מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

(ብጾታዊ ሕማማት ንኽሓምም ካብ ካልኦት ዝገደደ ዕድል ዶ ይህልወኒ(ኣወዳት

ናይ ጾታዊ ሕማማትን ኤድስን ብጾታዊ ርክብ ክመሓላለፉ ይኽእሉ፡ናብ ብልዕቲ ብምእታው ፡ናብ መዓኮርን ኣፍን፡ስለዚ ኩልና ኣብ ክንጥቃዕ ንኽእል ኢና ፡እንተደሊና ገዛእ ርእስና ንጥዕናና ክንከላኸል ንኽእል ኢና ።

ዝያዳ ክጥቃዕ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣሎ ዶ? እወ።

ስለምንታይ እዩ ኣብ ሓደጋ ምህላውካ ክፍለጥ ኣገዳሲ ዝኸውን፡ጥዕናኻ ምእንቲ ክትከላኸል።

ንኽትጥቃዕ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎኻ ብምንታይ ትፈልጥ?

ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልስ።

  • ምስ ብዙሓት መጻምድታት ጾታዊ ርክብ ትፍጽም ዶ?
  • ኮንዶም ዶ ኣይተዘውትርን ኢኻ?
  • ንውሑስ ጾታዊ ርክብ ኣይትግደስን ዲኻ?
  • ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙካ ዶ ይፈልጥ?
  • ምናልባሽ ኣብ ፍሉይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኮንካ ኣተዓባብያኻ ናብ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ግዳይ ዳሪቱካ ዶ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙካ ዶ?
  • ወዲ ኾንካ ምስ ኣወዳት ጾታዊ ርክብ ትፍጽም ዶ?

ብውሕዱ ካብዞም ሕቶታት ሓንቲ ሕቶ “እወ”ብምባል እንተመሊስካ በቲ ሕማም ክትጥቀዓሉ እትኽእል ሓደጋ ኣሎኻ ማለት እዩ።

ብዝሒ መጻምድታት

ንቫይረስ ምቅላዕ፡ንጀርምታትን ክልኦትን ነቲ ጾታዊ ሕማም ዘስዕቡ፡መጠን መጻምድኻ ምብዛሖም ናይ በቲ ሕማም ምጥቃዕ ከኣ ዝበዝሐ ይኸውን።ስለዚ ምስ ብዙሓት ሰባት ጾታዊ ርክብ ትፍጽም እንተደኣ ኮንካ በቲ ጽታዊ ሕማም ኤች ኣይ ቪን  ከም እትጥቃዕ ኣይትዘንግዕ ።ስለዚ ኣብ ፍርቂ ዓመት ክትምርመር ኣገዳሲ እዩ።

ኮንዶም

ኮንዶም ምጥቃም እቲ ንጾታዊ ሕማምን ኤች ኣይቪን  ጥንስን ንምክልኻል እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ እዩ።ገለ ሕማማት ኮንዶም እንዳተጠቐምካ ዋላ ዝመሓላለፉ ኣሎዉ፡ስለዚ ከምቲ ዝግባእ ምእንቲ ክንከላኸል ኣገባብ ኣጠቓቕማ ኮንዶም ክንፈልጥ ይግባእ

ንውሑስ ጾታዊ ርክብ ዘይምቅዋም

ገለ ግዜ ንዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ኣይፋል ንምባል የሸግረና እዩ።እዚ ናይቲ ካልኣይና ድልየታት ብምርኣይ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ኮንዶም ክንእዝዝ ውን ንሓፍር፡ነቲ መጻምድና ምእንቲ ከይንስእኖ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ፡ወይ ከኣ መጻምድና ሓይሊ ኣብ ዝጥቐመሉ እዋን ከም ክእለት ዘይብልና ብዘይ ምክልኻል ኢና ስቕ እንብል፡እዞም ኩነታት እዚኦም ብጾታዊ ሕማም ንኽንሓምም ዓቢ ሓደጋ እዮም፡ካብዞም ዝጠቐስናዮም ገለ ኣጋጢሙካ እንተኾይኑ ናብ ናይ ምኒስትሪ ጥዕና ናይ ጾታዊ ሕክምና ሓብር፡እንታይ ከምዝገጠመካ ሓብር ሓገዝ ውን ሕተት፡ንበይንኻ ክትፈትሖ ምእንቲ ከይከብደካ።

ናይ ጾታዊ ዓመጽ ግዳያት

ጾታዊ ዓመጽ ኩሉ ዓይነት ጾታዊ ሓይሊ ብዘይፍቓድ ናይ ወዲ ተባዕታይ ጛል ኣንስተይቲ ወይ ቆልዓ እዩ።እዚ ጾታዊ ዓመጽ ዓቢ ሽግር ዘኸትል እዩ፡ኣካላውን ስነኣምሮእውን ማህሰይቲ፡ከምኡ ውን ምምሕልላፍ ናይ ጾታዊ ሕማማትን ኤች ኣይ ቪን

ሳዕቤናት ሓሽሽን ኣልኮሆልን

ሓሽሽን ኣልካሆልን ሓደገኛ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጽም ዝገብሩ እዮም፡ሓሽሽን ኣልኮልን ናይ ምሕሳብ ደረጃና ክጸልውዎ ይኽእሉ፡ቅድም ዘይንገብሮም ዝነበርና ነገራት ክንገብር ከኣ ይድርኹና ፡ናብ ሓደጋ ዘብጸሓና ኣካላዊ ጽልዋ ውን የሕድረልና፡ንኣብነት ናይ ደም ሰራውር ደምና የግፍሖ እሞ፡ብኸምዚ ከኣ መቁሰልትም መድመይትን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ የኸትል፡በዚ መሰራት ከኣ በቲ ደም ብናይ ጾታዊ ርክብ ሕማማት ንምጥዋዕ ዝቀለለ መንገዲ ይኸፍት ማለት እዩ እዚ ከኣ ንኽልቲ ኦም መጻምድታት ነቲ ዘእቱን ነታ ዝእትዋን ሓድገኣ የንጸላልዎም ማለት እዩ።

ሂወት ኣብ ሕብረተሰብ

ኣብ ገዛኦም ሽግር ዘሎዎም ሰባት፡ሓሽሽ ምሻጥ፡ጾታዊ ምፍርራሕ፡ምስ ቤተሰብ ጾታዊ ርክብ ከምዝገበርካ ምግሃድን ካልእን፡እዞም ከምዚ ዝበለ ታሪኽ ዘሎዎም ደቂ ሰባት ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ እዮም፡ብዝሒ መጻምዲታት፡ዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ፡ሽርሙጥና፡እዞም ሰባት እዚኦም እምበኣር ሕጂ ውን በቲ ዝሓለፍዎ ስንባደን ስምብራት ዘሕደረሎም ነገራትን ንኸይሕከሙን ዝግበኦም መድሃኒት ከይወስዱ እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ እዮም።

שתפו עם חברים

ביום חמישי 28.3.24 המרפאה תהיה סגורה. נשוב לפעילות ביום ראשון 31.3.24

עמכםן הסליחה

On 28.3.24 the clinic will be closed.

We will return to activity on Sunday 31.3.24. 

Sorry for the inconvenience