מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ተለኺፈ ከይ ከውን እጠራጠር እንተኾይነ መዓስ ክምርመር ኣሎኒ

 ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብኹሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ብብልዕቲ ብመዓክር ወይ ብኣፍ ይመሓላለፍ፡ስለዚ ከኣ ብናይ ሓደ ግዜ ርክብ ክመሓላለፍ  ተኽእሎ ኣሎ።ስለዚ እቲ ሕማም ካብ ሓደ ናብ ካልእ ይመሓላለፍ እሞ ካብ ሕማም ናብ ሕማም  ይኸውን ማለት እዩ።

ብናይ ሓደ ግዚ ርክብን ብናይ ኣፍ ዝግበር ርክብን ምስቲ ካልእ ጾታዊ ርክብ ክወዳደር ከሎ ሕማም ናይ  ምምሕልላፍ ተኽእሎ ውሑድ እዩ።መብዛሕትኦም  ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብፍላይ ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃ ድሕሪ በቲ ሕማም ምልካፍካ ዘሎ ግዜ ምልክታት የብሎምን(ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ)፡ካብዞም ዝስዕቡ  ምልክታት ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ እንተሎኩም ፡ብሓደ ካብቶም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ተጠቒዕኩም ከይትኾኑ የጠራጥር እዩ።

  • ዘይ ንቡር ፈሳሲ ካብ ብልዕቲ ወይ መትሎ
  • ምሕካኽ ወይ ቁስሊ(ዋላ ብዘይ ቃንዛ)ኣብ ከባቢ ጾታዊ ኣከላት ወይ ኣብ መዓኮር
  • ኣብ ግዜ ሽንቲ ቃንዛ ወይ ከም ምቅጻል ይስመዓካ/ኪ እንተኾይኑ

እዚ ምልክታት ምህላው ብጾታዊ ርክብ  ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣሎካ ማለት ኣይኮነን፡እንታይ ደኣ ምእንቲ ነጻ ከም ዝኾንካ ከተረጋግጽ ምርመራ ንኽትገብር ይግድዱ።ብኻልኣይ ሸነኽ እዚ ብጾታዊ ሕማማት  ምልካፍ ኣብ  ምልክታት ዝተመርኮሰ ኣይኮነን፡ስለዚ ነፍስ ወከፍ ሰብ ጾታዊ ርክብ ካብ መጻምዱ ወጻኢ ይፍጽም እንተኾይኑ  ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ምርመራ ክገብር ይግባእ፡ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ምርመራ ክገብር ተመራጺ እዩ፡ዋላ ምልክታት ከየረኣዩ  ንምርግጋጽን ነቲ ዘጋጥም ረኽሲ ከኣ ንምልላይን ምርመራ ክግበር ይግባእ።ኣብ ልዑል ናይ ሓደጋ ቦታ ዘሎዉ ሰባት ንኸመሓላልፉ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ ስለዝኾነ ክምርመሩ ይምረጽ።

እቲ  ድሕሪ በቲ ሕማም ምልካፍካ ናይ በሓቂ እቲ ሕማም ከመሓላለፉ ዝኽእለሉ መንገዲን ግዜን ” ናይ መስኮት ግዜ”ናይ ትጽቢት ግዚ ዝበሃል ካብ ጾታዊ ርክብ ዝገበርካሉ ክሳብ ምርመራ ዘሎ ናይ ትጽቢት ግዜ እዩ፡እዚ ከኣ እቲ ምርመራ እሙንን ውጽኢታዊን ንኽኸውን እዩ።ንኹሉ ዓይነት ሕማም ናይ ትጽቢት ግዜ ዝተፈላለየ እዩ።እዚ ዝስዕብ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ናይ ምርመራ ግዜ እዩ ፡

ኤች ኣይ ቪ ኤድስ -12 ሰሙናት ካብ  በቲ ሕማም ምጥቃዕካ ዘሎ ግዜ

ጅግል-ክልተ ሰሙን ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ክላመድያ-ወርሕን ፈረቓን ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ፍንጣጣ-ሰለስተ ወርሒ ካብ  ግዜ ጾታዊ ርክብ

ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም ቢ+ሲ ፍርቂ ዓመት ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም -ካብ ክልተ ሰሙን ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙናት ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ሄርፐስ-ክልተ ሰሙን ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ብሕማም ኤድስ ተለኺፍካ ከይትኸውን/ኒ ትሰግእ/ኢ ዶ ?ድሕሪ72 ሰዓታት  በቲ ሕማም ምጥቃዕካ መድሓኒት ክትወስድ ይግባእ(ፐፕ/PEP)።

ንዝኾነ ዓይነት ሕቶታት ብዛዕባ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ናብዚ ዝስዕብ ናይ ሕክምና ተለፎን 03 7919704 ደልሉ።

ብሰዓታትን መዓልታትን፡

ሰንበት     13፡00 – 18፡00

ሰኑይ      13፡00 – 16፡00

ሰሉስ      13፡00 – 18፡00

ረቡዕ      13፡00  –  18፡00

ሓሙስ    09፡00 –  15፡00

ወይ ከኣ ጸሓፉልና ፡ሰራሕተኛታት ናይዚ ሕክምና ክሕግዙኹም ድልዋት እዮም

ብኤድስ ተታሒዝካ  ከይትኸውን ትሰግእ/ኢ ዶ?ድሕሪ ምሕማምካ መድሓኒት ክትወስድ ይግበኣካ(ፐፕ/PEP)

PEP /ፐፕ እንታይ እዩ?מה הוא PEP

እዚ መከላኸሊ መድሃኒት ድሕሪ ነቲ ሕማም ምቅላዕካ እዩ(post exposure prophylaxis ብሓጺሩ PEP እዚ ድሕሪ  ካብ ኣናእሽቱ ኤች ኣይ ቪ ፋይረሳት ንኽመሓላለፉ ዘሎ ተኽእሎ የጉድል (ንኣብነት፡ካብ ዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ወይ ከኣ ብ ኤች ኣይ ቪ ናይ ምምሕልላፍ ተኽእሎ ዘሎዎ ሓደጋ ኣብ ስራሕ ይከላኸል)

ብኸመይ ይሰርሕ?

እቲ መድሃኒት ውጽኢታዊ ምእንቲ ክኸውን  ኣብ ውሽጢ  72 ሰዓታት ድሕሪ ነቲ ሕማም ምቅላዕካ ክውሰድ ኣሎዎ፡ስለምንታ?ምኽንያቱ እቲ ቫይረስ ናብ ምሉእ ኣካላትና ከይተዘርገሐ ክንሕዞ ወይ ክንቆጻጸሮ ስለዝግበኣና፡እቲ መድሓኒት ብሓፈሻ ካብ 2-3 ዓይነት መድሃኒታት የጠቓልል፡ን28 መዓልታት ከአ ይወሃብ።ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ ወይ ሳዕቤን ከምዘለዎ ኣብ ግምት ምእታው ይግባእ፡ ከም ኣብነት ስግልግል ምባልን ተምላስን ካብቶም ዝረኣዩ ምልክታት እዮም።እቲ መድሓኒት መዓልታዊ ኩሉ ግዜ ምውሳዱ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ እዚ ከኣ እቲ መድሃኒት ውጽኢታዊ ንኽኸውን ወሳኒ ምኻኑ ከነስተውዕል ይግባእ።

ከኒና’ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’?ጽቡቕ ኣይኮነን

ፐፕ 100% ካብ ሕማም ምምሕልላፍ ኣይከላኸልን፡በቲ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ ኣየመሓላልፍን ወይ ብኤች ኣይ ቪ ኣይጥቃዕን ማለት ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ምቕናስ ምኢታዊት ናይቲ ምምሕልላፍ እዩ ዝዝረብ ዘሎ(ልዕሊ 80% ምምሕልላፍ ከምዝከላኸል ጸብጻብ ጥዕና ዓለም WHO ይሕብር)ዘተኣማምን  ምክልኻል ግን ኣይኮነን።እዚ መድሃኒት እዚ ናይ ጾታዊ ርክብ  ጠባያት ዝቕይር  ወይ ዘውሕስ ኣይኮነን፡ኩሉ ግዜ ብኮንዶም ምጥቃም ይግባእ፣ንሱ ብኤች ኣይቪ ቫይረስ ንኸይትጥቃዕ ክሕግዝ ስለዝኽእል ።

ፐፕ/PEP ኣበይ ክንቕበሎ ንኽእል?

እቲ መድሃኒት ኣብ ሆስፒታል ኮይኑ ናይ ኤድስ ጥዕና ማእከላት ዘለወን  ሆስፒታላት ጥራሕ ኢና ክንቅበሎ እንኽእል፡ናብ ህጹጽ/ኢመርጀንስይ ሆስፒታላት  ኣብ 24 ሰዓታት 7 መዓልታት ኣብ ሰሙን ምኻድ ይከኣል እዩ

ናይ ኤድስ ሕክምና ማእከል ዘሎወን ሆስፒታላት/ሕክምናታት

  • ሆስፒታል ኢኺሎብ-ሕክምና ኢሞኖሎጊት
  • ሆስፒታል ተል ሃሾመር-ሕክምና ዚሁሚት/ረኽሲ
  • ሆስፒታል ራምባም-ሕክምና ኢሞኖሎግያን ኣለርጅን
  • ሆስፒታል መኢር -ሕክምና ዚሁሚት/ረኽሲ
  • ሆስፒታል ሃዳሳ ዒን ክረም -ሕክምና ዚሁሚት/ረኽሲ
  • ሆስፒታል ሶሮካ -ሕክምና ዚሁሚት/ረኽሲ
  • ሆስፒታል ካፕላን- ሕክምና ኖቨ ኦር

እዚ ግን ብናትካ/ኪ ድልየት ወይ ምሕጽንታ ዝውሰን ኣይኮነን እንታይ ደኣ በቲ ኣብ እመርጀንሲ ወይ ኣብቲ ናይ ህጹጽ  መእተዊ ቦታ እትረኽቦ  ዶክተር እዩ ዝውሰን።እቲ ውሳኔ ከኣ ምስ ሰብ ሞያ ሕማም ኤድስን ረኽስታትን ብምምኻር ይውሰን።እቲ ዘተ ከኣ መድሓኒት ምሃብ ነቲ ሕማም ከሕግዞን ካብ ምምሕልላፍ የጉድሎን ብምምዛን እዩ ዝፍጸም።

ክንደይ ዋጋ ይውደኣልና ?

እቲ መድሃኒት ንኹሉ እስራኤላዊ ብነጻ ይወሃብ፡እቲ ናይ ውሕስነት ሕክምና/ኩፓት ኾሊም ይሽፍኖ።ንዝኾነ ናይ መከላኸሊ መድሃኒት ንዘድልዮ ንመዓልቲ ንክልተ መዓልታት እዩ ካብ ሆስፒታላት መድሃኒት ይወሃቦ፡ንዝተረፈ ግዜ ግን ፕረስክሪፕሽን/ናይ ፋርማሲ መስነይታ ነቲ ዝተረፈ ግዜ ዝኾኖም መድሃኒት ንኽወስዱ ይወሃቦም፡እዚ ማለት ከኣ እኹል ዓቀን ኣብ ናትኩም ናይ ጥዕና ማእከላት ኣሎ ማለት እዩ።

https://www.who.int/hiv/topics/prophylaxis/info/en/

https://www.cdc.gov/mmwr/preview/mmwrhtml/rr5402a1.htm

https://aids.gov/hiv-aids-basics/prevention/reduce-your-risk/post-exposure-prophylaxis

 

שתפו עם חברים