מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ብምፍሳስ ዝልለዩ ጾታዊ ሕማማት

ከላመድያ

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ልሙዳት ዝኾኑ ጾታዊ ሕማም እዩ፡ብፍላይ ከኣ ኣብ ክሊ ዕድመ 15-25 ዘሎዉ ።ካብ ክላመድያ ትራኮማቲስ ዝበሃል ባክተርያ ከኣ ይመጽእ፡

እዚ ባክተርያ እዚ ከኣ ኣብ ፍሕኛ ሽንቲ ወዲ ተባዕታይ ረኽሲ የኸትል፡ንጛል ኣንስተይቲ ከኣ ረኽሲ ናይ ማህጸን የኸትለላ።መብዛሕትኦም ግዳያት ናይዚ ሕማም እዚ ኣወዳት ይኹኑ ኣዋልድ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት የብሎምን፡ከምዝተጠቖዑ ውን ኣይፈልጡን በዚ መሰረት ከኣ ሕክምናዊ ምርመራ ስለዘይገብሩ ናብ ዝገደደ ሽግር ይበጽሑ-እዚ ሕማም ከላመድያ እዚ 66% መምከንቲ የኸትል 33% ካብ ማህጸን ወጻኢ ጥንሲ የኸትል።

ምልክታት ክላመድያ

እቲ ምልክታት ከኣ ካብ 1-5 ሰሙናት ካብቲ ዝተጠቓዕካሉ ግዜ ጀሙሩ ይረአ

*መጠግጠግ ዝብል ፈሳሲ ካብ ጫፍ መትሎ

*ምቅጻል ኣብ ግዜ ሽንቲ(ኣብ ደቂ ተባዕትዮ)

*ኣብ ግዜ ጽግያ ዘይኮነ መድመይቲ ብፍላይ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ

*ዘይልሙድ ፈሳሲ ካብ ብልዕቲ

*ቃንዛ ከብዲ ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ (ኣብ ደቒ ኣንስትዮ)

ብኸመይ ይምርመር፡ ነቲ ባኽተርያ ንምልላይ ናይ ሽንቲ ምርመራ `ብምግባር ናይ ውሽጢ ኣሲድ ብምልላይ(ፒ ሲ ኣር)

ዝመሓላለፈሉ መንገዲ-ዘይውሑስ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ብብልዕትን ብመዓኮርን ምስ ዝሓመመ መጻምዲ( ሳሕቲ ከኣ ብኣፍ ብዝግበር ጾታዊ ርክብ ይመሓላለፍ እዩ)፡ካብ ሕምምቲ ኣደ ናብ ውሉድ ውን ይመሓላለፍ እዩ።

ብኸመይ ንፍውሶ ብኣንቲብዮቲካ ማለት ኣንጻር ባልዕ ዝበሃል መድሃኒት ካብ ዓይነት ዶክሲሊን ወይ ኣዚታሮሚጺን ብምውሳድ።ኣብ ሕክምና ሊቪኒስኪ እዚ መድሃኒት ብነጻ ይወሃብ።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘኸትሎ ሽግራት፡መምከንቲ የኸትል ረኽሲ ኣብ ጎሎ፡ጥንሲ ካብ ማህጸን ወጻኢ፡ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ረኽሲ ናይ ፍረነብሲ ፡ረኽሲ ኣብ መፈላልዮ

ኣብ ሕጻናት ከኣ -ረኽሲ ናይ ዓይኒን ናይ ሳንቡእን።

መከላኸሊ -ግቡእ ኣጠቓቕማ ኮንዶም  ብምዝውታር  ክንከላኸሎ ንኽእል።

ናይ  ክላመድያ ናይ መጸበዪ ግዜ – ወርሕን ፈረቓን

ጅግል

ንክላመድያ ብዝመሳሰል ጅግል እውን ረኽሲ ናይ ፍሕኛ ሽንቲ የኸትል እዩ ፡ንጛል ኣንስተይቲ ከኣ ረኽሲ ናይ ማህጸን የኸትለላ።እቲ ረኽሲ ግን ዕጽፊ ናይ ክላመድያ እዩ።

ረኽሲ ኣብ መዓኮርን ረክቱምን ብናይ መዓኮር ምምሕልላፍ  ውን የኸትል እዩ እቲ ነዚ ሕማም እዚ ዘኸትል ባክተርያ ከኣ ነይሰርያ ጎኖርያ፡እዚ ከኣ ኣብ መትሎ ወይ ጽኪ እዩ ዝወጽእ፡መብዛሕትኦም ደቒ ተባዕትዮ(95%)ምልክታት ይረኣዮም መብዛሕትአን ደቒ ኣንስትዮ (80%) ምልክታት ይረኣየን።ሳሕቲ ግዜ ግን እዚ ኣብ ጽኪ ዝረአ በዞም ምልክታት ይልለ።ነዚ ሕማም እዚ ኣብቲ መጀመርታ ደረጃኡ እንከሎ ክንፍውሶ ኣሎና ፡ብዘይ መድሃኒት ግን ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ።

ምልክታት ሕማም ጅግል

ፈሳሲ ካብ መሸኒ ወይ ካብ ብልዕቲ  ጸላዕላዕ ዘብል ፈሳሲ ካብ መሸኒ ወይ ካብ ብልዕቲ (ቃንዛ ምቅጻል)ኣብ ግዜ ሽንቲ።መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ በዚ ሕማም ዝተለኽፉ በዚ ምልክታት እዚ ይሳቐዩ፡እቲ ሕማም ረኽሲ ኣብ ፍረነብሲን ኣብ ናይ ሽንቲ ቱቦታትን የኸትል

መብዛሕትኤን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ዋላ ሓንቲ ኣይስመዐንን ፡ሽግር ግን ክፈጥረለን  ይኽእል እዩ ።ዘይተሓከማ  ደቂ ኣንስትዮ ጅግል ረኽሲ ኣብቲ ውሽጣዊ ኣካላተን ምምካንን ፡ካብ ማሕጸን ወጻኢ ጥንስን ከጋጥም ይኽእል ኣብቲ ትቦ ናይ ብልዕቲ ከኣ ብርቱዕ ቃንዛ የጋጥም።

ዝመሓላለፈሎም መንገድታት፡

ብኹሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ፡ብብልዕቲ(ናብ ብልዕቲ ብምእታው) ብመዓኮርን ብኣፍን፡ምስ ሕማም ጅግል ዝሓመመ መጻምዲ  ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም፡ኣብ ግዜ ምውላድ ከኣ ካብታ ኣደ ናብቲ ሕጻን ክመሓላለፍ ይኽእል

ዘኸትሎም ሽግራት፡

 ዘይተሓከማ  ደቂ ኣንስትዮ ጅግል ረኽሲ ኣብቲ ውሽጣዊ ኣካላተን ምምካንን ፡ካብ ማሕጸን ወጻኢ ጥንስን ከጋጥም ይኽእል ኣብቲ ትቦ ናይ ብልዕቲ ከኣ ብርቱዕ ቃንዛ የጋጥም፡ኣብ ኣወዳት ከኣ እቲ ሕማም ረኽሲ ኣብ ፍረነብሲን ኣብ ናይ ሽንቲ ቱቦታትን የኸትል ብሰንኪ እቲ ረኽሲ ኣብ ናይ ሽንቲ ትቦታት ከኣ ቃንዛ ኣብ መሸኒ የኸትል ማለት እዩ፡ቃንዛ ኣብ ግዜ ሽንቲ፡እቲ ካብ ሕምምቲ ናይ ሕማም ጅግል ዝውለድ ውሉድ ከኣ ምስተወልደ ብብርቱዕ ረኽሲ ናይ ዓይኒ ይሳቐ ።

መከላኸሊ፡ ብሓቀኛ ኣጠቓቕማ ናይ ኮንዶም ብኹሉ ዓይነት ግብረ ስጋ፡ ብኣፍ ብብልዕቲ ከምኡ ውን ብመዓኮር።

ናይ ጅግል ናይ ትጽቢት ግዜ ፡ክልተ ሰሙን

ሕማም ትሪኮሞኒያዚም

ብሓደ ጽግዕተኛ ብስም ትሪኮሞናስ ቫጂናሊስ ዝጽዋዕ ጽግዕተኛ ይፍጠር።እዚ ጽግዕተኛ ሓሰኻ እዚ ኣብ ብልዕቲ ጛል ኣንስተይቲ እዩ ዝርከብ ፡ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ከኣ ይላባዕ።ወዲ ዋላ እካ በቶም ምልክታት ዘይሳቐ እንተኾነ ክመሓላለፎ  ይኽእል እዩ፡ ንሱ ውን ናብ ሰበይቲ ከመሓላልፍ ይኽእል እዩ፡ኣብ ዓለም ብዝተገብረ ጸብጻብ (ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ደቒ ኣንስትዮን ሓደ ካብ ዓሰርተ ደቂ ተባዕትዮን)ከመሓላልፉ ይኽእሉ።ኣብ እስራኤል ግን ካብዚ ዝለዓለ እዩ፡እዚ ጽግዕተኛ ሓሰኻ ረኽሲ ኣብ ብልዕትን ኣብ ክሳድ ናይ ማህጸንን ኣብ ጛል ኣንስተይቲ የኸትል፡ከምቲ ዝተባህለ ኣብ ወዲ ዝረኣዩ ምልክታት የለዉን።እቲ ጽግዕተኛ ነታ ጛል ኣንስተይቲ ከምዘሎዋ እንተተረጋጊጹ ግን እቲ ወድን እታ ጛልን ምርመራ ክገብሩ ይግባእ እዚ ከኣ ነታ ጛል ኣንስተይቲ እንደገና ንኸይተመሓላልፍን ከይሓልፋን ንምክልኻል ማለት እዩ።

 ምልካታት ናይ ትሪኮሞኒዝም

ደቂ ኣንስትዮ፡እዚ ሕማም እዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዓቢ ማህሰይቲ ኣሎዎ፡ብጫን ቀጠልያን ናእሽቱ ቀጠንትን ሓፊስን ፈሳሲታት ከኣ የኸትል ፡ብርቱዕ ሽታ ከኣ ኣሎዎ፡እቲ ሽታ ከኣ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ዝኸፍአ ይኸውን።ብተወሳኺ  ኣብቲ ደጋዊ መዳያት ናይ ብልዕቲ ከኣ ምቅጻል ይስመዓ ኣብቲ ከባቢ ከኣ መቕያሕቲ ኣብ ብልዕቲን ምቅጻል ኣብ ግዜ ሽንትን ከኣ የኸትል።ገለ ግዜ ግን እቲ ነዚ ሕማም እዚ ዘምጽእ ጽግዕተኛ ገለ ምልክታት ከየርኣየ ናብቲ ብልዕቲ ክኣቱ ይኽእል እዩ።

ደቂ ተባዕትዮ፡ደቂ ተባዕትዮ ናይዚ ሕማም እዚ ምልክታት ኣይረኣዮምን እዩ፡ውሑዳት ግን ካብ መሸኒኦም ብምቅጻል ዝተሰነየ ፈሳሲ ብምፍሳስ ይሳቐዩ እዮም።

ብኸመይ ይምርመር እዚ ናይ ላባራቶሪ ምርመራ እዚ ኣብ ምልላይ ናይቲ ጽግዕተኛ ሓሰኻ ብማይክሮስኮብ እዩ፡ብምርመራ ናይ ፒ ሲ ኣር ይልለ ማለት እዩ

ቀንዲ መለለዪ ፡ዕንፍሩር(ቀያሕቲ ሕበጥ ዝመስሉ ምልክታት)ኣብ መትሎ

ዝመሓላለፈሉ መንገድታት፡  ኩሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ብብልዕቲ(ናብ ብልዕቲ ብምእታው)ብኣፍን ብመዓኮርን ዘይ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ምስ ሕማም ትሪኮመንስ ዘሎዎ መጻምዲ ብምፍጻም።

ብኸመይ ንከላኸሎ፡ግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ኮንዶም ብምዝውታር  ንከላኸሎ።

ዘኸትሎም ሽግራት ምናልባሽ ጥንስቲ ሰበይቲ ካብዚ ሕማም እዚ እንተዘይተፈዊሳ ኣቐዲምካ ናይ ኣብ ዘይግዜኡ ምውላድ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ይረአ እዩ።

ብኸመይ ንከናኸኖ፡  ፡ብሓገዝ ናይ ኣንቲብዮቲካ/ናይ ረኽሲ መድሃኒት ካብ  ዓይነት መትሮኒዳዞል ግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ኮንዶም ብምዝውታር  ንከላኸሎ

 

ኦርኦ ፕላዝማ ኦሮሊትኩም

እዚ ጽግዕተኛ ሓሰኻ እዚ ነቲ ጾታዊ ኣካላት ናይ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ናይ ጛል ኣንስተይቲ ዝሰፍር ባልዕ እዩ።ክሳብ ቀረባ እዋን እቲ ባክተርያ ድዩ ወይስ እቲ ናይ ጾታዊ ኣካላትና ኣይፍለጥን ነይሩ።ኣብ መወዳእታ ክልተ ዓይነት ናይዚ ባክተርያ ተለልዮም፡ እቲ ሓደ ምስ ረኽሲ ናይ ፍሕኛ ሽንቲ ዝተተሓሓዘ  ብዘይ ንቡር ፈሳሲ ካብ ናይ ጾታዊ ኣካላት ናይ ወዲ ተባዕታይ  ወይ መሕከኽቲ ዝተሰነየ እዩ።እቲ ናይ ባክተርያ መድሃኒት ከኣ ዶክሲሊን – ኣንቲብዮቲካ እዩ ።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ እቲ ረኽሲ ናይ ማሕጸን ኣብ መንጎ እቲ ባክተርያን ናይ ፈውሲ ርክብ የለን፡ዋላ በቲ ዶክሲሊን ነቲ ባክተርያ ኣየጥፈኦን እዩ።

ኦርኦፕላዝማ ፐርቡም –እዚ ጾታዊ ሕማም ኣይኮነን።እዚ ኣብ ጾታዊ ኣካላት ናይ ወዲ ሰብ ዝርከቡ እዮም።እዚ ባክተርያ እዚ ናይ ኣንቲብዮቲካ መድሃኒት ዘድልዮ ኣይኮነን ምኽንያቱ ዝርብሾ ነገራት ስለዘይብሉ።

ሚኮፕላዝማ ገኒታልዮም

እዚ ረኽሲ ዘኸትል ባክተርያ ኮይኑ ብዘይንቡር ፈሳሲ ካብ ጾታዊ ኣካላት ከኣ ይፍለጥ፡ እቲ ባክተርያ ብምርመራ ናይ ፒ ሲ ይምርመር እቲ መድሃኒት ከኣ ኣዛኒል ንሓሙሽተ መዓልታት  ይወሃብ፡ምናልባሽ እዚ እንተዘይ ሓጊዙ ግን መጋክሲን ዝበሃል መድሃኒት ከም ኣማራጺ ናቱ ይወሃብ ማለት እዩ።

ሚኮፕላዝማ ሆሚኒስ -ጾታዊ ሕማም ኣይኮነን

 

 

 

שתפו עם חברים