מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ናይ ጉብዝና ዕድመ

ኣብ ጉብዝና ዕድመ ከምዘሎኹም ኣቐዲምኩም ፈሊጥኩም ኣሎኹም፡ምኽንያቱ ገለ ካብ ዓበይቲ ሰባት ገለ ቃላት ወርዊሮምልኩም ይኾኑ፡ጽቡቕ ! ንዕድመይ መግለጺ ኣሎዎ”።እዚ እንታይ ይሕግዘኒ?”ጽቡቕ ሕቶ፡ናይ ቃላት መግለጺ ኣይኣኽለካን ይኸውን፡እዚ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ብዝበለጸ ንኽርደኣካ ይሕግዞ ይኸውን ፡ዋላ ውን ስለምንታይ ከምዘይርደኣልካ ውን ክርደኦ ክሕግዞ ይኽእል እዩ !

እዚ ገለ ግዜ ንወለድኹም ኣዚኹም እትፈትውሉ ግዜ ገለ ግዜ ከኣ ነቲ ገዛ ገዲፍኩም ክትወጹ እትሓስብሉ ግዜ ትፈልጥዎ ዶ?እንታይ ክገብር ይደልዩኒ ኣሎዉ፡ኣቕሑት ክሓጽብ ?ኣብዚ ድየ ዝሰርሕ?ንስኹም ጥራሕ ኣይኮንኩምን።ዳርጋ ካብ ኩሉ ዝጠዓኹም ኢኹም ከም ኩሎም ኣብ ጉብዝና ዝርከቡ ኣወዳትን ኣዋልድን ኢኹም፡ኣብ ኣካላትኩም ዝርከብ ሆርሞን ዘምጸኦ ዝተፈላለየ ናይ ዕድመ ለውጥታት እዩ።ኣብ ከምዚ ግዜ እንታይ ክትገብሩ ከም ዝግበኣኩም ግን ኣይትፈልጡን ኢኹም።እዚ ድንግርግር ዝኾነ ነገራት  ዘቖጥዕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ከም ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ፡ናይ ሓቂ ግን ኣይኮነን።

ቁሩብ ኣብ ርእስኹም ዘሎ ጸቕጢ ከውርደልኩምን ክትሃድኡ  ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ-“ዕድመ ጉብዝና “እንታይ ምኻኑ ንኽትርድኡ ዝሕግዝኹም ሓቕታት እነሃሎዉ፡ወለድኹም ውን ከንብብዎ ክትዕድምዎም ንመክር፡መን ይፈልጥ፡ምናልባሽ ገለ ይመሃሩ ይኾኑ

ዕድመ ጉብዝና እንታይ እዩ?

ኣብ መንጎ ዝተወለድካሉን እትጉብዘሉን ዘሎ ናይ ምስግጋር ግዜ “ናይ ጉብዝና ዕድመ “ ይበሃል ናይዚ ናይ ዕድመ ጉብዝና ክሳብ ክንደይ ምኻኑ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ የለን።እቲ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ዝጥቐሙሉ ግን ካብ 12-13 ዘሎ ዕድመ እዩ ።ኣብዚ እዋን እዚ ግን ካብ 10 ዕድመ ጀሚሩ ክሳብ 25 ይቕጽል ዝብል መጽናዕቲ ውን ኣሎ

ናይ ጉብዝና ዕድመ ኣብ ሰለስተ ክንከፍሎ ንኽእል ኢና ።እቲ ቀዳማይ ናይ ጉብዝና ዕድመ 11-14 ፡ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ጉብዝና ዕድመ 15-17፡ እቲ ድሑር ጉብዝና ዝበሃል ከኣ ካብ 18-21።ብተወሳኺ ኣብዚ ዕድመ እዚ ኣካላዊ ስነኣእምሮኣዊን ብሓሳብን ብትምህርትን እንዳጎበዙ ዝኸድሉ ዕድመ እዩ።ኣብዚ ናይ ምውዳእ ዕድመ ጉብዝና እምበኣር እቶም ኣብ ጉብዝና ዕድመ ዓጊቶምኹም ዝነበሩ ናገራት እትርድእሉ ግዜ እዩ።

ኣካላተይ እንታይ የጋጥሞ?

ኣብ ዕድመ ጉብዝና እቲ ኣካላትና ይዓቢ(ቁመትን ክብደትን)ኣብ መወዳእታ ከኣ ናብ እኹል ጉብዝና ይበጽሕ ማለት እዩ።ኣወዳት ክሳብ 16 ዕድመ ይነውሑ ፡ኣዋልድ ከኣ ክሳብ ዕድመ 14 ይነውሓ፡እዚ ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ፡ኣብዚ ዕድመ እዚ እቲ ኣካላት ኣዝዩ ይቀያየር፡ንደቂ ኣንስትዮ ኣጥባተን ይዓቢ፡ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ጸጉሪ ኣብ ገጾም የውጽኡ፡ክልቲኦም ጾታታት ከኣ ጽጉሪ ኣብ ከባቢ መሸኒኦምን ኣብ ትሕቲ ሕንትኽትኽ ይወጾም፡ሽታ ናይ ኣካላት ይጅመር እሞ፡ዲዶራንት የድሊ ፡ኣብ ገጽ ፈጸጋ ይጅምር፡ስለዚ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘጋጥም ናይ ኣካላት ለውጢ ዓቢ ምኻኑ ሓድሽ ኣይኮነኩምን።ስለዚ ኩሉ ግዜ ንኣካላትኩም ከም ሓድሽ ክትላለይዎ ቀሊል ኣይኮነን፡እቶም ለውጥታት ውን ኩሉ ግዜ ዝነኣዱ ኣይኮኑን።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ሓንጎል እንዳዓበየን እንዳማዕበለን ይኸይድ ፡ኣብዚ እዋን እዚ እምበኣር ሓንጎል ኣዝዩ ሕልኽላኽ ነገራትን ከም በዓል ፊሎዞፊን ክሕዝን ክፈትሕን ይኽእል፡ከም ናይ ዓቢ ሰብ ግን ዝማዕበለ ኣይኮነን፡ብፍላይ ከኣ ናይ ገለ ነግራት ናይ ምርዳእ ተኽእሎ፡ትርጉም ናይ ነገራትን ሳዕቤናቶምን ፡ስለዚ ኣብዚ ዕድመ እዚ ሓደጋ ዝበዝሓሉ ዕድመ እዩ(ሓሽሽን ኣልኮልን)ምጥቃም፡ናብ ዘይተደልየ ጥንስን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም በዓል ኤድስ ተጠቓዕቲ ይኾኑ።እዚ ኣብ ናይቲ ዝጉብዝ ሓንጎል ዘሎ ናይ ባዮሎጂ መስርሕ እዩ፡እዚ ብስእሊ MRI ናይ ሓንጎል  ይረአ፡በዚ ግን ናይ ኩሉ ሰብ ይውሰን ማለት ኣይኮነን፡ምኽንያቱ ብዛዕባ ብልሒ ዘይኮነ ብዛዕባ ናይ ምምዝዛን ተኽእሎ እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

ብወገን ሆርሞናት ፡ኣካልትና ካብቲ ዝነበሮ ብዝወሓደ ዓቐን ሆርሞን ይጥቀም ከም ኦስትሮጋን ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ኣንድሮጋን ከኣ ናይ ደቂ ተባዕትዮ።ከም በዓል ኣስትሮጋን ከም እንቃቕሖ መዳለዊን ናይ ፐርየድ ፈሳሲን፡ኣንድሮጋን ከኣ ኣብ ዘርኢ ናይ ደቒ ተባዕትዮ ምምንጫው ይነጥፍ።ኣብዚ ግዜ እዚ ኣካላት እንዳዓበየ ይኸይድ ፡መትሎ እንዳዓበየ ይኸይድ፡ከምዝፍለጥ እዚ ለውጥታት እዚ ብዙሕ ጉድኣት ኣሎዎ፡ከም ጉብዝናኹም ጾታዊ ርክብ ከም ዓበይቲ ክትፍጽሙ ትኽእሉ ኢኹም፡ግን ከም ዓበይቲ’ኸ ኣጠቓቕማኡን ሳዕቤናቱን ይርደኣኩም ዶ?ኩሉ ግዜ ኣይኮነን።እቲ ናይ ጉብዝና ስምዒት ክትገብር ምድላይን እቲ ሓንጎልካ ዝበጽሖ ደረጃን ይፈላለ እዩ።ኩሉ ግዚ ኣካላትካ ዝደልዮ ምግባር ጽቡቕ ማለት ኣይኮነን።ጾታዊ ርክብ ኣካላውን ስነሓሳባውን ድልውነት ብምግባር እዩ ክፍጸም ዘሎዎ።

ብምኽንያት ናይ ሆርሞናት ለውጥታት ብዙሕ ሓድሽ ነገር ግሁድ ትገብሩ ትኾኑ፡ናይ ጾታዊ ርክብ ድሌትኩም ውን ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ይኽእል እዩ።ኣብዚ ደረጃ እዚ ውን ጾታዊ ብቕዓትኩም ዝፍተሸሉ ግዜ እዩ ፡ምስመን ትቕጽሉ ውን ወሳኒ እዩ።እቶም ምስ ንመጻምዶም ጾታዊ ስሕበት ዝሓስቡ፡ፍሉያት ኮይኑ እዩ ዝስመዖም፡ጥዑያት ከምዘይኮኑ ከኣ ይስመዖም፡ስለዚ እዚ እዋን እዚ ንዕኦም ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ።ገለ ከኣ ብዛዕባ እዚ ተደናጊሮም ናብ ፈተነ ይኣትዉን የጻርዩን፡ብጾታዊ ስሕበቶም ጽቡቅ ዝስመዖም ውን ይህልዉ፡ዋላ ውን ካብ ካልእ እንተተፈለየ፡ከምዚ ዓይነት ስምዒት እንተሎኩም እሞ ከምናትኩም ዝበለ ሓሳባት ዝነበሮምን ዘሎዎምን መንእሰያት ክትረኽቡ እንተደሊኹም ምስ ኢጊ ናይ መንእሰያት ትካል (https://www.igy.org.il)

ኣነ ካብቲ እትሓስብዎ ንላዕሊ እርዳእ።

ካብ ናይ ጉብዝና ግዜ  14-15 እቲ ናይ ብልሒ ደረጃ እንዳዓበየ ይኸይድ ፡ቅድምኡ ምናልባሽ ንዓለም ወይ ከም ሕማቕ ወይ ከምጽቡቕ ጸሊም ወይ ጻዕዳ ሓሲብኩምዎ እንተደኣ ኔርኩም ምናልባሽ ሕጂ ቁሩብ ፍልልይ እንዳተረዳእኩም እትኸድሉ ግዜ እዩ ጻዕዳን ጸሊምን ትፈልጡ እንተኔርኩም ከኣ ሕጂ(ብጫ ነገር ትፈልጡ)ማለት እዩ፡ዝተሓላለኸ ነገራት ኣብ ምርዳእን ፊሎዞፍን ካልእን ኣብ ምርዳእ ከኣ ትብርትዑን ትመራመሩን፡ኩሉ ክትፈልጡ ትደልዩ፡ምናልባሽ ኣብ ስድራኹም ቅቡላት ዘይኮኑ ሓደስቲ ነገራት ምግባር ትጅምሩ፡ኩሉ ካብ ምፍላጥ ምድላይኩም ካብ ዝተላዕለ ሓደስትን ኣገደስቲ ነገራትን ሓሳባትን ከተምጽኡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣነ ዝስማዕ ኮይኑ ይስመዓኒ

እዚ ደረጃ እዚ ነጻ እትኾኑሉን መንነትኩም ዝፍለጠሉን ግዜ እዩ፡ካብ ስድራኹም እትፍለይሉ ግዜ።እዚ ምኽንያታት እዚ ብዝተፈላለዩ መግለጺታት ክጥቀስ ይኽእል፡ምስ ከባቢኹም ዘሎ ምትሕቁቃፍ ክውሕድ ይኽእል፡ብብዝሒ ምስ ኣዕሩኽትኹም ትዛውሩ ውሑድ ከኣ ምስ ስድራቤትኩም፡ብዙሕ ትካትዑ፡ኣብ ብዙሕ ነገራት ትሳተፉ፡እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስድራ ገዲፍካ ምውጻእ ውን ይኸብደኩም፡ቁሩብ ዘደናግር እዋን እዩ ፡ሓቂ ድዩ?

ኣነን ዓርከይን

ክሳብ እቲ እዋን እቲ ሂወትኩም ኣብ ትሕቲ ስድራ ዝነበረሉ ግዜ እዩ ደሓር ኣብ እዋን ጉብዝና ከኣ ናይ ዕርክነት ግዜ ይጅምር እትዘናግዕሉ ግዜ ይኸውንን፡ሓደ ዓይነት ጾታ ከማኹም ዓርኪ ኣሎኩም ፡ካብ ካልኣይ ጾታ ዓርኪ ኣሎኩም፡ካብ ካልእ ጉጅለን ዓሌትን ደቂ ገዛውትን ኣዕሩኽ ኣሎውኹም፡ከምኡ ውን መማህራን።ኣብዚ ዕድመ እዚ እዩ እትፋቐሩን ናይ ፍቕሪ መግለጺ ከኣ ጾታዊ ርክብ እትገብሩን።

ኩሎም መንእሰያት ኣይኮኑን ሓደ ዓይነት ጉብዝና ዘሎዎም፡ገለ ግዜ ዝተፈልዩ ኣሎዉ።ኣካላዊ ጉብዝና ውን ገለ ግዜ ምስ ናይ ስምዒት ጉብዝና ኣይሰማማዕን፡ንኣብነት ሓንቲ ጛል 15 ኣካላዊ ጉብዝናእ ከም ጛል 23 ከምስላ ይኽእል እዩ፡ብኣተሓሳስባኣን ብስምዕታን ግን ከም ጛል 12 ዓመት ሓፋር ክትከውን ትኽእል እያ።

ነዚ ኩሉ ጸቕጢ ናይ ሕብረተሰብ ውን ይውሰኾ እዩ፡እዚ ከም ኩሎም ምእንት ክትኮኑ ዘሎ ጸቕጥታት እዩ።ከም ካልኦት ኮንካ ክትረአ ዝግበሩ ጸቕጥታት (ኣከዳድና ኣመቓቕሳ)ከም ናይ ካልኦት ባህሪ ክህልወካ(ምትካኽ፡ጾታዊ ርክብ ምግባር)ከም ካልኦት ከኣ ምዝራብ(ኣደማምጻ)ከምዚ ዝኣመሰሉ ልሙዳት ተርእዮታት እዮም፡ዋላ እካ ምሳኹም ዘይሰማማዕ እንተኾነ ።

ኣብ’ዚ ዕድመዚ ብዙሕ ሽግር ከምዘሎ ይስመዓኩም እንተደኣ ኮይኑ፡እንሃለ ካልእ ተወሳኺ፡ናፍቖት ናይ ብጾትካ ፡በቲ ሓደ ወገን ከኣ ከተዘውትሮ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ ምኽንያቱ ብኹሉ ክትረአን ክትፍለጥን ስለ እትደሊ(ብኽዳን ብኣቀማቕማ ፡ብጾታዊ ርክብ ብምትካኽን ብኣደማምጻ ዘረባን)ስለዚ ዋላ እካ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣዕርኽትኹም እንተኣሕለፍኩምዎ እቲ ካብ ስድራ ምፍላይ  ጽምዋ ግን ናይ ግድን እዩ።

ኣነን ስድራቤተይን።

እቲ ኣብ መንጎ ካብ ስድራ ናይ ምፍላይ ዘሎ ድልየትን ዝገጥመካ ናይ ሂወት ኩነታትን (ብውሑዱ ብቁጠባ )ዘሎ ሽግር ቀሊል ኣይኮነን ከምኡ ውን ማዕረ ምስ ኣዕሩኽትኻ ክትከውን ምድላይ፡ ናይ ዘይ ምስምማዕ ኩነታት ክፈጥር ይኽእል እዩ።እዚ ንወለዲ ውን ዘደናግር ኩነታት እዩ፡ምኽንያቱ ደቆም ኩሉ ግዜ ምሳኦም ይነብሩ ነይሮም፡ኣብ ጎደና ረኺቦም ጸዋግ ዝኾነ ገጽ ከርእይዎም፡ከምቲ ሓደ ዝበሎ”ኣደ ተፈድሕኒ ኣሎኺ

ኩሎም ወለዲ ኣይኮኑን ናይ ኣብ ጉብዝና ዕድመ ዘሎ “ከመይ ጌርካ ወላዲ ትኸውን” ዝብል ጽሑፍ ዘንበቡ፡ከምቲ “ክጉብዝ ከለኹስ እንታይ ይገጥመኒ፡ኣብ ወለደይ’ከ እንታይ ጽልዋ የሕድረለይ”ዝብል ጽሑፍ ኩሎም ኣብ ጉብዝና ዕድመ ዘሎዉ ኣይኮኑን ኣንቢቦምዋ ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ”ነታጚ”ክህሉ እዩ፡ክትዕ ኣብ ስድራ ቤት ልሙድ እዩ ግን(ወይ ካብቶም ዝጉብዙ ወይ ከኣ ወለዲ)ካብ ንቡር ወጻኢ ይኸይድ እንተደኣ ኣሎ፡ሓሳቡ ቅቡል ኣይኮነን፡ካብ ሰብ ሞያ ናይ ምኽሪ ሓገዝ ክሓትት ይግባእ እዩ።/https://www.opendoor.org.il

ጾታ

ኣብዚ ናይ ጉብዝና ዕድመ ዝፍጸም ዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ወይ ከኣ ሓሽሽ ምጥቃም እምበኣር ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ጥዕና ሽግር ክፈጥረልኩም ይኽእል እዩ።ስለዚ ናይ ዓበይቲ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ኣብ ጉብዝና ዕድመ ዝርከቡ እምበኣር ኣገዳሲ እዩ፡ዋላ ኣብ ገዛ (ወለዲ)ዋላ ኣብ ወጻኢ(ቤት ትምህርቲ)።ዋላ እቶም ኣብ ምጉባዝ ዕድመ ዝርከቡ ንወለዶም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክዛረብዎም ድሌት እንተዘይብሎም ወለዲ ግን ረኺቦም ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ውሑስ ጾታዊ ርክብ ሓሽሽ ኣልኮልን ክዛረብዎም ይግባእ፡ብዛዕባ ሂወቶም ናብ ሓደጋ ዘእቱ ዝኾነ ነገራት።ዋላ ንሂወቶም ክሕልዉ ይኽእሉ እንተኾኑ ብዛዕባ ጥዕናኦም ግን ደገፍ ናይ ወለዲ የድልዮም እዩ።እዛ ፓራግራፍ ብምሉኣ ንወለዲ እያ እትምልከት ንኣብ ጉብዝና ዕድመ ዝርከቡ ኣይኮነትን (ምስቲ ኣርእስቲ ውን ኣኣይትሰማማዕን)።

ናይ ጥዕና ጉዳይ እንተኾይኑ ገለ ግዜ ኣብ መንጎ ስራሕን ውጽኢቱን ከተመሳስል ከቢድ እዩ፡ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት፡ስለዚ ንስኹም ኢኹም ኣብ ከምዚ እትህሰዩ ንኣብነት፡ከም (ጥራሕካ ኾንካ ስእሊ ብዋትሳፕ  ምስዳድ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ዝጠቕመኩምን ዘዋጽኣኩምን ነገር ከተስተውዕሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡እቶም እትርእይዎምን እትሰምዕዎምን ኣብ ጠባይኩም ዓቢ ለውጢ ኣሎዎም።ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት  ኣብዚ ተዋሳኺ ውን ኣብዚ  ጽቐጡ(ሊንክ “መጀመርታ ግዜ፡ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ)።

שתפו עם חברים