מיקום המרפאה: רחוב לוינסקי 108, בתוך התחנה המרכזית החדשה, בקומה 5, חנות 5531 טלפון: 03-5373738

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም ዝተጠቓዕኩም ብኸምይ ትፈልጡ

ናይ ጾታዊ ርክብ ሕማማት ብኹሉ ዓይነት  ጾታዊ ርክብ እዮም ዝመሓላለፉ-ብብልዕቲ፡ብመዓኮር ብኣፍ፡ከምኡ ውን ብሓደ ግዜ ምትንኻፍ ይመሓላለፉ፡እቲ ናይ ምምሕልላፍ ደረጃታት ካብ ሕማም ናብ ሕማም ዝተፈላለየ እዩ።

ገለ ሕማማት ብምትንኻፍ ወይ ብናይ ኣፍ ዝግበሩ ጾታዊ ርክባት ብዝወሓደ  ደረጃ ዝመሓላለፉ ዓይነት  ሕማማት ኣሎዉ።

መብዛሕትኦም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃ ድሕሪ በቲ ሕማም ምጥቃዕካ ብምልክታት እዮም ዝፍለጡ(ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ)፡ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት ሓደ ወይ ክልተ እንተደኣ ኣሎኩም ኮይኑ ተጠቂዕኩም ከይትኾኑ የስግእ እዩ።

  • ዘይንቡር ፈሳሲ ካብ ብልዕቲ ወይ ከኣ መትሎ
  • ምሕካኽ ወይ ከኣ መቑሰልቲ (ዋላ ብዘይ ቃንዛ )ኣብ ከባቢ መትሎ ወይ ከኣ ኣብ መዓኮር
  • ምቅጻል ኣብ ግዜ ሽንቲ ንመንእሰያትን ጥዑያትን

እንተኾነ ግን እቲ ምልክታት ናይቲ ሕማም ኣሎካ ማለት በቲ ሕማም ተለኺፍካ ማለት ኣይኮነን፡ጥዕናዊ ምርመራ ክትገብር ግን  ይግድደካን ይሕግዘካ በዚ መሰረት ከኣ ምሕማምካን ምጦዓይካን ከተረጋግጽ ትኽእል።ብኻልእ መዳይ ከእ እዚ ሕማም እዚ ኩሉ ግዜ ኣይኮነን ብምልክታት ዝልለ፡ ስለዚ ኩሉ ሰብ ምስ ናይ ኩሉ ግዜ መጻምዱ ዘይኮነ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም እንተኾይኑ  ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ምርመራ ክገብር ኣሎዎ፡ዋላ ምልክታት እንተዘይ ተራእዩ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ምርመራ ክገብር ይግበኦ እዚ ማለት ከኣ ብዝተኽኣለ መጠን ነቲ ረኽሲ ኣቐዲምና  ከነለልዮን ከንውግዶን ምእንቲ ክንክእል እዩ።ስለዚ እቶም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምምሕልላፍ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት ብብዝሒ  ክምርመሩ ይግባእ።

ንምምሕልላፍ ጾታዊ ሕማማት ኣብ ሓደጋ ዘሎ ሰብ መን እዩ?

  • ወዲ/ጛል 20 ዓመት ወይ ካብኡ ንታሕቲ
  • ደቂ ኣንስትዮ
  • ምስ ብዙሓት መጻምዲ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም/እትፍጽም
  • ምስ ሓድሽ/ሓዳሽ መጻምዲ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም
  • ኣብ ዝሓለፈ ጾታዊ ሕማማት ዝነበሮ/ራ
  • ኮንዶም ዘይጥቀሙ ወይ ዘየዘውትሩ ሰባት
  • ምስ ኣወዳት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ኣወዳት

ጾታዊ ሕማማት ዘኸትልዎም ጉድኣታት እንታይ እዮም?

  • ረኽሲ ኣብ ጾታዊ ኣካላትና
  • ጥንሲ ካብ ማህጸን ወጻኢ
  • ናይ ዘርኢ ወይ መፍረ ዘይስሩዕነት ወይ ምብልሻው
  • ሕማም መገጣጥሞ ኣካልት ናይ ጎሎ ረኽስታትን
  • ሕማም ልቢ
  • ሕማም ናይ ማእከላይ መትንታት ሓንጎል

 ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ምግባርና ትኽክለኛ ዝኾነ ውጽኢት ምእንቲ ክንቅበል መዓስ ክንምርመር ይግበኣና ?እቲ ዝበለጸ ግዜ ክንምርመረሉ ዝግበኣና ኣብ ናይ”ትጽቢት ግዜ” ዝበሃል እዩ፡እዚ ናይ ትጽቢት ግዜ ካብ ጾታዊ ርክብ ዝገበርናሉ እሞ በቲ ሕማም ተጠቂዕና ከይንኸውን “እንጥርጠረሉ”ግዜን ኣብ መንጎ ምርመራ እንገብረሉ ግዜን ዘሎ ናይ ትጽቢት ግዜ እዩ፡እዚ ከኣ እቲ  ምርመረ ውጽኢታዊ ምእንቲ ክኸውን እዩ።ንኹሉ ዓይነት ሕማም ዝተፈላለየ ናይ ትጽቢት ግዜ ኣሎዎ።

ኤች ኣይ ቪ ኤድስ -12 ሰሙናት ካብ ግዜ በቲ ሕማም ምጥቃዕ

ጅግል-ክልተ ሰሙን ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ክላመድያ-ወርሕን ፈረቓን ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ፍንጣጣ-ሰለስተ ወርሒ ካብ  ግዜ ጾታዊ ርክብ

ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም ቢ+ሲ ፍርቂ ዓመት ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ናይ ጸላም ከብዲ ሕማም አ-ካብ ክልተ ሰሙን ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙናት ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ሄርፐስ-ክልተ ሰሙን ካብ ግዜ ጾታዊ ርክብ

ብሕማም ኤድስ ተለኺፍካ ከይትኸውን/ኒ ተሰግእ/ኢ ዶ ?ድሕሪ72 ሰዓታት  በቲ ሕማም ምጥቃዕካ መድሓኒት ክትወስድ ይግባእ(ፐፕ/PEP)።

ንዝኾነ ዓይነት ሕቶታት  ወይ ምኽርታት ብዛዕባ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ናብዚ ዝስዕብ ናይ ሕክምና ተለፎን 03 7919704 ደልሉ።

ብሰዓታትን መዓልታትን፡

ሰንበት     13፡00 – 18፡00

ሰኑይ      13፡00 – 16፡00

ሰሉስ      13፡00 – 18፡00

ረቡዕ      13፡00  –  18፡00

ሓሙስ    09፡00 –  15፡00

ወይ ከኣ ጸሓፉልና ፡ሰራሕተኛታት ናይዚ ሕክምና ክሕግዙኹም እዮም

 

 

שתפו עם חברים