מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ኣዝዮም ኣገደስቲ ሓቅታት ብዛዕባ ጥንሲ ናይ ጎርዞ

ክትጠንስ ምኽኣል ሓደ ህያብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ተፈጥሮ ዝተቐበላኦ እዩ፡እዚ ናይ ሂወት ናይ ምፍጣር ተመኩሮ እዩ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዘይግዚኡ ጥንሲ እንተሒዝኪ ከኣ ካልእ ፍልይ ዝበለ ስምዒት ክፈጥረልኪ ይኽእል እዩ፡ኣወንታዊ ነገር ክጎድል ይኽእል እዩ።ከም ጎርዞ ጥንሲ ክህልወኪ ወይ ከይህልወኪ ንምምራጽ ብዛዕባ ጥንሲ ፍልጠት ክህልወኪ ኣገዳሲ እዩ፡ፍልጠት ሓይሊ ስለዝኾነ ማለት እዩ!ብሓቀኛ ዝኾነ ፍልጠት ጥዕናኽን ኣካላትክን ክትሕልዊ ከኣ ትኽእሊ ኢኺ፡ጥንሲ መዓስ ከምዘድሊ ውን ክትመዝንን ክትውስንን ክሕግዘኪ እዩ።እዞም ዝስዕቡ ብዛዕባ ጥንሲ መደብ ክትሰርሕን ክትሓስብን ክሕግዙኺ እዮም።

1.ናብ ጥንሲ ዝእቶ ብብልዕቲ ብዝግበር ጸታዊ ርክብ ጥራሕ እዩ፡ማለት መትሎ ናብ ብልዕቲ ብምእታው።ንዓኽን ንመጻምድኽን ናብ ጾታዊ ርውየትን ዕግበትን ከብጽሑ ዝኽእሉ ካልኦት ብዙሓት ዓይነታት ጾታዊ ርክብ  ኣሎዉ ጥንሲ ግን ኣይፈጥሩን እዮም፡ከም ሴጋ(ግብረ ሕቡእ)ብኣፍ ዝግበር ጾታዊ ርክብን ካልእን።ስለዚ ካብ ጥንሲ ክትከላኸሊ ምድላይኪ ካብ ጾታዊ ርክብ ክትክልከሊ ናይ ግድን ኣይኮነን፡ንጥዕናኽን ንኣካላትክን ክትከላኸልሎም እትኽእሊ መከላኸሊታት ከኣ ኣሎዉኺ(መሳርሒታት መከላኸሊ )።

2.ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ እቲ ወዲ ኣብ ብልዕቲ  ኣብ ዝውደኣሉ እዋን (ምፍሳስ)ብዙሓት ኣብ ናይ ዘርኢ ኣካላትና ዝርከቡ እንቃቕሖታት ናብ ኦባሪ ጛል ኣንስተይቲ ጉዕዞ ይጅምሩ።ንዘርኢ ዘይትጽበ እንቃቕሖ እንተዘየላ ጥንሲ እትሕዝሉ ምኽንያታት የለን።እንቃቕሖ ካብ ኦባሪ ወጽያ ናብ ክትፈርየሉ እትኽእል ደረጃ ናይ ምብጻሕ ግዜ እምበኣር ኦቩለሽን(ድቂ ዝፍጠረሉ እዋን)ይበሃል።

3.እዚ ኦቩለሽን እንብሎ ቁጽሪ መዓልታት ኮይኑ(ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ መዓልታት እዩ) እዚ ከኣ ካብ ብዙሓት ሓንቲ እንቃቕሖ ብመንገዲ ትቦ(ቱብ)ናይ ማሕጸን ገይሩ ናብ ማሕጸን ዝበጽሓሉ እዋን እዩ።ኣብዚ ደረጃ እዚ ጛል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ እንተፈጺማ እቲ እንቃቕሖ ይፈሪ’ሞ  ጥንሲ ክትሕዝ ትኽእል እያ።ኣብ ዝኾነ እዋን እንቅቕሖ ተሰይሩ ናብ ፍረ እንተዘይ ተቐይሩ እምበኣር ጛል ኣንስተይቲ ናብ ጥንሲ ክትኣቱ ኣይትኽእልን፡ስለዚ ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ጛል ኣንስተይቲ ጥንሲ ክትሕዘለን እትኽእል መዓልታት ኣሎዋ።

יש להכניס בדף איור כזה וגם איור שמתאר את המסע של

4.ኣብቲ እዋን ኦቩለሽን(ጥንሲ ክተሓዘሉዝኽእል እዋን) ዝበልናዮ ጛል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ እንተፈጸመት ውን ምኢቲ ካብ ምኢቲ ክትጠንስ ትኽእል እያ ማለት ኣይኮነን።እንቃቕሖን ዘርእን ድሕሪ ምርኻቦም እዩ መፍረ ዝጅምር።እታ እትፈሪ እንቃቕሖ ክሳብ ናብ ማሕጸን እትበጽሕ ጉዕዞኣ በቲ ቱብ ዝበልናዮ ትቕጽል፡ኣብዚ መጠግጠግ ዝብል ክፍሊ ናይ ማሕጸን ተሰሪታ ከኣ ምእንቲ ዓብያ ናብ ድቂ ክትበጽሕ ኩሉ ዘድልያ ነገር ትቕበል።ኣብታ ወርሒ እቲኣ እንቅቕሖ እንተዘይፈርያ፡ኣብ ቀጻሊ ናብ ጥንሲ ዓብያ ኣላ ማለት እዩ፡ነቲ ጽግያ ከኣ ትሓጽቦን ትውግዶን፡እዚ እቲ ወርሓዊ ጽግያ ማላት እዩ፡ኣካላትና ናብ መጻኢ ጥንሲ ተዳልዩ ኣሎ ማለት እዩ፡ጥንሲ እተዘይተዘይ ተፈጢሩ፡ኣካላትና ከም “ሓድሽ ይጅምር” “ሪስታርት” ይገብር፡ኩሉ ብምውጻእ ከኣ ከም ብሓድሽ ንዝመጽእ ወርሒ ይዳሎ ማለት እዩ።

5.ጥንሲ ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻምካ ብቐጥታ ኣይኮነን ዝተሓዝ፡ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ገለ መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ፡ዘርኢ ነቲ እንቅቕሖ ክሳብ ዝረኽቦ ንዝተወሰነ መዓልታት ኣብ ኣካላት ናይ ጛል ኣንስተይቲ ክቕመጥ ይኽእል እዩ።

6.ጥንሲ እንተተፈጢሩ ወርሓዊ ጽግያ የቓርጽ “ሪስታርት”ዝበሃል የለን ወይ ከኣ “ይድንጉየኪ”እዚ እቲ ቀዳማይ ጥንስቲ ምኻንኪ ዝምስክረልኪ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ።ካልኦት ጽግያ ክድንጚ ዝገብሩ ምኽንያታት ውን ኣለዉ፡ስለዚ ኩሉ ዓይነት ናይ ወርሓዊ ጽግያ ምድንጛይ ንጥንሲ ምልክት ከምዘይኮነ ክንዝክር ይግባእ።ናይ መብዛሕትኤን ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያ 28 መዓልታት እዩ እቲ ኦቩለሽን ከኣ ኣብ መበል 14 መዓልታት ናይቲ ወርሒ ይኸውን ማለት እዩ።ብዛዕባ ናይ ወርሓዊ ጽግያ ምክትታንል ንምግባር ክትመሃሪ ትደልዪ እንተደኣ ኾንኪ፡ወርሓዊ ጽግያኺ መዓስ ይድንጙ መዓስ ይቕድም ወይ ከኣ መዓስ እዩ ኣብ ግዜኡ ዝመጻኪ ክትፈልጢ ፈትኒ፡ከምዚታት ፈተነታት ትገብሪ እንተኾንኪ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ወሓዊ ጽግያ ዝተቐበልክላ ኣብ ካላንደር ብምምዝጋብ ክትከታተሊ ትኽእሊ ኢኺ።

7.ጥንሲ መርመራ ናይ ደም ብምግባር ኣቐዲምካ ብቐሊሉ ክፍለጥ ይኽእል እዩ።ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም(ሮፌ ምሽፓኻ)ብምኻድ ነዚ መርመራ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ፡ኣብ ናይ ኢንሹራናስ ናይ ጥዕና ማእከላት ብነጻ እዩ ዝግበር።

8.እዚ ከምዚ ዓይነት መርመራ ክትገብሪ እንተዘይ ደሊኺ ግን ካብ ዝኾነ ፋርማሲታት ብዘይ ናይ ዶክተር መሰነይታ ገዚእኪ ኣብ ገዛኺ ክትምርመሪ ትኽእሊ ኢኺ፡እዚ ሽንቲ ብምግባር ዝቐለለ መርመራ እዩ፡ገለ ዓሰርተታት ሸከል እዩ ዋግኡ፡እቲ ውጽኢት ናይዚ መርመራ እዚ ንጹር እንተዘይኮይኑልኪ መርመራ ናይ ደም ክትገብሪ ተመራጺ እዩ።ምናልባሽ እቲ ኣብ ገዛኺ ብሽንቲ ዝገበርክዮ ናይ ጥንሲ መርመራ ነገቲቭ ክብል ይኽእል እዩ ምኽንያቱ ብፍላይ እቲ ጥንሲ ንእሽቶ እንተኾይኑ ኣካላትና  እቲ መርመራ ከላልዮ ዝኽእል ሆርሞን ንኸዳሉ ግዜ ክወስደሉ ስለዝኽእል ማለት እዩ።

9.ዘይተደልየ ጥንሲ እንተደኣ ኣጋጢሙኪ እንታይ ዓይነት ኣማራጺታት ከምዘሎኪ ክትፈልጢ ትደልዪ ዶ፡ኣብዞም ናይ ኢንተርነት መስመራት ኩሉ ዓይነት ሓበሬታት ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፡ንኽትፈልጢ ሓቒ ምረጺ ፡ክፉት ማዕጾ ዝብሉ ኣብ ኢንተርነት ምፍታሽ ይከኣል እዩ።

10.ከኒና ብድሕሪኡ መዓልቲ(ግሉላ ሽል ሃዮም ሽኣኻሬ)።ብዘይካ ንመከላኸሊ እንጥቀመሉ ከኒና ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻምና ውን እንወስዶ ከኒና ኣሎ።እቲ ከኒና 72 ሰዓታት ድሕሪ ዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ምፍጻምኪ እዩ ዝውሰድ።እዚ መድሃኒት ካብ ጥንሲ ይከላኸል፡ነቲ መከላኸሊ ጥንሲ ግን ኩሉ ግዜ ኣይጠቕምን።ንህጹጽ ነገር ጥራሕ ተጠቀምሉ።ብተደጋጋሚ ካብ ሓደ ንላዕሊ እንተተጠቂምክሉ ግን፡ኣብ ጽግያ ሽግር ክፈጥር ይኽእል እዩ።እዚ ከኒና እዚ ካብ ፋርማሲ ብዘይ መሰነይታ ናይ ዶክተር ክግዛእ ይከኣል እዩ።

ብዛዕባ ጎርዞታት ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ካብ ተገደስና ብዛዕባ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ጾታን ውን ብሓፈሻ ገለ ክንብል-ብምሉኦም ኣብ ከባቢና ዘሎዉ ናብ ጥንሲ ከይንበጽሕ ክምህሩና ይደልዩ እዮም፡ስለዚ መብዛሕትና ኣብ ግዜ ኦቩለሽን(ጛል ኣንስተይቲ ክትጠንሰሉ እትኽእለሉ ግዜ)ጾታዊ ርክብ ኣይንፍጽምን ወይ ከኣ መከላኸሊ ከም በዓል (ከኒና) ካብ ጥንሲ ዝከላኸሉልና ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ግን ዘይከላኸሉልና መከላኸሊታት ንጥቀም ንኸውን እቲ ዝተቐበልናዮ መልእኽቲ ውን ውዱእ ዘይኮነ ገገር እዩ።ዘይተደልየ ጥንሲ ብዙሕ ስነኣምሮኣውን ኣካላውን ሽግራት ክፈጥር ይኽእል እዩ፡ጎድኒ ጎድኒ ናይዚ ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ክንፈልጥን ብኸመይ ክንከላኸሎም ከምዝግበኣና ክንርዳእን ኣገዳሲ እዩ።ስለዚ ነቲ “ብኸመይ ኣይጥነስን” ዝብል ኣርእስቲ “ብኸመይ ኣይትጥነሲ ከምኡ ውን ብኸመይ ካብ ጾታዊ ሕማማት ንጥናና ንከላኸል ” ዝብል ክትውስኹሉ ንምሕጸን።

ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም በዓል ኤድስ ብኸመይ ክንከላኸሎም ከምዝግበኣና ክትፈልጢ ትደልዪ’ዶ(ነዚ ፈትሹ፡ኣየናይ መከላኸሊ እዩ ዝሰማምዓኒ?)

እዚ ፊልም እዚ ውን ኣብዚ ገጽ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ፊልም ብዕብሪት፡ሲርቶን ኻሙድ ቨ ኩሚ ዓል ክኒሳ ለሄራዮን በሃንኻያት ፒን ቭፖት

እዚ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ናብ ጥንሲ ይብጻሕ ዝገልጽ እዩ።

ሰረት ተላት ሚመድ ማርሺም መኦድ ዓል ሃመሳዕ ሽል ሃዜራዕ ኤል ሃቢጺት ኮለል ሃፕርያ

እዚ ከኣ ብዛዕባ ዘርኢ ናብ እንቓቕሖ ከመይ ገይሩ ይበጽሕ ዝገልጽ ፊልም እዩ።

שתפו עם חברים