מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ኣልኮሆልን ሓሽሽን-ደቂ ኣንስትዮ

ሰክስን ኣልኮሆልን ሓሽሽን

ኣድላይነት ናይ ኣልኮል ኣብ ሂወትና ዳርጋ ገለ ክፋል  መዘናግዒና ተቐይሩ  ኣሎ፡እዚ ጽቡቕ ተግባር ድዩ ወይስ ሕማቕ ?ንኽትፈርድ ከቢድ እዩ።ኣልኮል ብዓቐን ምስታይ ገለ ኣብ ኣካላትና ተዓጽዩ ዝነበረ ክፈትሕ ይኽእል እዩ፡ቁሩብ ጭንቂ የጉድል፡ሕብሪ ይውስኽን ንኹሎም ህዋሳትና ከኣ ጽቡቕ ስምዒት ይውስኸሎም።

ኣብ መንጎ ዝጠቕመናን ዝጎድኣናን ናይ  ኣልኮል  ምስታይ ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ንእሽቶ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ናብ ደረጃ  ስኽራን ኣብ እንበጽሓሉ ግዜ ነቶም ህዋሳትናን ስምዒትናን ነጥፈኦም ዘይ ገዛእ ርእስና ከኣ ንኸውን፡ጽቡቕን ሕማቕን ከኣ ክንፈላሊ ኣይንኽእልን፡ኣብዚ ደረጃ እዚ ከኣ እዩ ኣልኮል መዘናግዒ ምኻኑን ጥዕና ምኻኑን ተሪፉ ናብ ኣብ ከባቢ ዝተጻወደ መሳርሒ ኣጽዋር ዝዓይነቱ ኩነታት ዝቕየር።ኣልኮል ናይ ፍርዲ ወይ ምምዝዛን  ዓቕምና ይሃሲ እዩ ፡በዚ መሰረት ከኣ ቕድሚ ኣልኮል ምስታይና ዘይንገብሮም ዝነበርና  ናብ ዓመጽ ክንበጽሕን  ሓይሊ ክንጥቀምን ይገብረና ፡ከም ዝፍለጥ “ስኽራን ውድድር ኣይኮነን”ስለዚ ኣልኮል ኣብ ሂወትና ከሽካዕልል ኣይነፍቀደሉ።ብተወሳኺ ክንፈልጦን ክንጥንቀቐሉን ዝግበእና ኣልኮል ንሂወትና ሓደገኛ ምኻኡ ክንፈልጥ ይግባእ-ክንዕምጽ ንኽእል፡ከምኡ ውን ብጾታዊ ሕማማት ዝመሓላለፉ ሕማማት ክንተሓዝ ንኽእል፡

እቲ ዘስካሕክሕ ታሪኽ ናይ ጛል 20 ዓመት ናብ ማዕዶን ክትዘናጋዕ ዝኸደት፡” ብመዓሪብ” ዝተብሃለ ናይ ጋዜጣ ጽሑፍ ከምዝሕብሮ ኣብ ቅድሚ እቶም ኩሎም ኣብኡ ዝዘናገዑ ዝነበሩ ሰባት እያ ተዓሚጻ። ብዛዕባ ከቢድን ኣሰቃቕን ዝኮነ ፍጻሜታት እና እንዛረብ ዘሎና ገና ውን ብዛዕባ ሓላፍነት ናይቶም ወነንቲ ክለብ/መዘናገዒን ብዛዕባ እቶም ዝዘናገዑን እንመሃሮ ነገር ኣሎ፡እንተኾነ ግን እዚ ፍጻሜ እዚ ጥራሕ እዩ ንደገ ብምውጻኡ እንሰምዖ ዘሎና ምኽንያቱ ፍሉይ ስለዝኾነ ።ሕማቕ ዕድል ኮይኑ  ናይቶም ኣልኮል ዝሰትዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን  መንእሰያት ጾታዊ ዓመጽ ዝገጥሞም ቁጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።እዚ ማለት ግን ምስታይ ወይ ምዝንጋዕ ይትረፍ ማለት ኣይኮንን፡እንታይ ደኣ ነዚ ኣሰቃቒ ፍጻሜታት ኣብ ግምት ከነእትዎን  ክንፈልጦን ክንጥንቀቐሉን ንምዝኽኻር እዩ። እዚ ካብቲ ገለ መዘኻኸሪ እዩ፡

1.ኣብ ጥራሕ ከብድኺ ኣይትስተዩ፡ቕድሚ ምውጻእኪ ገለ ብልዒ

  1. ኣካላትኪ ክትቆጻጻረሉ ብእትኽእልሉ ዓቐን ስተዪ፡ከምኡ ውን ኣካላዊ ድኻም ብዘይዘይገብረልኪ ዓቀን ስተዪ።

3.ምስ መሓዙትኪ እንተወጺእኪ ነሓድሕድክን ተሓላለዋ ፡እታ ሓንቲ  ካባኽን ሃለዋታ ኣጥፊኣ ምስ ኣወዳት እንተኸደት፡ኣብ ዝሰተየትሉ ኩነታት ካልእ ክፉእ ንኽትገብር ኣይተፍቅዳላ ሓደራ

4.ንመስተ ድየን ዓዲመናኺ ?ብትሕትና ኣመስጊንኪ ክትሰትዪ ግን ናይ ግድን ኣይኮነን።ክትሰትዩ እንተኾንኪ ከም እትሰትዩ ባዕልኺ ትውስኒ።እንተዘይሰቲኺ ውን ሕማቕ ወይ ከኣ ዘይትረብሒ ኣይኮንክን፡እዚ ማለት ንጥዕናኺ ትከናኸኒ ኣሎኺ ማለት ጥራሕ እዩ።

5.ብሰንኪ መስተ ጾታዊ ርክብ ክትገብሪ እንተተገዲድኪ፡ኮንዶም ንምጥቃም ዘይከተስተውዕልልሉ ትኽእሊ ኢኺ፡ብሰንኪ እዚ ከኣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም በዓል ኤድስ ክትቃልዒ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣልኮሆል ብሕጊ መስረት ካብ 18 ዕድመ ጀሚርካ ይፍቐድ እዩ፡ሓሽሽ ግን ንኹሉ ኣይፍቐድን፡ሓደጋነት ብሓሽሽ ምጥቓም እምበኣር ካብ ብኣልኮሆል ምጥቃም ኣዝዩ ዝበኣሰ እዩ ።ዋላ እቶም ቀለልቲ ሓሽሻት ከም በዓል “ማርኦሃና”ወይ ክኣ እቶም ብርቱዓት ሓሽሽ ዝበሃሉ ከም በዓል ኤል ኤስ ዲ ወይ ሃይሮኢን፡ናብ ዝበኣሰ ጸገምን ናብ ሃለዋትካ ምጥፋእን ከኸትሉልካ ይኽእሉ።

(ካብ ናትና ወብ ሰይት እየ ወሲደዮ)

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ እስራኤል ናይ ጾታዊ ዓመጽ እንዳበዝሐ ይኸይድ ኣሎ ቁጽሪ እቶም ግዳያት ውን ይውስኹ ኣሎዉ።ትካላት ምክልኻል ናይ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝጸሓፍዎ ሓንቲ ካብ ኣርባዕተ ወይ ሓደ ካብ ሽዱሽተ ቅድሚ 18 ዓመት ብውሑዱ ሓደ ግዜ ጾታዊ ዓመጽ የጋጥሞም ወይ የጋጥመን።

(https://www.1202.org.il)

ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ሕብረተሰብ ልሙድ እዩ።ሃገር ሃይማኖት ፡ካበየናይ ማሕበረሰብ ብዘየፈላላይ ማለት እዩ።ናይ ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ እንተደኣ ኮንካ፡ከም ዓመጽ፡ንሓገዝ ሕተት፡ብናትኩም ጉድለት ኣይኮነን፡ኣብ ሕክምና ልቪኒስኪ መርመራ ክትገብሩ ንምሕጸነኩም፡ከም ትካል ወሃብቲ ሓገዝ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ  እስራኤል ማለት እዩ።ዶክቶራት ሓካይም ሰራሕተኛታት ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ኩሎም ብጥንቃቐን ብሞያዊ ሓላፍነትን ከገልግሉኹምን  ክሕግዙኹምን ዘድልየኩም ናይ ሕክምና ሓገዝ ክገብሩልኩም እዮም።በዚ ናይ ነጻ ዝኾነ ናይ  ሓገዝ ማእከል  መስመር ተለፎን ብምድዋል ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ተለፎን ንሓገዝ ደቂ ኣንስትዮ 1202

ተለፎን ንሓገዝ ደቂ ተባዕትዮ 1203

 

שתפו עם חברים