מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

(ጥንሲ ምውላድን ጾታዊ ኣካላትን(ጛል ኣንስተይቲ

ግዜ ጥንሲ እቲ ቕዱስ ዝበሃል ግዜ እዩ ኣብ ምምጻእ ሂወት ከም ማለት እዩ።ኣዝዩ ብርቱዕ ስምዒት ዝፈጥር ነገር እዩ፡እዚ ሆርሞን ውን የልዕል እዩ።ኣብዘመና እንሰምዖም ነገራት ማለት ከም በዓል ጨና ናይ ምጥዓም፡ዋላ ውን ናይ ጾታዊ ስምዒት፡ነዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ኣብ ሂወትና ዘግጥመና ሕልኽላኻት በዲህና ዝበለጸን ናይ ዓወት ሂወትን ዘሓጉስን ሂወት እንመርሕ ዘሎና ?

ዝኾነ ዘስገኣካ ኩነታት ምውጋድ ፡መጀመርታ ካብቲ ጊጋ ዝኾነ ኣበሃህላ ከነስተኻኽሎ ይግባእ፡ ጾታዊ ርክብ ኣብ ኦባሪ ናትኪ ዘውርዶ ማህሰይቲ የለን፡ናብ ብልዕቲ ምእታው ነቲ ኦባሪ ናትና ይሃሲ እዩ ኢልና እንሓስብ ውሑዳት ኣይኮናን፡እዚ ግን ጌጋ ዝኾነ ብሂል እዩ፡ኣካላትና እቲ ኦባሪ ኣብ ማሕጸን ውሑስ ኮይኑ እዩ ተሰሪቱ ዘሎ፡ስለዚ ሳላ እቲ ናይ ማሕጸን ክሳድን እቲ ናይ ማዕጾ መኽፈትን ከኣ ኣዝዩ ዝበለጸን ጥዑይን ጾታዊ ርክብ ንገብር፡ስለዚ ምናልባሽ ብገለ ናይ ጥዕና ጸገማት ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ እንተዘይከልኪሎምኺ፡ካብ ጾታዊ ርክብን ካብ ምስ መጻምድኺ ምሕጛስን ዝኽልክለኪ ነገራት የለን።

እተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሓት ፡ኣብተን ሰለስተ ቀዳሞት ኣዋርሃት ናይ ጥንሲ ግዜ ብዙሕ ክትሳቐዩ ትኽእሊ ኢኺ፡ድኻም ክስመዓኪ ይኽእል ፡ሓይልኺ ይደኽመኪ፡ዋላ ውን ብተምላስ ውን ትሳቐዪ ትኾኒ፡ስለዚ ምናልባሽ ናይ ጾታዊ ርክብ ሽውሃትኪ እንተጎደለ እዚ ልሙድ እዩ፡እዚ ባህርያዊ ደኣ እምበር ናይ ጾታ ሽግር ኣይኮነን።ኣካላትኪ ኣብ ሓድሽ ሂወት ኣብ ምስራሕ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ እዮም ዘሎዉ በዚ መሰረት ከኣ እቲኦም ሆርሞን ናትኪ ኣብ ስራሕ  ስለዝርከቡ እዩ፡ሕጂ እንተዘይኮይኑስ መዓስ ደኣ?

መጻምድኺ ነቲ ንስኺ እትሓልፍዮ ዘሎኺ ሽግራት ክርዳእ እንተዘይክኢሉ፡እንታይ ከምዘጋጥመኪ ዘሎ ክትሕብርዮ ይግባእ እዩ፡ምናልባሽ ብሰንኪ ጥንሲ ካብ ኣርእስቲ ወጻኢ ዝተረፈ ከይመስሎ፡ምናልባሽ ፍሉይ ዝኾነ ክንክን ክገብረልኪ ሓገዝ እንተደሊኺ ፡ኣማኽርዮ ኣብ ጥቓኺ ንኽከውን ውን ኣሳትፍዮ፡ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ጥንሲ ኣዋርሓት ምቹእ ኣይኮነን(ተምላስን ስግል ግል)ኣብ መብዛሕትኤን ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብቲ ሰለስተ ወርሒ መወዳእታ እዚ ሽግራት እዚ ተወዲኡ ሓድሽ ሂወት እየን ዝጅምራ፡ስምዒት ናይ ከም በዓል ዕንፍሩር ከኣ ይጅምር።

እቲ ካልኣይ ናይ ሳልሳይ ወርሒ

ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ዝኸፍአ እዋን ብድሕሪት ከምዘሎ ይስመዓኪ፡ሓድሽ ሓይሊ ክስመዓክን ክመልኣክን ይኽእል እዩ።ብኣንጻሩ ከኣ እቲ ናይ ጾታዊ ርክብ ድልየትኪ ክውስኽ ይኽእል እዩ፡እዚ ኩሉ ሆርሞናት ብግዜ ጥንሲ ኣብ ኣካላትና ዝፈጥርዎ ስራሓት እዩ።ገለ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ጾታዊ ስሚዒተን ኣብ ግዜ ጥንሲ ከም ዝዓቢ እየን ዝምስክራ ፡ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃ ዘይረኽባኦ ዝነበራ እየን ኣብዚ ደረጃ እዚ ዝሓሸ ጾታዊ ርክብ ይስመዐን።ብወገን ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ብኣንጻሩ ክኸውን ይኽእል እዩ ምኽንያቱ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ምስ ጥንስቲ መጻምዶም ጾታዊ ርክብ ዘይፍጽሙ ኣሎዉ እዚ ከኣ ነቲ ኦባሪ ንኸይጉዳእ ብዝብል ሓሳብ እዩ።እቲ ዝበለጸ ነገር ክልቴኻ ምዝታይ እዩ ፡ንስኺ ጋል ኣንስተይቲ ከኣ ነቲ መጻምድኺ ጾታዊ ርክብ ንኦባሪ ወይ ነቲ ጥንሲ ዋላ ሓንቲ ከምዘይሃሲ ክትገልጽሉ ይግባእ፡ ጾታዊ ርክብ ንጥንሲ ከም ዘይሃሲ ምእንቲ ክርዳእ ነዚ ጽሑፍ እዚ ውን ከተንብብሉ ኣሎኪ፡ጾታዊ ርክብ ኣብ ግዜ ጥንሲ ማዕረ ክንደይ የሓጉስ ከኣ ከተረድእዮ ይግባእ።

ሳልሳይ ናይ ሳልሳይ ደረጃ

ብጥዕና ምኽንያት ዝኾነ ናይ ምቁራጽ ሓቤረታ እንተዘይ ተዋሂቡኪ፡ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ክትቅጽሊ ትኽእሊ ኢኺ እንተኾነ ግን ምስ መጻምድኺ ኣብ እትገብርዎ ጾታዊ ርክብ ብሰንኪ ናይ ከብድኺ ምዕባይን ንደገ ምውጽኡን እቲ መጻምድኺ ኣብ ልዕሌኺ ንኽስቀል ዘይክጥዕም ይኽእል እዩ፡በዚ ምኽንያት እምበኣር ካልእ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሙ ክትግደዱ ኢኹም(ስፑኒይ፡ወይ ከኣ ዶግይ ስታይል ማለት ብጎድኒ፡ወይ ከኣ ብድሕሪት፡ሴክስ ምፍጻም ማለት እዩ።ብዙሓት ከምዚ ዓይነት ይጥቐሙ)

ብባህሪኹም ኩሉ ንምፍታን ደለይቲ እንተኾንኩም እዚ “ብድሆ”እዚ ዝበለጸ ጾታዊ ርክብ ናይ ምግባር ዓቕምኹምን ፈጠራታትኩምን ዘዕቢ ነገር እዩ

ነፍስ ወከፍ ጛል ኣንስተይቲ ኣብ ግዜ ጥንሲ ዝተፈላለየ ስምዒት ኣሎዋ፡ጾታዊ ስምዒተን ከምዝነበሮ ዝተርፍ ደቂ ኣንስትዮ ኣሎዋ፡ገለ ከኣ ጾታዊ ስምዒተን ዝቐያየረን ኣለዋ-ወይ ይጎድል ወይ ይውስኽ።ተኣምራት’ዩ ንገዛእ ርእስኺ በቲ ዝግበር ለውጥታት ኣይትውቀሲ እንተኣይ ደኣ ብርድኢት ተቐበልዮ።

ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምውላድ

ኣብ 2013 ኣብ ቪክቶርያ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ብናይ ብርዒ ጽሑፍ ከም ዝተዘርግሐ international journal of obstetrics and gaynaecology፡ከምዝሕብሮ ልዕሊ 1,500 ካብ ዝወለዱ መጻምዲ መጽናዕቲ ገይሩ።እቲ መጽናዕቲ 41% ካብተን ኣዴታት ጾታዊ ርክብ ከይገበሩ ንሽዱሽተ ሰሙን ተጸብዮም፡78% ካብተን ዝወለዳ ከኣ ድሕሪ 12 ሰሙን ጾታዊ ርክብ ፈጺመን 94% ካብተን ዝወለዳ ከኣ ድሕሪ ፍርቂ ዓመት ጾታዊ ርክብ ፈጺመን።

ናይ ሕክምናዊ ምኽሪ ከምዝሕብሮ ሽዱሽተ ሰሙን ናይ ትጽቢት ግዜ ንኽህሉ ይመክር፡እዚ ከኣ ናይ ማሕጸን ሓኪም እታ ሓራስ ጥዕናኣ መርሚሩ ናብቲ ቕድሚ ሕርሲ ዝነበራ ኩነታት ኣብ እትምለሰሉ እዋናት እዩ፡እዚ ግዜ እዚ ናይ “ሕርሲ ዕረፍቲ”ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ኣብዚ ሽዱሽተ ሰሙናት እምበኣር ብዝኾነ ምኽንያት ጾታዊ ርክብ ክግበር የብሉን ምኽንየቱ እቲ ኣካላት ናይ ገዛእ ርእሱ ለውጥታት ዝገብረሉ እዋናት እዩ(ብፍላይ ከኣ ከም መስፈይቲ ዝኣመሰሉ ነገራት እንተደኣ ኣሎ)፡ክሳብ ምርመራ ናይ ዶክተር ክትጻወሪ ዘይትኽእሊ እንተኾንኪ ግን ረኽስታት ንምክልኻል ኮንዶም ተጠቀሚ።ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ቃንዛ እንተገይሩልኪ ኣቓርጽዮ ክሳብ መርመራ ናይ ዶክተር ከኣ ተጸበዪ፡መርመራ ናይ ዶክተር ገርኪ ጽቡቕ ዝኾነ ሽግር እንተዘይብልኪ ግን ናብ ስሩዕ ናይ ጾታዊ ርክብ ተግባራትኪ ክትምለሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ሕርሲ ቀልጢፈን ናብ ጾታዊ ርክብ ዝምለሳ ኣሎዋ፡ገለ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ካብቲ ሓድሽ ሕጻን ካብ ምምጻእ ዝተላዕለ ስምዒትን ድንፍቕፍቕን እቲ ናይ ጾታዊ ርክብ ድሌተን ይጎድል፡ከምዚ ይስመዓኪ እንተኾይኑ በይንኺ ኣይኮንክን።ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ጾታዊ ርክብ ድልየታተን ድሕሪ ሕርሲ ይጎድል እዩ፡ድኻም ይስመዐን ፡ድቃስ ይደልያ ዝያዳ ሓገዝ ከኣ የድልየን።እዚ ከኣ እቲ ናይ ኣካላተን ናይ ሆርሞን ኣብ ኣካላተን ብዘምጽኦ ለውጥታት ምኽንያት እዩ።ኣብዚ ውን እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድና እዩ።ንመጻምድኺ ዝስመዓኪ ነገራት ኣሳትፍዮ፡ዘድሊ ኮይኑ እንተተሰሚዑኪ ቆልዓ ኣብ ምእላይ ሓገዝ ሕተትዮ፡ብዛዕባ ናይ ገዛ ስራሕ ውን ተዘራረቡ፡እዚ ከኣ ኣብ ሂወትኪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምኻኑ ውን ግለጽሉ፡ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ከም ዝተነጸልኪ ወይ ከኣ ንመጻምድኺ ነዚ ነገር እዚ ክትዛረብዮ ብኸመይ መንገዲ  ዘይትፈልጢ እንተኾንኪ፡ወይ ምስ ናይ እንዳኽታበት(ቲፓት ኻላቭ) ሓኪም ወይ ከኣ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም ተዘራረቢ(ሮፈ ምሽፓኻ)ተዘራረብን ተማኸርን።

שתפו עם חברים