ።

ሔርፐስ ናይ ጾታዊ ኣካላት እምበኣር ኣዝዩ ልሙድ ሕማም እዩ።ዳርጋ 10% ካብ ህዝቢ እስራኤል ናይ 2-ኤች ኤስ ቪ ሕሙማት እዮም፡እዞም ነዚ ሕማም ዘሎዎም እምበኣር ከምዘሎዎም ኣይፈልጡን እዮም፡እቲ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ዝጠፍእ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ምቅላል ናይ ሳዕቤናቱን ምልክታቱን ግን ይከኣል እዩ።

ምልክታት ናይቲ ሕማም፡ እቲ ቀዳማይ ምልክት ካብ 2-7 መዓልታት ካብቲ ዝሓመምካሉ ግዜ ጀሚሩ ይረአ ፡እዚ ከኣ ቃንዛ ኣብ ጫፍ ናይ መሸኒትን መንፋሕትን መቕያሕትን ከኣ የኸትል ከምኡ ውን ናይ ረኽሲ መሳሊ ፈሳሲ ውን የኸትል።ካልኦት ተወሰኽቲ ምልክታት ከኣ (ሽንቲ ክትገብር ከለኻ የሸግረካን ይርብሸካን)ዓበይቲ ምልክታት ከኣ (ረስኒ፡ድኻም፡ቃንዛ ናይ ጭዋዳታትን ረኽሲ ናይ ሓንጎልን የኸትል።90% ካብቶም  ዝሓመሙ ምልክታት ኣየርእዩን ከመሓላልፉ ግን ይኽእሉ።

 ብኸመይ ንምርምሮ፡ናይ ላባራቶሪ ምርመራ ብምግባር ይምርመር ።ሓደ ናይ ቆርበት ምልክታት መሰረት ብምግባር እዩ እቲ ሓደ ከኣ፡እቲ ካልኣይ ናይ ላባራቶሪ ምርመራ  ከኣ ነቲ ካብ ፍሕኛ  ናይ ዘርኢ ዝውሰድ ፈሳሲ መሰረት ብምግባር እዩ።

ዝመሓላለፈሉ መንገድታት ፡ ዘይ ውሑስ  ጾታዊ  ርክብ ፡ዋላ ብናይ መዓኮር ጾታዊ ርክብ ምስ መጻምድኻ/ኺ

ብምንታይ ንከናኸኖ? እዚ በቲ  ዘቡርክስ ዝበሃል መድሃኒት ነቲ ምልክታት ንምጥፋእን ነቲ ግዜ ናይ ሕማም ንምሕጻርን ዝግበር መድሃኒት እዩ ።እቲ ሕማም ብብዝሒ ንኸይምለስ ዝቡርክስ ዝበሃል መድሃኒት ውን ይወሃብ እዩ ፡ንሂወት ኣብ ሓደጋ የእቱ ግን ኣይሓውን ከኣ።

ሽግራት፡ነቲ ዝውለድ ሕጻን ኣዝዩ ከቢድን ተመሓላላፍን ሓደገኛን ሕማም እዩ።

መከላኸሊ፡  ግቡእ ኣጠቓቕማ ኮንዶም ጽቡቕ ይከላኸል እዩ።ምሉእ ምክልኻል ግን ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ ቁስሊ ኣብ ውሑስ ዘይኮነ ቦታ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ክልተ ዝላባዓሉ መንገድታት

ምልባዕ  እቲ ሄርፐስ -ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ

ምልባዕ ንእሽቶ ሄርፐስ-ሕጽረት ቁስሊ

ሄሮአስ ካብ ምምሕልላፍ ምሉእ ብምሉእ ክትቆጻጸሮ ዝከኣል ኣይኮነንን።ኮንዶም ውን ነቲ ናይ ጾታዊ ኣካላትና ጥራሕ እዩ ዝከላኸል።

እቲ በቲ ሕማም ዝተታሕዘ ሰብ ነጻ ንኽኸውን ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ ኣይኮነን፡ኣብ ውሽጢ ዓመት ግን እቲ ሕማም ክላባዕ ይኽእል

ክልቲኡ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ምርመራ ክግበር ይግባእ ብዙሕ ሰብ ግን ናይቲ ቀዳማይ ደረጃ ምርመራ ጥራሕ እዮም ዝገብሩ

ሽንክሮይድ፡ዶኖብኖዚም፡ሊምፖግራኖሎማ ቨናሩም

ኣብ እስራኤል ግኑናት ሕማማት እዮም፡ኣብ ትሮፒካል ቦታታት ከኣ ልሙድ እዩ፡ምልክታቱ መቁሰልቲ ኣብ መትሎ እዩ፡ምስ ምስ ካብ ሃገራት ትሮፒካል ዝመጸ መጻምዲ ጾታዊ ርክብ እንተገርካ ነዚ ጥርጡር ኢኻ ማለት እዩ።

እዚ ሕማም እዚ ኣብ ሆሞሰክሹዋል ልሙድ እዩ፡ድሕሪ ብዝሕ ዝበለ ዓመታት ወይ ኣንቲቢዮቲካ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋናት እቲ ሕማም ናብ ረኽሲ ክምዕብል ይኽእል እዩ።

ዝልለየሉ መንገዲ-ከም ጡብ ኣድጊ መሳሊ ኣብ ጾታዊ ኣካላትና

ኮንዲሎማ- ሁማን  ፓፒሎማ ቪሩስ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ኣብ ጾታዊ ኣካላትና ገለ ዕንፍሩ መሳሊ የውጽእ፡ኣብ መዓኮር ውን ከምኡ ከም”ኮምዲለማ ኣኮሚንታ”ተባሂሉ ከኣ ይጽዋዕ፡እቲ ሕማም ኣብ ደቂ ኣንስቶን ተባዕትዮን እዩ ዝረኤ።ገለ ግዜ ከኣ ረኽሲ ኣብ መዓኮር ከኸትል ይኽእል እዩ።

እቲ ቫይረስ ኣብ መንእሰያት ብብዝሒ ይረአ፡መጽናዕትታት ከምዝሕብሩዎ ዳርጋ 50% ብጾታዊ ርክብ እዩ።ውሑዳት ካብኦም ጥራሕ እዮም ከም ዕንፍሩር ጡብ ኣድጊ ዝዓይነቱ ዘኸትሉ፡እቲ ሕማም ዋላ ምልክታት ከይገበረ፡ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ።መብዛሕትኦም ቀስብቐስ ካብ ዝተወሰኑ ኣዋርሓት ክሳብ ዓመት ይሓውዩ እዮም።

እቲ ምልክታት ናይዚ ሕማም እዚ፡

ካብ ዳርጋ 3 ወርሒ ካብቲ ዝሓመምካሉ \ክረአ ይጅምር ፡ከም ካውሎ ዓይነት ቅርጽን ቅይሕ ዝበለ ሕብሪ  ዘሎዎ ሕበጥን ከኣ ገለ ካብቲ ምልክታት እዮም።መብዛሕትኡ ግዜ ግን ቃንዛ የብሎምን።ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበሉ ቦታ ኣብቲ ደጋዊ ኣፍ ወይ ጫፍ ናይ ብልዕቲ መለግለግ ዝብል ምልክታት ኣብ ከባቢ መዓኮርን ኣብ ከባቢ ብልዕትን ኣብ ደረት ናይ ማሕጸንን  ከኣ ይረኣዩ።ኣብ ኣወዳት ከኣ ኣብ ጫፍ ናይቲ መሸኒን ፍረነብስን ኣብ መዓኮርን ይወጽእ።ኣብ ክሳድ ናይቲ ማሕጸን መንሽሮ ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ  ካብቲ  ዝተጠቓዕካሉ ጀሚሩ ካብ 7 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ዘሎ ግዜ።

ብኸመይ ይምርመር ናይቲ ትውሳስ ወይ ጡብ ኣድጊ ዝመስል ዝመስል ዕንፍሩር ብማይክሮስኮብ ምርመራ ብምግባር ኮልኮስኮፕያ(ምርመራ ናይ ማሕጸን ብማይክሮስኮፕ ፓፓኒኮላው(ስፍሓት ፓፕ) ኣብ ማሕጸን ረኽሲ ዘሎን ዘየሎም ብምምርማር ማለት እዩ።

ዝመሓላለፈሉ መንገዲ፡ኩሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ብብልዕቲ(ናብ ብልዕቲ ብምእታው)ብኣፍን ብመዓኮርን ዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ምስ ሕማም ናይ አች ፒ ቪ  ዘሎዎ መጻምዲ።

ብኸመይ ንከታተሎ? ነቲ ዝወጽእ ዕንፍሩር ከም በዓል ጡብ ኣድግን ፈጸጋን ዝመስል ብምቅጻልን ብምሕራርን ክጠፍእ ይኽእል፡ከምኡ ውን ብመንገዲ መጥባሕቲ ፡እቲ ዕንፍሩር ፈጺሙ ይጠፍእ ማለት ኣይኮነን ፡ንዝተወሰነ ጠፊኡ ደሓር ከኣ ዝምለስ እዩ

ገለ ግዜ ኣብ ከምዚ ደርጃ እንተበጺሑ ውን መጥባሕቲ ናይዚ ማሕጸን ውን ይግበር እዩ።

ሽግራት፡ ገለ ክፋላት ናይዚ ቫይረስ እዚ መንሽሮ ኣብ ክሳድ ናይቲ ማሕጸንን ኣብ መሸኒን ከኸትሉ ይኽእሉ።

መከላኸሊ፡ትኽክለኛ ኣጠቓቕማ ኮንዶምን ኩሉ ግዜ ብምጥቃምን ጽቡቕ ውሕስነት ኣሎዎ በዚ ናይዚ  ዝተዳለወ መድሃኒት  ብምውሳድ ከኣ ካብ ምምሕልላፍ ናይቲ ሕማም ምክልኻል ይከኣል እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ገለ ኣንጻር ናይዚ ቫይረስ እዚ ዝተዳለወ ክልተ ዓይነት ክታበት ማዕቢሉ ኣሎ፡እቲ ክታበት ኣንጻር  ናይቲ ኣብ ማሕጸን መንሽሮ ዘኸትል ሃፒፕሎማ ዝበሃል ቫይረስ እዩ።እቲ ካልኣይ ክታበት ከኣ ነቲ ኣብ ጾታዊ ዕንፍሩርን ካልእ ቁስልን ጠንቂ ዝኾነ ቫይረስ ንምክልኻል ይሕግዝ።ደቂ ኣንስትዮ ካብ 9-45 ዕድመ ክወስዳኦ ተመራጺ እዩ፡ዓመታዊ ምክትታል ብምግባር ናይ ፓፕ ዝበሃል ምርመራ ክገብራ ከኣ ይምረጽ።

ንምግላጹ ኣገዳሲ

1.እቶም ንጡብ ኣድጊ መሳልን ካልእ ዕንፍሩርን ዘኸትሉ ቫይረሳት ንመንሽሮ ዘኸትሉ ቫይረሳት ኣይኮኑን።

2.ናይ ኤች ፒ ቪ ምርመራ ንደቂ ተባዕትዮ ወይ ንደቂ ኣንስትዮ የለን።

  1. እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ምርመራ ፓፕ ብሰንኪ ኤች ፒ ቪ ዝምዕብሉ ለውጥታት እዩ ዝምምርምር እቲ ምርመራ ለውጥታት ናይ መንሽሮ ውን ይምርምር እዩ።

4.እቲኦም ከም በዓል ጡብ ኣድጊ ዝኣመሰሉ ምልክታት ኣብ መብዛሕቲኡ ካብ 3 ወርሒ ድሕሪ በቲ ሕማም ምጥቃዕካ

5, 85% ካብቶ ጡብ ኣድጊ እንብሎም ባዕሎም እዮም ዝሓውዩ፡።ናይ ኮስሞትክስ ክንክን ነቲ ጡብ ኣድጊ ወይ ካልእ ዕንፍሩር  ከሕውዮ ኣይክእልን

ነዚ ሕማም እዚ ዘሕዊ መድሃኒት እንተሎ ግዜ እዩ።

 ዝመሓላለፍ ሞልስኮም

ሞልስኮም ናይ ቆርቤት ሕማም ኮይኑ ብጡብ ኣድጊ ዝፍለጥ ብሞልስኮም  ኮንታጅኦሱም ዝተብሃለ ቫይረስ ዝመጽእ እዩ፡እዚ ሕማም እዚ ጾታዊ ሕማም ጥራሕ ኣይኮነን፡ካብ ሕሙም ቆርበት ምስ ጥዑይ ቆርቤት ብምልጋብ ይመሓላለፍ እዩ፡ብፍላይ ኣብ ቆልዑ ኣብ እግርን ኢድን ግኑን እዩ፡ኣብ መዋእለ ህጻናት ከኣ  ካብቲ ሓደ ቆልዓ ናብቲ ካልእ ይመሓላለፍ። ሳሕቲ ግን ኣብ መንእሰያት ብጾታዊ ርክብ ይረኣዩ እዮም።ኣብ ገለ  ሰባት ከኣ እቲ ሕማም ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሓት ባዕሉ ይገድፍ።

ምልክታት ናይ ሞሉስኮም

ቀይሕ  ጡብ ኣድጊ ዝመስል ዕንፍሩር ኣብ ሕንብርትን ካልእ ክፋላት ኣካላትናን ፡እቲ ሕማም ከኣ ካብ 2-7 ሰሙናት ክረአ ይጅምር ገለ ግዜ ከኣ ድሕሪ 6 ወርሒ ይረአ።መብዛሕቲኡ ግዜ ጡብ ኣድጊ ቃንዛ የብሉን።

ብኸመይ ይልለ?መብዛሕቲኡ ኣብ ኣካላትና ብዝረኣዩ ቁስልታት እዩ ዝልለ፡ናይ ላባራቶሪ ምርመራ ከኣ ምርመራ  ደም ነቲ ቫይረስ ንምልላይ ፈተና ብምግባር ይካየድ ( ዳርጋ 75% ካብ ሕሙማት)ብናይ ምትንኻፍ  ዝሓመሙ እዮም።

ዝመሓላለፈሉ መንገዲ፡ምልጋብ ቆርቤት ምስ ቆርቤት፡በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ኣቕሓ ብምትንካፍ(ክዳውንቲ፡ሽጎማኖ ፡ብምሕካኽ ከኣ ካብ ሓደ ክፍሊ ኣካላትና ናብቲ ካልእ ክፍሊ ኣካላትና ይመሓላለፍ)

ብኸመይ ንከናኸኖ?

ዋላ እካ እቲ ጡብ ኣድጊ ካብ 6-24 ኣዋርሓት ባዕሉ ይገድፍ እንተኾነ፡መድሃኒት ከኣ ነቲ ኦድመ ናይቲ ሕማም የሕጽሮ፡እቲ መድሃኒት ከኣ ወይ ነቲ ቁስሊ ብምቑራጽ ወይ ከኣ ብምሕራር ክንከናኸኖ ንኽእል

እንተዘይተፈዊሱ ዘኸትሎ ስዕቤናት ፡ረኽሲ ናይቲ ጡብ ኣድጊ ብባክተርያ(ይቐይሕን የቐንዙን)።

መከላኸሊ፡ብኮንዶም ምጥቃም

ፐዲኩሎሲስ  ፑቢስ ፡እዚ ሓደ ካብቶም ጾታዊ ሕማማት ኮይኑ ፊቲሪውስ ፑቢስ ዝበሃል ቫይረስ ከኣ ይመጽእ።እዚ ሕማም እዚ ኣብ ከባቢ መዓኮር ዝወጽእ ኮይኑ ገለግዜ ውን ኣብ ክሳብ ታሕተዋይ ወገን  ናይ ከብድን ክሳብ ናይ ጾታዊ ኣካላትመፈላልዮን ከኣ ይዝርጋሕ።

ምልክታት ፐዲኩሎሲስ ፑቢስ

 ድሕሪ በቲ ሕማም ምጥቃዕካ መድረቕትን መቕያሕትን ኣብ መዓኮር ኣብ ናይ ኣካላትካ ምርመራ ኣብ ዝግበረሉ ናብ ናይ ፍረነብስን መዓኮርን ጸጉሪ ዝለገቡ ቁስልታት ይረኣዩ፡ገለ ነጥብታት ዝመስሉ ምልክታት ውን ኣብኡ ይረኣዩ እዮም(እዚኦም ግን ቃንዛ ዘይብሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም)ኣብ ምሕኩልቲ ውን ከምዚ ኦኣይነት ምልክታት ክረአ ይኽእል እዩ፡እዚ ናይ ቆርበት ምልክታት እዚ ንነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።ብተወሳኺ ከኣ ዘሕክኽ ምልክታት ኣብ ቆርበት ይወጹ እዮም።

ብኸመይ ንፈልጦ?-እዚ ብማይክሮስኮብ ዝረኣዩ ገለ ደቀቕቲ ሓሳኹ ብምልላይ ነቲ ምርመራ ብምግባር ነቲ ሕሰኻ ንምርካብ ብዝግበር ምርመራ ይፍለጥ

ዝመሓላለፈሉ መንገዲታት፡ብምትንካፍን (ብጾታዊ ርክብ ውን)ዝተለኽፈ ኣቕሑት ብምትንካፍ ከም ክዳውንትን ሽጎማኖን፡ዋላ ናይ ሽንቲቤት ኮፍ መበሊ ኣቕሑትን

ብኸመይ ንከናኸኖ?ብሓደ ሻምፖ ኣንጻር ናይቶም ባልዕ፡ብምክትታል ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና  መድሃኒት ካብ 7-10 መዓልታት፡ጸጉሪ ናይ ከባቢ መዓኮርን ከባቢ መትሎን ምስዳድ ኣገዳሲ እዩ፡እዚ ጸጉሪ ምቑራጽ እምበኣር እቶም ሓሳኹ ንኸይባዝሑ ይከላኸል፡እቲ ሕማም ኣብ ሓደ ዓይነት ስድራ እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ እታ ስድራ እቲ ሕማም ሓሊፍዋ ከይክውን ክትምርመር ይግባእ።

ዓበቕ

እዚ ናይ ቆርበት ሕማም ኮይኑ ብ ሳርኮፕተስ ስካብያሲስ ዝተባህለ ቫይረስ ዝመሓላለፍ እዩ፡እዚ ከኣ ከም ናይ ቆርቤት ኣለርግይ ዝመስል ኮይኑ ኣብ ቆርበት ከኣ ብፍላይ ናይ ለይቲ  ምሕካኽ ይገብረልካ፡እዚ ሕማም  እዚ ከኣ ኣብ 3 መዓልታት ፡ንምትንኻፍ ናይ ክዳውንትን ሽጎማኖታትን ይመሓላለፍ፡ኣብ መፈላልዮ ኣጻብዕትና ኣብ መንጎ ሰለፍና ትሽቱሽና ኣብ መንጎ መቐመጫናን ኣብ ጾታዊ ኣክላትና ምሕኩልትናን ወዘተ ይነብሩ

ምልክታት ናይ ዓበቕ

መብዛሕትኡ ግዜ ቀይሕ ዕንፍሩር ኣብ ቆርበት ይረአ፡እዚ እቶም ባልዓት ዝኻዓትዎ እዩ።ቀንዲ ምልክታት ናይዚ ሕማም ስሓ እዩ። ኣብዝረአ ቦታ ዓበቕ ዝወጾም ዓበይቲ ወይ ናይ ምክልኻል ዓይኖም ዝተዳኸመ (ካንሰር ወይ ኤች ኣይ ቪ)ዘሎዎም ሰባት ይረአ፡ከምዚ ዓይነት ዓበቕ ምስ ዝሕከኽ ቅራፍ የውጽእ፡ንነዊሕ ግዜ ዝውሰድ መድሃኒ ክወስዱ ከኣ ተመራጺ እዩ።

ብኸመይ ንምርምሮ፡እዚ ብደገፍ ናይ ማይክሮስኮፕ ነቶም ብሎኣት ኣብ ቆርበት ብምልላይ ፈተነ ይግበር ማለት እዩ።

ዝመሓላለፈሉ መንገዲ- ቀንዲ ዝመሓላለፈሉ መንገዲ፡ፍሕፋሄ ቆርብርት ምስ ቆርበት  ከም ኣብነት ብኢድ ምሓዝን ጾታዊ ርክብ ብምግባርን፡ክዳውንቲ ኣምሶላ ናይ ዝሓመመ፡ ሰብ ምጥቃም፡ምስዚ ሕማም እዚ ዘሎዎ ሰብ ኣይትተንክፉ።

ብከመይ ንከናኸኖም?

ንዓኻ ይኹን ንስድራበትኩም ዓበቕ  ምስ ዝህልወኩም ብቀጥታ ናብ።እዚ ሕማም ብውዑይ ማይ ሳሙና ወይ ምሕካኽ ፡እቲ ዝበለጸ መድሃኒ ዝልከ ኾይኑ

ፐርምርትሪም ክሬም ይበሃል

መከላኸሊ፡ንዓኻ ይኹን ንኣዕሩኽትኻ ወይ ስድራኻ ዓበቕ ምስ ዝሕዘኩም ብቐጥታ ናብ ሕክምና ብምኻድ፡እዚ ሕማም ብውዑይ ማይ ሳሙና ወይ ብምሕካኽ ኣይሓውን እዩ።እቲ ዝሓሸ መድሃት ዝልከ ክሬም እዩ።ፐርምርትሪን ክሬም ከኣ ይበሃል።

 

שתפו עם חברים