מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ዘይትፈልጦም ነገራት ብዛዕባ መትሎኻ

1.ምእንቲ ከተውትሮ ከተቕንዖ ይግባእ።ወዲ ተባዕታይ ስሩዕ ዝኾነ መትሎ ምቕናዕ ክህልዎ ይግባእ፡እዚ ከኣ ጥዕና ናይ መትሎኡ ንምሕላው እዩ።መትሎ እኹል ኣየር ክረክብ እንተኾይኑ ክወትርን ክቐንዕን ኣሎዎ፡ኣየር ንመትሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።ወዲ ተባዓትይ ዝኾነ ናይ ጥዕና ሽግር እንተዘይብሉ ብባህሪ መትሎኡ ይቐንዕ እዩ፡ብመዓልቲ እንተዘይቀንዖ ውን ዘሻቕል የብሉን፡ምውታር ካብ ሓንጎል እዩ እዚ ኣብ እዋን ድቓስ ብሕልሚ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ REM ውን ይበሃል እዩ። ጥዑይ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ለይቲ ካብ 3-5 ግዜ መትሎ ምቕናዕ የጋጥሞ ኣብ ነፍስ ወከፍ  ካብ 25-30 ደቓይቕ ከኣ ከጋጥም ይኽእል።ብዙሕ ግዜ ኣብ ንጋሆ የጋጥም እተኾይኑ እምበኣር እቲ ሓንጎል ከምዝግባእ ክሰርሕ ሓዲሩ ማለት እዩ።

ብጥዕና ምኽንያት ወይ ከኣ ካልእ ስሚዒታት ምኽንያት ናብ ምቕናዕ ዘይበጽሑ ደቂ ተባዕትዮ ኣሎዉ።እዚ እንተዘይተፈዊሱ መትሎኦም ክትህሰ ትኽእል እያ።መትሎኻ ከም ዝግባእ ዘይቀንዓካ እንተኾይኑ ሰራውር ናይ መትሎ እንዳተጨበጡ ይኸዱ’ሞ ናብ ሓደ ወይ ክልተ ሰንቲመተር ብምሕጻር ዘይተዓጻጸፉ ይኾኑ።ናብ ምቕናዕ መትሎ ዘይቀራረቡ ሰባት እንተደኣ ኣሎዉ ኮይኖም ምስ ዶክተር ክማኸሩ ይግባእ።

 ዓይነት ደኣ እምበር ዓቐን ኣይኮነትን !

ኣብ ምቕናዕ ናይ መትሎ ምዕባዩን ምንኣሱን ዝጸልዎ ነገር የብሉን፡ገለ ግዜ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መልበሲ ክዳውንቲ ወይ ሽንቲ ቤት ቦታ ገለ ናይ ካልኦት መትሎታት ብምርኣይ ካብ ናትካ ዝተፈልየን ዝሓሸን ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል እዩ ገለ ግዜ ውን ከም ቕንኢ ከኸትለልካ ይኽእል ይኸውን፡መብዛሕትኡ ግዜ ገጂፍ ዝኾነ መትሎ ኩሉ ግዜ ቀኒዑ ዘሎ እዩ ዝመስለና ።ምናልባሽ ንእሽቶ መትሎ ዘለዎ ወዲ ተባዕታይ ግን ብልብኻ  ሓሚኻዮ ትኸውን። ብዙሕ ደስ ዘየብል ነገር ክህሉ ይኽእል እዩ።ናይ ብርጣንያ መጽናዕቲ ከምዘጽነዖ ብኣንጻሩ እቶም ንእሽቶ ዝመስሉ መትሎታት ካብቶም ዓበይቲ ዝመስሉ  መትሎታት ብዝበለጸን ዝነውሐን ይዝርግሑ።ሓደ ኣመሪካዊ ተመራማሪ ጾታ  ኣልፐርድ ኪንሲናይ  ከምዝሕብሮ 12% መትሎታት ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብሲሶ ወይ ከኣ ካብኡ ብዝወሓደ ኣብ ግዜ ምውታር ይዝርጋሕ 7% ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ገዛእ ርእሱ ይምጠጥ።ስለዚ ዳርጋ ከተወዳድር ምኽንያት የለን።

ብዓይኒ ዝረአ ግዝፊ  ናይ መትሎ እምበኣር ፍርቒ ናይቲ ሓቐኛ ግዝፊ እዩ፡ምኽንያቱ ገለ ክፋሉ ኣብ ኣካላትና ተጨቢጡ ስለዝርከብ።ንኣብነት ኣብ MRI ዝረአ ስእሊ ከም “ቡምበርግ “ዝተባህለ ተወርዋሪ ዕንጸይቲ እዩ ዝመስል።

ኣብ ጉብዝና ዝርከቡ ግዝፊ ናይ መትሎ ኣይፍለጥን፡ናይ ኩሉ ብዝተፈላለየ መልክዕ ስለዝዓቢ።ኣብ ዓበይቲ መንእሰያት እቲ ጠቕላላ ግዝፊ ካብ 14-16 ሰንቲመተራት ይበጽሕ።ንእሽቶይ መትሎ ዝበሃል ካብ 6 ወይ 7 ሰንቲመተር ዝንእስ እንተኾይኑ እዩ።ስለዚ ክትዕቕንዎ እንተደሊኹም ወይ ከኣ ምስ ካልእ ከተወዳድርዎ እንተደሊኹም ኣብ ተጨቢጡሉ ዘሎ ግዜ ዘይኮነ ኣብ ወቲሩሉ ወይ ቀኒዑሉ ዘሎ ግዜ ክትዕቅንዎ ይግባእ።እቲ ምዕቃን ከኣ ካብ መወዳእታ ናይ ከብዲ ክሳብ ጫፍ ናይ መትሎ ብላዕለዋይ ሸነኽ ናይ መትሎ ክዕቀን ኣሎዎ ማለት እዩ።

ንውሓት ወይ ግዝፊ ናይ መትሎ ነቲ መፍረ ናይ ዘርኢ ከምዘይጸልዎ ዘክሩ፡ምኽንያቱ እዚ በቲ ካብ ፍረነብሲ ዝመጽእ ፈሳሲ ዓይነት እዩ ዝውሰን(ኣብ ፍረነብሲ ካብ ዝምንጩ)።ዋላ ጾታዊ ርክብ ውን በቲ ምስ መጻምድኻ ዘሎካ ጽቡቕ ርክብ ደኣ እምበር ብግዝፊ መትሎ ዝውሰን ኣይኮነን(ምዕባለን ርክብን) ናትካ ምቹእነትን ኣብ መጽምድኻ ዘሎካ ጽቡቕ ስምዒትን ወሳኒ እዩ።

ኣብ ናይ ዝተፈላለዩ ጾታ (Hetrosexual) ገጂፍ መትሎ ካብ ንእሽቶ መትሎ ዝሓሸሉ ምኽንያት የለን፡ምኽንያቱ ናይ ጛል ኣንስተይቲ ናይ ስምዒት ቦታ እቲ ቕንጢር ወይ ከኣ ፖይንት ጂ ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ላዕለዋይ  ኣንፈት ናይ ብልዕቲ ይርከብ፡ስለዚ ናብኡ ንምብጻሕ ነዊሕ መትሎ ኣየድልን ማለት እዩ።

3.ቀንዲ ስምዒት መትሎ ኣበይ’ዩ?

ናይ ብርጣንያ መጽናዕቲ ኣብ 2009 ከምዝሕብሮ መብዛሕቲኦም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ታሕተዋይ ሸነኽ ናይ መትሎ ቆቢዕ ወይ ከኣ ኣብቲ ትሕቲ ፍሕኛ ዘርኢ ዝያዳ ስምዒት ኣሎዎም።ብድሕረኦም ከኣ እቲ ላዕለዋይ ሸነኽ ቆቢዕ ወይ ከንፈር ናይ መትሎን ከባቢኡን ከምኡ ውን ጫፍ ናይ መትሎን፡እቲ ላዕለዋይ ፍሕኛ ናይ ዘርእን እዮም።

4.ስምዒት ናይ መትሎ ምስ ዕድመ ይውሕድ እዩ።ተመራመርቲ ከምዘጽንዕዎ ስምዒት ናይ ወዲ ተባዕታይ ምስ ዕድመ እንዳጎደለ ይኸይድ ፡ማዕረ ክንደይ ንዝብል ግን ንጹር ሓበሬታ የለን፡እቲ ምጉዳል ናይ ስምዒት ኣብ ዝነበረካ ስምዒት ምርኩስ ብምግባር ይዕቀን፡ዋላ ውን ማዕረ ክንደይ ከምዝጎድል እንተዘይነጸረ ካብ ዕድመ 25 እንዳወሓደ ይኸይድ።እቲ ዓቢ ፍልልይን ለውጥን ናይ ስምዒት ዝፍለጠሉ ግን ኣብ 65-75 ዕድመ እዩ።ንጹር ዘይኮነ ነገራት እንተደኣ ኣሎ ኾይኑ እምበኣር ደቂ ተባዕትዮስ ናይ ስምዒት ምጉዳል ይስመዖም ዶ ዝብል እዩ ዝተረጋገጸ ኣይኮነን፡ እቲ መጽናዕቲ ከምዚ ይብል፡መትሎ እንተዘይቀኒዑ ምስ ዶክተር ምምኻር ይግባእ።

5.ቫይብረቶር ኣብ መትሎ ውን ይሰርሕ እዩ።እዚ ምንቕጥቃጥ ወይ ከኣ ቫይብራቶር ኢልና እንጽውዖ እምበኣር ኣብ ደቒ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ውን ይሰርሕ እዩ።ናብ ጾታዊ ዕግበት ንምብጻሕ ከኣ ይሕግዝ።እዞም ቫይብራቶራት ዝበሃሉ እምበኣር ብፍላይ ኣብ ዓንዲ ሕቖኦም ዝተሃስዩ ደቂ ተባዕትዮ እሞ ከፍስስሹ ዘጸግሞም ናብ ጾታዊ ዕግበት ንኽበጽሑ ይሕግዞም እዩ።

6.ዝተኸንሸበ መትሎ ካብቲ ዘይተኸንሸበ መትሎ ዝወሓደ ናይ ሕማም ምቅላዕ ተኽእሎ ኣለዎ።ቆርበት ናይ መትሎ እምበኣር ሰፈር ናይ ባክተርያ እዩ።ናይ ኣመሪካ ምርምር ኣብ ኡጋንዳ ዝተገብረ ከምዝሕብሮ ፡ካብ ዝተኸንሸቡን ዘይተኸንሸቡን መትሎታት ደቂ ተባዕትዮ ባክተርያ ብምውሳድ፡መጽናዕቲ ገይሩ።ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣብቶም ዝተኸንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ውሑዳት ባክተርያ ከምዝነበሩ እዩ እቲ መጽናዕቲ ዝሕብር፡ ምኽንያቱ እቲ ባክተርያ ዝሰፍርሉ ከንፈር ናይ መትሎ ክፉትን ኣየር ዝኣትዎን ስለዝኾነ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም(WHO)ምእንቲ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ኤድስን ንምክልኻል ምኽንሻብ ይመክር፡ከምኡ ውን ዝተኸንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ንመጻምዶም ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ካብ ምምሕልላፍ ውሑድ ተኽእሎ ኣሎዎም፡ብተወሳኺ ንባዕሎም ከኣ ካብ መንሽሮ ኣብ መሸኒት ይከላኸለሎም።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝተኸንሸበ ይኹን ዘይተኸንሸበ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ካብ ጾታዊ ሕማማትን ኤድስን ንምክልኻል ኮንዶም ካብ ምጥቃም ዝዓግቶ ነገር የለን።ብሓጺሩ ምኽንሻብ ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን።

7.ኣብ ግዜ ምውታር መትሎ ክስበር ይኽእል እዩ።መትሎ ኣብ ዝቐንዓሉ ግዜ ብሓይሊ እንተዓጺፍካዮ ክስበር ይኽእል እዩ።ዋላ ውን መትሎ ዓጽሚ እንተዘይብሉ እቶም ሰራውር ደም ይህሰዩ’ሞ ኣዝዩ ብብርቱዕ ቃንዛ ዝተሰነየ  መሕበጥቲ ከጋጥም ይኽእል እዩ።ምናልባሽ መትሎኻ ዝተሰብረ ኮይኑ እንተተሰሚዑካ ብቀጥታ ናብ ሓኪም ክትከይድ ይግባእ።ምናልባሽ እዚ ኣበሃህላ ካብዚ”መትሎይ ተሰይሩኒ “ብዕብሪት “ንሽባር ሊ ዛይን”ዝበሃል ክኸውን ይኽእል።

8.ኩሉ ዓይነት መትሎ ነናቱ ኣንፈት ኣሎዎ።መትሎ ኣብ ዝቐንዓሉ እዋን ናብ የማን ፡ጸጋም ፡ንላዕሊ ንታሕቲ ወይ ትኽ ክብል ይኽእል እዩ።ካብ ወዲ ናብ ወዲ ክፈላለ ይኽእል እዩ፡ኣብ ከምዚ ኩነታት ጥዑይ ወይ ኣይኮነን ዘብል ምኽንያት የለን ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ግዜ ምውታር ወይ ምቕናዕ መትሎ ቃንዛ ይገብረልካ እንተኾይኑ ግን ምስ ዶክተር ተማኸር።

9.መትሎ ምዕባይ።መትሎ ናይ ምዕባይ ድሌት እንዳበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡እዚ ካብ ኣካላዊ ጸገም ዘይኮነ ካብ ስነኣእምሮኣዊ ጸገም እዩ፡መትሎኻ ንእሽቶ ኮይኑ ይስመዓካ እንተኾይኑ ምስ ሓካይም ክትማኸር ኣገዳሲ እዩ፡ካብዚ ከኣ ብዛዕባ ናይ መትሎ ምዕባይን ሳዕበናቱን ገለ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።መብዛሕትኦም እቶም ንመትሎ መዕበዪ እምበኣር ዝልከ ክሬም ፡መምጠጢ፡ገለ ሚነራላትን ሆርሞናትን እዮም፡እዚኦም ውጽኢታውያን ኣይኮኑን ኣብ ፍልጠት ተሞርኩስካ ዝተገብሩ ውን ኣይኮኑን ፡ገሊኦም ከኣ ንጥዕና ጽቡቓት ከምዘይኮኑ ዝተረጋገጹ እዮም።መትሎ ንምዕባይ መጥባሕቲ ናይ መትሎ ይግበር እዩ እዚ ውን ውጺኢታዊ ኣይኮነን።

10.ኣካላት ክኣርግ ከሎ መትሎ ውን ከምኡ’ዩ። መትሎ ካብ ደቂ 30 ዝዕድመኦም  ጀሚሩ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ለውጥታት የርኢ እዩ፡እዚ ዕድመ እዚ እምበኣር ኣብ መንጎ ክሳብ’ዚ ዕድመ’ዚ ዝነበሮን ክሳብ ግዜ እርግና ዘሎ ለውጥን ዝጅምረሉ እዩ፡እቲ ናይ መትሎ ቆብዕ እምበኣር ስራሑ እንዳደኸመ ይኸይድ ምኽንያቱ ሰራውር ደም ናቱ እንዳተጨበጠ ስለዝኸይድ።መትሎኻ ንእሽቶ እንከሎ ሚዛን ዝወሰኸ እንተመሰለካ ሚዛንካ ከተጉድል ኣገዳሲ እዩ፡እዚ ግን ምስ ናይ ጥዕና ጸገም ከም በዓል ሽኮርያን ሕማም ልብን ዝተሓሓዝ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ነጻ ኮይኑ ክሰርሕ ምእንቲ እዩ።መትሎ ናይ ወዲ ተባዕታይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓጸረ ክኸይድ ይኽእል እዩ። ካብ 30 ክሳብ  60 ዘሎ ዕድመ ናይ ክልተ ሰንቲመትር ክጎድል ይኽእል እዩ።ኣብ 40 ዓመታት ውን ፍረነብሲ ክጭበጡ ይጅምሩ እዮም።እርጋን ኣብ ዝውስኸሉ ግዜ ስምዒት ውን እንዳጎደለ ይኸይድ እዩ ከምኡ ውን ምፍሳስ የሸግሮም እዩ፡ኣብዚ እዋን እዚ ግን ንምፍሳስ ዝሕግዙ ብዙሓት መድሃኒታት ኣሎዉ።ኣብዚ ኣገዳሲ ነገር እንተሎ ደቂ ተባዕትዮ ዋላ ውን መትሎኦም ፍሉይ ኮይኑ እንተተርኣየ ጾታዊ ስምዒት ኣሎዎም።ስለዚ ሕጂ ውን ምዕባይ መትሎ ነቲ ምስ መጻምድኻ እትገብሮ ጾታዊ ርክብ ወሳኒ ኣይኮነን።

መደምደምታ ፡ንኹሉ ጥዕናካኻ ይኹን ንመትሎኻ ዝከላኸለልካ ብሓፈሻ እንተሎ ኮንዶም እዩ።እቲ ምዕባይ ወይ ምንኣስ ናይ መትሎ  ንጎድኒ ብምግዳፍ ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ኣኤድስንከይንጥቃዕ ክንሓስብ ይግበኣና።ስለዚ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላዊኣ ንስኻ ኢኻ’ሞ ኩሉ ግዜ ኣብ ጁባኻ ኮንዶም ይሃልወካ፡ንኹሉ ነገራት ተዳሊኻ ምእንቲ ክትጸንሕ።ጽቡቕ ምዝንጋዕ !

ምንጭታት

https://www.webmd.com/men/guide/8-things-you-did-not-know-about-your-penis?page=4

https://www.webmd.com.webmd.com/men/guide/life-cycle-of-a-penis?page=2

https://he.wikipedia.org/wiki/%/D7%A4%D7%99%D7%9F

 

שתפו עם חברים